እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን ንኽትውረር ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ሩስያ መን እዩ?
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝገበሮ ወራር ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ወራር ካብቲ ብ2014 ኣብ ክረሚያ ዝገበሮ ጎበጣ እቲ ዝዓበየ'ኳ እንተኾነ ፑቲን ዳግም ጽልዋ ሩስያ ንምስፋሕ ከም ሕጂ ቖሪጹ ኣይተላዕለን።
ፑቲን ድሕሪ እቲ ብ1953 ዝሞተ ውልቀ-መላኺ ሕብረት ሶቭየት ነበር ጆሴፍ ስታሊን ካብ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ክርምሊን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ምኒስተርን ሩስያ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ እዩ።
እቲ ብ2020 ዝተኻየደ ኣካታዒ መስርሕ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ፡ ኣብ 2024 ዝዛዘም ራብዓይ ዘመን ስልጣን ፑቲን ክሳብ 2036 ኣብ ክረምሊን ንኽጸንሕ ዕድል ሂቡዎ ኣሎ።
ግን እዚ ሕጂ ርእሰ ዜና ዓለም ኮይኑ ዘሎ መራሒ ብኸመይ እዩ ናብዚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ?
ኣብዚ ዝቕጽል ጽሑፍ ንፖለቲካውን ውልቃውን ህይወት ፑቲን ክንርኢ ኢና።
ናይ ቀደም ሰላይ
ሃየስቲ ናብቲ ንመንነት ፑቲን ዝቐረጸ ፖለቲካ ዘመነ ሕብረት ሶቭየት እዮም ዝምለሱ። ፑቲን ሕብረት ሶቭየት ቅድሚ ምውዳቓ፡ ኣባል'ቲ ሓያል ትካል ስለያ ከይ.ጂ.ቢ. ኮይኑ ኣብ ትካል ጸጥታ እታ ሃገር ከም ሰላዪ ይሰርሕ ነይሩ። መብዛሕትኦም ቀረባ ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ምስቲ ምስጢራዊ ትካልን ስራሕን ርክባት ዘለዎምን ዝነበሮምን እዮም።
ፖለቲካዊ ተሳትፎ ፑቲን ኣብ መጀመርታ 1990ታት እዩ ዝጅምር። ሽዑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕጊ ምስ ዝመሃሮ ከንቲባ ሰይንት ፒተርስበርግ ነበር ኣናቶሊ ሶብቻክ ከም ላዕለዋይ ተሓጋጋዚኡ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ብ1997 ኣብ ክረምሊን ሓለቓ ኣገልግሎት ፌደራላዊ ጸጥታ (ኤፍ.ኤስ.ቢ. ቀንዲ ተተካኢ ከይ.ጂ.ቢ.) ኰይኑ ድሕሪ ምእታዉ ከኣ ነዊሕ ከይጸንሐ ቀዳማይ ምኒስተር ንክኸውን ተረቚሑ።
ኣብ ሓድሽ ዓመት 1999፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቦሪስ የልሲን ስልጣኑ ክሓድግ እንከሎ ከም ምኽትል ፕረዚደንት መዚዙዎ።
ፑቲን፡ ዋላ'ኳ ካብ 2008 ክሳዕ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብሕገ-መንግስቲ ሩስያ ንሳልሳይ ተኸታታሊ እዋን ከገልግል ዘይክእል እንተነበረ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግን ከሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን እዩ ዘሎ።
ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ብክሲ ምጭብርባር ድምጺ ዝጥቀስ ምርጫ ፑቲን ልዕሊ 66% ድምጺ ሒዙ ናብ ስልጣን ተመሊሱ፡ ነቲ ተኣጊዱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሰልፊ ሶቭየትን ምስሊ ስታሊንን ከም ብሓድሽ ከም ዝምለስ ገይሩ።
ነቲ ሩስያ ዝሰርሓቶ ክታበት ኮቪድ ከይተረፈ፡ ብስም ናይታ ኣብ 1957 ሕብረት ሶቬት ዝሰርሓታ "ስፖትኒክ" እተሰምየት ሳተላይት ሰይምዎ።
ፑቲን ንፍጻመ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ 1990፡ "ኣብ [መበል 20] ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ ዝዓበየ ጂኦፖለቲካዊ ዕንወት" ክብል ብምግላጽ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ካብ 1997 ኣትሒዙ ኽሳብ ዶባት ሩስያ ብምጽግዑ ብተደጋጋሚ ክነቕፎ ጸኒሑ።
ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝግበር ኣሰካፊ ርክብ
ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝነበረ ወጥሪ፡ ከምኡ እውን ሞስኮ ንፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ብምድጋፍ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ዝገበረቶ ምትእትታው፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲን ዝነበሮም ጥርጣረ ኣሐይሉዎ። ርክቦም ከኣ ከም ናይ ዝሑል ኲናት ዝሑል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንሩስያዊ መዘናኡ ፑቲን ብኣድናቖት ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ ንዕኡ ዝትከኦ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን ንፑቲን "ቀታሊ" ክብል እዩ ዝገልጾ።
ፑቲን፡ ኣብ 2000 ነፋሪት ኲናት ሒዙ ንቸቺንያ በሪሩ። ብ 2011 ከኣ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ ኣብ እተገብረ ፈስቲቫል ብሸክለታ ማቾ ንእተባህለት ከልቡ ሓቚፉ ተራእዩ።
ፑቲን፡ ኣኽላባት ብምሕቋፍን ነቶም ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከቡ ኣናብር ኣሙር ብምክንኻን ኣብ ሚድያ ሩስያ ኣወንታዊ ምስሊ ረኺቡ ንምርጫ እውን ተጠቒሙሉ።
ኣብ ለካቲት 2021 ኣብ ሩስያ ዝርከብ ማእከል መጽናዕቲ ከም ዝሓበሮ፡ 48% ሩስያውያን፡ ፑቲን ካብ 2024 ንደሓር እውን ፕረዚደንት ኰይኑ ክቕጽል ድላይ ከምዘለዎም የርኢ።
እቲ ኣሃዝ ንብዙሓት ሰባት እዩ ዘጠራጥሮም፣ ፑቲን ከኣ ከም ሓያል መወዳድርቲ እዮም ዝርእይዎ።
ድሕሪ እቲ ብ1990 ዘጋጠመ ውድቀት ሕብረት ሶቬት፡ ፑቲን ተዛማዲ ቍጠባዊ ርግኣት ንምፍጣርን ሃገራዊ ሓበን ንምምላስን ተቓሊሱ እዩ። ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ቍጠባ ሩስያ ተበራቢሩ መነባበሮ ሰባት ናብ ማእከላይ ደረጃ'ኳ እንተ ተሰጋገረ ኣብ ገጠራት ግን ገና ድኽነት ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ
እቶም ዓበይቲ ሩስያውያን ንፑቲን ይፈትዉዎ እዮም። እቶም ኣብ ዘበኑ ዝዓበዩ መንእሰያት ጽምኣት ለውጢ ዘለዎም ይመስሉ ።
ኣብ ጥሪ 2021 ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሩስያውያን መንእሰያት፡ ነቲ ካብ በርሊን ምስ ተመልሰ ብኡ ንብኡ እተኣስረ ቀንዲ ተቓዋሚ ፑቲን ዝነበረ ኣለክሲ ናቫልኒ ብምድጋፍ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ሰልፊ ወጺኦም።
ናቫልኒ፡ ነቲ ኣብ ሩስያ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውና ብምቅላዕ፡ ንፑቲንን ሰልፉን፡ "ምትእኸኻብ ሰረቕቲ" ክብል ይገልጾ።
እቲ ሽዑ ዝተራእየ ተቓውሞታት ካብቲ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝረኣየቶ ሰልፍታት ተቓውሞ እቲ ዝዓበየ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ፖሊስ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዳጒኖም።
ፑቲን፡ ብሰንኪ'ቲ ብምጥፍፋእ ሃብቲ ከሲሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎኖ ጥዕና ስኢኑ ዘሎ ናቫልኒ፡ ብምዕራባውያን ብኸቢድ ተነቒፉ።
ናቫልኒ፡ ኣብ ነሓሰ 2021 ካብ መጥቃዕቲ ነርቭ ንስክላ እዩ ድሒኑ። ምዕራባውያን ከኣ በቲ ተግባር ንፑቲንን ኣገልግሎት ፌደራላዊ ድሕነት (ኤፍ.ሲ.ቢ.) ብትሪ ወቒሰንኦ።
እቲ ኖቪቾክ ዝበሃል ሓደገኛ ቀመማዊ መርዚ ሩስያ፡ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ዝነበረ ሩስያዊ ሰርጌ ስኪፕራልን ዩልያ ጓሉንን ኣብ ምምራዝ ውዒሉ እዩ።
ፑቲን ግን ምስ ምስማም ናይቶም ውሩያት ፖለቲካውያን ተጻረርቱ ምንም ርክብ ከም ዘይብሉ እዩ ዝኽሕድ።
ኣሸጋሪ እዋንቁልዕነት
ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ለኒነግራድ - ሕጂ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓባራዊን መንበሪ ኣባይቲ እዩ ዓብዩ። ኣብ ንእስነቱ ከኣ ምስቶም ካብኡ ዝዓብዩን ሓያላትን ኣወዳት ይበኣስ ስለዝነበረ ጂዶ ንክመሃር ከምዝተደረኸ ይዝረብ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ክረምሊን፡ ፑቲን "ትምህርቱ ከይዛዘመ" ከሎ ኣብ ክፍሊ ጸጥታ ሕብረት ሶቭየት ክሰርሕ ድላይ ነይሩዎ።
ኣብ ጥቅምቲ 2015 ከኣ ፑቲን፡ "ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት፡ ጎደናታት ለኒነግራድ ሓደ ሕጊ ምሂሩኒ ነይሩ። ንሱ ከኣ ባእሲ ዘይተርፍ እንተ ኰይኑ ቀዳመይቲ ጉስጢ ንምውርዋር ክትቅደም የብልካን፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣንጻር ተቓወምቲ ቸችንያውያን ክዋጋእ እንከሎ እውን፡ ጭውነት ብዝጎደሎ ኣበሃህላ፡ "ኣብ ሽቓቕ ከይተረፈ ኣትየ ክድምስሶም እየ፡" ዝብል ተሪር ቋንቋ ብምጥቃሙ ይውቀስ።
ኣብ ሪፓብሊክ ሰሜን ካውካሱስ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና፡ ብ1999 ክሳዕ 2000 ብእተጓሃሃረ ከቢድ ኲናት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም።
ኣብ 2008 ሓይልታት ሰራዊት ፑቲን ኣብ ጆርጅያ ኣትዮም ንክልተ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብካዚያን ደቡብ ኦሰሽያን ተቘጻጺሮም ።
እቲ ውግእ፡ ምስቲ ሽዑ ምስ ኔቶ ዝነበረ ፕረዚደንት ሚኪኤል ሳካሽቪሊ ኮይኑ፡ ፑቲን ነቶም ቀደም ኣብ ግዝኣት ሶቭየት ዝነበሩ ድሕሪ ውድቀት እቲ ሕብረት ምስ ምዕራባውያን መራሕቲ ንዝመሓዘዉ መራሕቲ ንምድኻም ድሉው ምዃኑ ዘርኢ ስጕምቲ ከምዝነበረ እዩ ዝውሰድ።
ዓርኪ ቢልዮነራት
ፑቲን ኣዝዮም ሃብታማት ኣዕሩኽ ኣለውዎ። ንሱ ንባዕሉ እውን ብዙሕ ሃብቲ ከም ዘለዎ እዩ ዝእመን። ንስድራ ቤቱን ቍጠባዊ ትሕዝቶኡን ከኣ ካብ ህዝቢ ይኽውሎም እዩ።
ኣብ 2016፡ ጸብጻብ ፓናማ፡ ፑቲን ብመገዲ ክኢላ ሙዚቃ፡ ዝኾነ ናይ ቀረባ ዓርኩ ሰርጂ ሮልጅን ምስ ኩባንያታት ወጻኢ ርክብ ከምዘለዎ ኣቃሊዑ ነይሩ።
ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመት መርዓ፡ ብ2013 ምስ ፑቲን ዝተፋትሐት ብዓልቲ ቤቱ ነበር፡ "ሉድሚላ" ከኣ "ውፉይ ሰራሕተኛ እዩ" ክትብል ገሊጻቶ ነይራ።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ጓል ፕረዚደንት ፑቲን፡ ካተሪና ፑቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞስኮ ዝለዓለ ስራሕ ምምሕዳር ከምእትሰርሕን ኣብ ናይ ኣክሮባቲክ ሮል ውድድራት ከምእትሳተፍን ጸብጺቡ ነይሩ።
እታ በዅሪ ጓሉ ማሪያ ከኣ ኣብ ስነ-ፍልጠት ኢንዶክኖሮሎጂ ኣዝያ ፍልይቲ ኣካዳምያዊት ምዃና ትጥቀስ።
ሊበራል ተደፊኦም ወጺኦም
ሓርበኛነት ፕረዚደንት ፑቲን ዝብል ሕላገት ንማዕከናት ዜና ሩስያ ዓብሊልዎ ይርከብ። እቲ ጸብጻባት ሚድያ ናብ ፑቲን ስለዘዳሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ተቓውሞ ንምልካዕ ኣሸጋሪ እዩ።
ፑቲን ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ መጀመርታ ክልተ እብረ፡ ካብቲ ቀንዲ ሰደድ ሩስያ ዝኾን ነዳዲን ጋዝን ጥዑይ ኣታዊ ይረክብ ስለዝነበረ፣ ብዘይካ፡ "ደሞክራሲ" መነባብሮ መብዛሕትኦም ሩስያውያን ተመሓይሹ ነይሩ።
ነቲ ኣብ 2008 ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ፊናንሳዊ ቅልውላው፡ ቁጠባን ምንቁልቋል ዋጋ ነዳድን እኳ እንተተቓለሶ፡ ሩስያ ብብዙሓት ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ቢልዮናት ዶላራት ከሲራ እያ።
ግዝኣት ፑቲን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን እተተባብዖ ንዓቃባዊ ሃገራውነት ሩስያ ዘንጸባርቕ እዩ።
ፑቲን፡ ፕረሲደንት ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንብዙሓት ፖለቲከኛታት ከግልልን ሐራይ ብዝብሉ ደገፍቱ ወይ ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ሰባት ክትክኦምን ተራእዩ።
ንኣብነት፡ ንከም በዓል ቦሪስ በረዞቭስኪን ቭላድሚር ጉሲንስኪን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ሃብታማት ንፕረዚደንት የልሲን ቀረባ ዝነበሩ ሰባት ንስደት ከምዝሃድሙ ገይሩዎም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ኣህጉራዊ ሻቕሎት እናዓበየ መጺኡ። ብፍላይ እቲ ሓደ እዋን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝሃብተሙ ቢልዮነራት፡ ከምኡ'ውን ካብቶም ጕጅለ ፓንክ ዝበሃሉ ኣንጻር ፑቲን ዝነጥፉ ዝነበሩ ከም ሚኻኤል ኮዶርኮቪስኪ ምስ ተኣስረ ህዝባዊ ተቓውሞ ንሂሩ ነይሩ።
ሕጂ ሩስያ ንዩክረይንን ምስ ወረረትን፡ ፑቲን፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ክኣቱ እንተፈቲኑ ሞስኮ እትህቦ ምላሽ "ቕጽበታዊ" እዩ እናበለ የጠንቅቕ ብምህላው፡ ዓለም፡ ፕረዚደንት ሩስያ ነቲ ቀጺሉ ዝገብሮ ነገራት ክትርኢ ተቋምት ኣላ።