ቅልውላው ዩክረይን፡ ዝዓበየ ብድሆ ቻይና

ኣብ መንጐ ሩስያን ቻይናን ዘሎ ጥቡቕ ዲፕማሲያዊ ዝምድና፡ ብመንጽር 'ኦሎምፒክ-ቀውዒ' ክርአ ይከኣል።

ፕረዚደንት ቫድሚር ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ኣሜሪካ፡ ሩስያን ቻይናን፡ ሓቢረን 'ሊበራላዊ ዓለማዊ ስርዓት' ክፈጥራ ይጽዕራ ኣለዋ ክትብል ከሲሳ ነይራ።

ተኽሲቱ ዘሎ ቅልዋላው፡ ሩስያ-ዩክሬን፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ንቻይና በዳሂ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ሩስያን ቻይናን፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ፑቲን ሓደ ካብ ውሑዳት መራሕቲ ኰይኑ ዝተሳተፎ፡ [ካብ 04-20 ለካቲት 2022 ኣብ በይጂን ዝተኻየደ] ውድድር ኦሎምፒክ ቀውዒ ምርኣዩ ይከኣል።

ፑቲን፡ ኦሎምፒክ ቀውዒ ክሳብ ዝውዳእ ተጸብዩ፣ ነተን ክልተ ናይ ምንጻል ሕቶ ዘልዓላ ዞባታት ዩክሬን ኣፍልጦ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ወተሃደራት ልኢኹ'ውን ክድግፈን ጀሚሩ።

ቻይና ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ 'ኵሎም ወገናት' ወጥሪታት ዩክሬን ካብ ምዕራግ ክቝጠቡ ክትብል ጸዊዓ።

እንተዀነ፡ እቲ ግጭት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉን፡ ሩስያ ብዝተፈላለዩ ማሕንቘታት ትዋጠረሉ ኣብ ዘላን እዋን፡ ወግዓዊ መግለጺ ቻይና እንታይ እዩ ክኸውን?

መንግስቲ ቻይና፡ ኣብ ኤውሮጳ ኲናት ምድጋፍ ክርአ ኣይክእልን እዩ ኢሎም ክሓስብ ይኽእል፣ እንተዀነ ምስ ሩስያ ዘለዎ ወተሃደራውን ስትራተጅያውን ምትእስሳር ከሐይል ይደሊ።

ቻይና፡ ዝለዓለ ንግዳዊ ሽርክነት ምስ ዩክሬን ዘለዋ ሃገር እያ። በዚ መሰረት ቻይና ምስ ዩክሬን ዝጸንሐ ጽቡቕ ዝምድናኣ ምዕቃቡ የገድሳ እዩ። እዚ ግን፡ በቲ ኻልእ መዳዩ ነቲ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና ክሓላልዀ ይኽእል። ቻይና ንወራር ሩስያ ብወግዒ ከም እትድግፍ እንተ ተረጋጊጹ፡ ነቲ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ዘለዋ ንግዳዊ ሽርክነት ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ተኽእሎኡ ዓቢይ እዩ።

ምቕያር ፖሊሲ ወጻኢ ቻይና?

መራሕቲ ቻይና ብተደጋጋሚ ከም ዝገልጽዎ፡ ሃገሮም ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ከም ዘይትኣቱ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ካልኦት ሃገራት'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያ ኢደይ ከእትዋ ከምዘይትፈቅድ ዘመልክት እዩ።

ሊዩ ዚዮሚን ዝተባህለ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቻይና፣ "ቻይና ፈጺማ ንኻልእ ሃገር ወሪራ ኣይትፈልጥን፣ ኣብ ዝዀነ ውክልናዊ ውግእ'ውን ኣይትጽመድን። ንሰላም ግን ውፍይቲ እያ፡" ክብል ኣብ ትዊተር ደጋጊሙ ጽሒፉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ወራር ሩስያ ንዩክሬን ንምዅናን ኣብ ዝተጋብአ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቻይና ብዝገርም ኵነታት፡ ድምጻ ዓቒባ።

ገለ ተንተንቲ ገሚቶምዎ ከም ዝነበሩ፡ ቻይና ኣብ ጐድኒ ሩስያ ብምዃን ኣንጻር'ቲ እማመ ደው ክትብል እዩ ነይሩ። እዚ ግን ከም ሓደ 'ዓወት ምዕራባውያን' ክጽብጸብ ዝከኣል'ኳ እንተዘይኰነ፡ ምልክት ናይቲ 'ጣልቃ ዘይምእታው' ዝብል ፖሊሲኣ እዩ።

ኣፈኛ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዋንግ ወንቢን፡ እዚ ብሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ዘመተ፡ "ወራር" ኢሉ ካብ ምግላጹ ተቘጢቡ እዩ። እዚ ኸኣ ቻይና ነቲ ኵነታት ክትኩንኖ ከም ዘይትደሊ ኣመት ዝህብ እዩ።

ኣስማቶም ዘይተጠቕሱ ሰበስልጣን ኣመሪካ ተወኪሱ፡ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ሩስያ ንዩክሬን ንኸይትወርር ቻይና ንሩስያ ከተእምና ብምባል፡ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ንቻይና ክትምሕጸን ጸኒሓ እያ።

እንተዀነ፡ ብመሰረት'ዚ ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ እቶም ሰበስልጣን ድሒሮም ከም ዝበጽሕዎ፡ 'ኣመሪካ ዘይምርግጋእ ተሳውር ከም ዘላን፡ ቻይና ድማ ኣብ ቅድሚ ውጥን ሩስያ ደው ክትብል ከምዘይትደሊን፡' ዝብል መልእኽቲ ናብ ሩስያ ከም ዘብጽሐት እዩ።

ጕዳይ ታይዋን ብንጽጽር

ንኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዓቢይ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ዘሎ፡ ህዝቢ ቻይና ኣብዚ ጕዳይ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ኣጠምምታን 'ርእዮተ-ዓለም'ን እዩ።

ስለዝዀነ፡ ነቲ ኣብ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መድያን ንኵነታት ዩክሬን ኣመልኪቱ ዝግበር ዘሎ ክትዓት ክጥቀመሉን ክቈጻጸሮን ይርአ'ሎ።

ጕዳይ ታይዋን ኣብ ከምዚ ዝበለ ድብልቕ'ዚ ካብ እትኣቱ ጸኒሑ እዩ።

እዛ ብርእሳ እትመሓደር ደሴት፡ ናብቲ ቀንዲ ግዝኣት ቻይና "ግድን ክትጽንበር ዘለዋ፡ 'ሕንጊድ' ዝዀነት ግዝኣት፡" ተባሂላ እያ ብኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና እትርአ።

ጕዳይ ቻይናን ታይዋንን፡ ዝቐለለ መርኣያ

ሓያለ ብሄርተኛታት ቻይና፡ ንወራራ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣመልኪቶም ኣብቲ "ዌቦ" ዝተባህለ 'ቻይናዊ ትዊተር' ይጽሕፍዎ ከም ዘለው፡ እዚ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ጽቡቕ ኣብነት ንቻይና ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ቻይና ንታይዋን እትመልሰሉ ዕድል ሕጂ እዩ፡" ክብሉ ይጽውዑ ኣለው።

ቻይና፡ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክሓልፍ ዝጸንሐ እገዳታት ክትቃወሞ እንከላ፣ ነቲ ንሳ ከቢድ ዋጋን ደምን ዝሓታ፡ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ምስ እተበግስ፡ ክስዕባ ንዝኽእል ነገራት ብማዕዶ ንምግትኡ ዝዓለመ እዩ።

ኣፈኛ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ሁ ቹንዪን ኣብቲ ዝህቦ ልሙድ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሩ 'እገዳታት መፍትሒ ሽግር ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢላ ፈጺማ ከምዘይትኣምን፡' ኣስሚሩሉ።

ብሰበስልጣን ቻይና፡ ወትሩ ዝግለጽ ድማ፡ እቲ 'ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ካልኦት ኢዳ ኣይተእቱን!' ዝብል እዩ።

እንተዀነ ዜጋታት ቻይና፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር ምኽኑይ ንምግባር ዘቕረበቶ ምጕት ስዒቦም፡ ኣብ ሃገሮም ከተግብርዎ እንተፈቲኖም፡ ነቲ ወግዓዊ ዶባት 'ታ ሃገር ኣብ ሓደገ ከም ዘውድቘ ወይ'ውን ክገላብጦ ከም ዝኽእል ክፍለጥ የድሊ።

ሳንሱርን ነቐፌታን ማሕበራዊ መዲያ

ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቶም ተዛረብቲ ሩስያ ዝዀኑ ዩክሬናውያን ሓራ የውጽኦም ኣሎ።

ኣብ ቻይና ኸ፣ እቶም ሞንጐሊያውያን፡ ኮርያውያን፡ ኪርጊስን ካልኦትን ኣካል ቻይና ኰይኖም ዘለው ዓሌታት እንታይ ክዀኑ እዮም? እዚ ጕዳይ ኣመና ተኣፋፊ እዩ። ቲበታውያን፡ ኡይጉራውያ ንርእሰ ምምሕዳር ወይ ንምሉእ ናጻነት ዝብል ሕቶኦም ደጊሞም እንተልዒሎሞ፡ እዛ ሕጂ ዘላ ቻይና እንታይ እያ ክትከውን?

እዚ እናዀነ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ቻይና ዝዝርጋሕ ዘሎ ርእይቶታት ብምዕዛብ፣ ብኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝጽለዋ መድያታት፡ ከመይ ኣቢለን ነቲ ህዝቢ ናብቲ ፑቲን ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ክደፍእኦ ይሰርሓ ኣለዋ ክርአ ይከኣል።

ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዋ 'በይጂን ደይሊ' ነቲ፡ "ዓለም ኣብ ዩክሬን ዘሎ መንግስቲ "ሓዲሽ ናዚ' ክትድግፍ የብላን፡" እናበለ ዝጽውዕ መግለጺ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ቻይና፡ ከም ዘለዎ ኣብ ገጻታ ኣስፊራቶ'ላ።

ብዛዕባ ሩስያን ዩክሬንን ኣብ ማሕበራዊ መድያ ዝዝርጋሕ ዘሎ ርእይቶታት'ውን፡ ኣብ ቻይና ጥቡቕ ምክትታል ይካየደሉ'ሎ።

ገለ ካብቲ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፋት፡

"ፑቲን ዘድነቕ እዩ"

"ኣነ ንሩስያ እድግፍ፣ ንኣመሪካ እቃወም፣ እዚ ጥራይ እዩ እቲ ክብሎ ዝደሊ።"

"ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ሕንፍሽፍሽ ጥራይ እያ ክትፈጥር ትደሊ!"

እንተዀነ፡ ኣብ ቻይና ርኡይ ዝዀነ ጥንቃቐታት ይግበር ኣሎ። ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዩክሬን፡ "ሓያልነት ቻይና ንምርኣይ፡" ብዝብል ዜጋታት ቻይና ባንዴራ ሃገሮም ኣብ መካይኖም ከንበልብሉን፣ ንሓድሕዶም ክደጋገፉን ኢሉ ፈለማ ኣሕሊፍዎ ዝነበረ ኣዋጅ ድሒሩ ስሒብዎ'ሎ።

ሒደት መዓልታት ድሕሪ ምጅማር 'ቲ ኲናት፡ 'መንነትካ ብቐሊሉ ኣይትቕላዕ፣ ወይ'ውን ምልክት [ቻይናውነት] ዘርእዩ ነገራት ኣወግድ!" ናብ ዝብል መምርሒ ቀይርዎ።

እዚ ለውጢ፡ መራኸቢ ብዙሃን ሰልፊ ቻይና፡ ፑቲን ኣንጻር ዩክሬን የካይዶ ንዘሎ ወፍሪ ይድግፋ ምህላወን ዘቃልዕ ዜናታት ኣብ ዩክሬን ክስማዕ ብምጅማሩ፣ ብሰንኩ ኣብ ዩክሬን ዘለው ቻይናውያን ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋታት ንምውጋድ ምዃኑ ይግመት።

እንተዀነ፡ ሓያለ ቻይናውያን ነቐፍቲ ድምጾም ከስምዑ ክኢሎም ኣለው። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ 5 ፍሉጣት ምሁራት ቻይና፡ ንወራር ሩስያ ዝዅንን ቅሉዕ ደብዳበ ዘርጊሖም።

"እዚ ወራር እዩ፣ ከምቲ 'ንድቢ ፈረስ ኣይትብሎን ኢኻ፡' ዝብል ምስላ ቻይና፡ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን" ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ዡ ጐቂ። እንተዀነ እቲ ቅሉዕ ደብዳበ ምሁራት ቻይና'ውን፡ ንገለ ሰዓታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብክፍሊ ሳንሱር ኢንተርነት ከም ዝወርድ ተገይሩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ብኽፍሊ ሳንሱር ዝእለ ዘሎ ነቐፌታዊ ጽሑፋት ብኣንጻሩ ንኣመሪካ ዝዅንን'ውን ብልክዕ ክንደይ ዝኣክልን ምዃኑ ክሳዕ ዘይተፈልጠ፡ ማዕረ ክንደይ ካብቲ ህዝቢ እዩ ንሰላም ዝጽውዕ ዘሎ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓደ ተጠቓሚ ማሕበራዊ መድያ፡ "ሰባት ስለምንታይ እዮም ንሩስያ ይዅን ንፑቲን ዝድግፉ ዘለው? ኣነ ኣይርድኣንን ዘሎ። ወራር ፍትሒ ድዩ ዝሕሰብ ዘሎ? ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኲናት ክዅነን ጥራይ እዩ ዝግባእ፡" ክብል ጽሒፉ።

ኣብ ርእሲኡ፡ "ፑቲን ነተን ናጽነት ዝኣወጃ ግዝኣታት ዩክሬን ኣፍልጦ ሂቡ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ጕዳይ ካልእ ሃገር ኢድካ ምእታው ምዃኑ ግሁድ እዩ።" ኣብዚ ድማ ከምኡ ኣሎ።

እዚ ነቲ መንግስቲ ቻይና ዝሓልፎ ዘሎ ብድሆታት ዘርኢ እዩ።

ኣፈኛ ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዩክሬን ዝኸውን ዘሎ ኵነታት ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ እዚ ጕዳይ ብ"ታሪኻዊ መቓኑ እንክርአ ኣመና ዝተሓላለኸ እዩ፡" ጠንቂ'ዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ኵነታት ድማ፡ "ብዅሎም ምኽንያታት ዝተደረኸ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ኤውሮጳ ዓበይቲ ምልዕዓላት ይስማዑ ኣለው።

ዢ ጀንፒን፡ ሃገሩ ነዚ ከመይ ከም እትሕዞ ዝውስኑ ዓበይቲ ኣማራጺታት ኣብ ቅድመኡ ኣለው።