ትምህርትን ውላድን ኣሳንያ ናብ በሪኽ ዝበጽሐት ዶክተር ዮዲት

ምንጪ ስእሊ, Yodit
ናይ ሳይንስ ሰባት፡ ኬሚስትሪ ብዛዕባ ህይወት ደቂ ሰባት ዝምህር፣ ንህይወት ዝቕይር፣ ዘምዕር ዘመቅር፣ ዘሕርር ዘቐምርር ዓውደ ፍልጠት እዩ ይብሉ።
ኬሚስትሪ፡ ኣብ መግብና፣ ኣብ እነተፍንፈሶ ኣየር፣ ንመጻረይ ኣብ እንጥቀመሉ ኬሚካላት፡ ኣብ ስምዒታትና - ጓሂና፣ ሓጎስና፣ ደስታና ሕርቃንና፡ ኮታ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ኣብ እንርእዮን እንትንክፎ ነገራት ንረኽቦ ዓውዲ እዩ።
ኣካላትና ንባዕሉ ብኬሚካላዊ ውህደት ዝቘመ እዩ። መብዛሕትኡ ክፋል ኣካላትና ብሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ዝቖመ ማያዊ ክፋል ምዃኑ ምፍላጥ ንባዕሉ እኹል እዩ።
ኩሉ ስምዒታትና፣ ፍቕሪ፣ ቅንኢ፣ ሕርቃን፣ ምቀኝነትነን ፍትወትን ኩሉ ካብ ኣካላትና ብዝምንጩ ኬሚካል እዩ ዝምእዘን። እዚ ከኣ ውጽኢት ኬሚስትሪ እዩ።
ንኣብነት ኣሲድን ቤዝን ተበላሊዖም ማይን ጨውን ይፈጥሩ። ማይ ከኣ ካብቶም ብህይወት ክንነብር ዘይትካእ ግደ ዘለዎ ባእታ'ዩ።
ማይ እንተዘየሎ ህይወት የሎን። 71 ሚኢታዊት ፕላኔትና ብማይ ዝተሸፈነ ኮይኑ፡ 60 ሚኢታዊት ሰብነት ወዲ ሰብ'ውን ማይ እዩ።
ካልእ፡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ንምፍዋስ ዝፈርዩ መድሃኒታት ኩሎም ብኬሚስትሪ እዮም ዝምስርሑን ዝቀናበሩን። ስለዚ ከኣ እዮም ሳይንስ ዘጽንዑ ሰባት ኬሚስትሪ መሰረት ህይወትና'ዩ ዝብሉ።
ዶክተር ዮዲት ዘካርያስ ሓንቲ ካብኣቶም'ያ። ንዓውደ ኬሚስትሪ ልዑል ፍቕሪ ስለዘለዋ ኣብ ኮሌጅን ዩኒቨርሲቲን ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት አሕሊፋ።
"ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኬሚስትሪ ነጥበይ ልዑል እዩ ነይሩ። ነቲ ትምህርቲ ስለዝፈትዎ ከኣ ብፍቕሪ ይስዕቦን የንብቦን ነይረ" ትብል።
ዮዲት፡ ኣብ ኣስመራ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ኣቡኣ ኣቶ ዘካርያስ ተስፋማርያም ትምህርቲ ስለዝፈትዉ ብፍሉይ ይከናኸኑዋ ነይሮም።
"ኣቦይ ኣይተምሃረን ከረድኣና'ውን ኣይክእልን'ዩ። ግን ኩላትና ከነጽንዕ እንከለና ሻሂ የፍልሓልናን የተባብዓናን ስለዝነበረ ኩሉ ግዜ ከመይ ገይረ ክሕግዞ ይኽእል ኢለ ይሓስብ ነይረ" ትብል፡ በቲ ኒሕን መንፈስን ከኣ ዓብያ።
እቶም ብቐረባ ዝፈልጡዋ ሰባት ድማ ጉዕዞ ትምህርቲ ከምዘደንቖም ይዛረቡ። እቲ ዝርዝር ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ታሽዓይ ክፍሊ ምስ በጽሐት ኣብ ኣስመራ ናብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ኣትያ ንሰለስተ ዓመት ንድፊ [ድራፍቲንግ] ተማሂራ።
ድሕሪኡ ማትሪክ ተፈቲና ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ምስ ረኸበት፡ ኬሚስትሪ ክትመሃር መሪጻ ኣትያ፤ ንኣርባዕተ ዓመታት'ውን ትምህርታ ተኸታቲላ።
እንተኾነ ቤተ ዘመድ ሓጎሱን ሰናይ ተምኒቱን ዝገልጸሉ ውህብቶ ከዳሉን፣ ስድራ'ውን ጓልና ክትመረቕ ቀሪባትልና ኢሎም ብሃረርታ እናተጸበዩ ንክትምረቕ መንፍቕ ምስ ተረፋ ብዓውደ ሕክምና ትምህርቲ ክትቅጽል ወሲና።

ምንጪ ስእሊ, Yodit
ኣብ ለካቲት 2004 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ኤርትራ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ክኽፈት እንከሎ ከኣ ዶክተር ዮዲት፡ ኣብቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝወስድ ናይ ሕክምና ትምህርቲ ተመዝጊባ - ትምህርታ ጀሚራ።
ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 32 ተመሃሮ'ዮም ነቲ ትምህርቲ ጀሚሮሞ፤ ዮዲት ድማ ሓንቲ ካብኦም ነይራ።
ስለዚ እየን ከኣ መሓዙታን ፈተውታን፡ 'ናይ ዮዲትስ ይገርም'ዩ' እናበሉ ነቶም ኣብ ትምህርቲ ዘሕለፈቶም ዓመታት ብኣድናቖት ዝገልጹዎ።
"ብፍላይ ካብ ኬሚስትሪ ናብ ሕክምና ክንኣቱ ከለና መሓዙትና ዝነበሩ እውን ሰንቢዶም እዮም። ክንምረቕ መንፈቕ ተሪፋትና ስለ ዝነበረት 'እንታይ እየን ዝገብራ ዘለዋ?' ኢና ተባሂልና። ብሕጂ ሽዱሸተ ዓመት ክመሃራ እየን፤ መዓስ እየን ክምረቓ? መዓስ እየን ክምርዓዋን ክወልዳን? እናበሉ ኣብ ቅድሜና ይዛረቡና ነይሮም [ሰሓቕ] . . . ሓደ ካብኦም ሕጂ በዓል ቤተይ ዘሎ'ዩ" ክትብል ንተዘክሮኣ ትገልጾ።
እወ፤ ሽዑ ብዙሓት ንሳን መሓዙታን እንታይ'የን ክኾና ኢሎም ብጣዕሚ ይግረሙ እኳ እንተነበሩ ንውሳነ ዮዲት ዝቕይሩ ግን ኣይነበሩን።
ሓደ፡ ሕክምና ሕጂ'ውን ናይ ኬሚስትሪ ትሕዝቶ ዘለዎ ስለ ዝኾነ'ዩ። ካልእ ከኣ ነዚ ዝደረኻ ዓብዪ ምኽንያት ግን ነይሩ።
"ኣብ ሃገርና፡ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሓድሽ እዩ ነይሩ፤ ነዚ ዕድል ተጠቒምና ስለ ምንታይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕጽረት ናይ ሓካይም ዘይንመልእ ኢልና ሓሲብና። ሕሙማት ክትሕክም፣ ዝተሸገሩ ክትረድእ እንከለኻ ድማ ጽቡቕ ስምዒት'ዩ ዝፈጥረልካ" ትብል።
ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ትምህርትን ስልጠናን፡ ብ2009 ቀዳማይ ዲግሪ ሒዛ፤ ንክልተ ዓመት ከም ሓፈሻዊ ሓኪም ድሕሪ ምስራሕ ድማ፡ ብፍሉይ ስልጠና ሓኪም ህጻናት ብምውሳድ ኣብ 2015 ካልኣይ ዲግሪ ወዲኣ።
"ቀዳሞት ተመሃሮ ስለ ዝኾንና ብዙሕ ግድላት ነይሩዎ። ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ዝሓትት፡ ቁሩብ ፈታኒ ነይሩ፤ ግን ኩላትና ከም ሓንቲ ስድራ ኮይንና ዛዚምናዮ" ብምባል፡ ብኣዝዩ ሃብታም ናይ ክትትልን ስልጠናን ግዜ ከም ዝሓለፈት ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Yodit
'በዓል ቤተይ ሕክምና ኣይፈቱን'
ዶክተር ዮዲት፡ ኣብ ትምህርቲ ነዊሕ ዓመታት ክተሕልፍ እንከላ፡ ንገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ብሓንሳብ ከከናውነኦ ይኸብደን'ዩ ዝብሃል ነገራት'ውን በዲሃ ዝወጽአት መርኣያ ደቂ ኣንስትዮ'ያ።
በዓል ቤታ ዓወት ኣፈወርቂ፡ ሓደ ካብቶም ዮዲትን መሓዙታን ክውደአኦ ቀሪበን ዝነበራ ናይ ኬሚስትሪ ትምህርቲ ኣቋሪጸን ናብ ሕክምና ክኣትዋ ከለዋ፡ 'ኣንታ እዚኣተንስ መዓስ'የን ክምርዓዋ?' ኢሎም ዝተቛየቖን'ዩ።
ደሓር ግን፡ ዮዲት ናይ ሕክምና ትምህርታ ወዲኣ ቅድሚ ምምራቓ ኣብ ኦሮታ ኣገልግሎት ትህበሉ ኣብ ዝነበረት ዓመት [2008] ተመርዕዮም።
ዮዲት ብሕክምና ኣብ ከረን ስራሕ ጀሚራ፤ ናብ ኣስመራ ተመሊሳ፤ ትምህርቲ ኣየቋረጸትን ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርታ'ውን ቐጺላ።
ኣብ ሞንጎ ቖልዑ ምምጽኦም ኣይተረፈን። እናሰርሐት፣ እናተማህረት - ህይወት ቐጺሉ። ኣብዚ ግዜ፡ ልዕሊ ኹሉ ትኹረታ ኣብ ስርሓ ከም ዝኾነ ዝርኣየ በዓል ቤታ እቶም ቖልዑ ጡብ ኣብ ዝጠብውሉ ግዜ ናብቲ እትሰርሓሉ ቦታ ሒዙዎም ብምኻድ ጸባ ጡብ ኣዲኦም ክረኽቡ ብምግባር፣ ንዓኣ ናብ ትምህርቲ ሰዲዱ ቖልዑ ብምንባይ ዓብዪ ሓገዝ ከም ዝገበረላ ትዛረብ።
"እናተመሃርኩ ኣብ ሞንጎ ምስ ሓረስኩ [ካልአይቲ ቖልዓ] ቆልዓ እናሓዝኩ እየ ተማሂረ፤ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ትገብር ሒዘያ መጺአ ኣብቲ ዘለኹዎ ዎርድ ትኸውን። መኪና ስለ ዝነበረትና ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ሆስፒታል ኣብ መኪና እያ ትውዕል፤ ከይደ የጥቡዋ ናብ ስርሐይ ይምለስ . . . ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ገበረት ግን ክልቲኦም ብሓንሳብ ክውዕሉ ጀሚሮም" ትብል።
ዶክተር ዮዲት ሕጂ ኣደ ሰለስተ ቖልዑት'ያ። እቲ ካብ በዓል ቤታ፣ ኣሕዋታን ካልኦት ኣባላት ስድርኣ ትረኽቦ ዝነበረት ማሕበራዊ ሓገዝ ልዑል ብምንባሩ ኣብቲ ሕጂ ዘላቶ ደረጃ ክትበጽሕ ናይ ባዕሉ ተራ ከም ዝነበሮ'ያ ትዛረብ።
"ንዝኾነ ነገር ናይ ባዕልኻ ተበግሶ ወሳኒ'ዩ፤ ግን ከኣ ኣብ ሓዳር ናይ በዓል ቤትካ ሓገዝን ምትብባዕን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። በዓል ቤተይ፡ ንዓይ ናብ ትምህርተይ ንደቅና ከኣ ናብ መውዓሊ ህጻናት ኣብጺሑ መኪና ኣብ ሆስፒታል ገዲፉዋ ብሽክሌታ ገይሩ እዩ ናብ ስርሑ ዝኸይድ ኔሩ። ምስ ተፈደሰ ከኣ ቀዲሙኒ ናብ ሆስፒታል ብምምጻእ፡ ንደቅና ካብ መውዓሊኦም ኣውጺኡ ክሳብ ኣነ ዝፍደስ ኣብ መኪና ኮፍ ኢሉ ይጽበይኒ፣ ንሓንሳብ ንክልተ ሰዓት ይጽበየኒ እሞ ይሓርቕ ነይሩ" ትብል።
ናይ ሕክምና ሞያ፡ ቀዳምነት ንህዝበይ ብዝብል ቃለ መሓላ ስለ ዝኣስረካ ናተይ ህይወት ይዓቢ እትብለሉ ዕድል ኣይህበካን። ሓካይም ከኣ፡ ቀልጢፎም ምስቲ ተሓካሚኦምን ስድራ ሕሙምን ዳርጋ ቤተሰባዊ ዝምድና ናይ ምፍጣር ዝንባለ ኣለዎም።
ስንእንእ ኢሉ ዝመጽአ ዓቢ ይኹን ንኡስ ሕሙም ሓኪሞምዎ ጥዕንኡ ተመሊሱ እንክርእዩዎ ብጣዕሚ እዮም ዝሕጎሱ ፤ ከም ዕድል ብሞት ክፍለዮም እንከሎ ከኣ ማዕረ ስድራ ቤት ይሓዝኑ።
መዓልታዊ ስምዒታትካ "ንገዛ ሒዝካዮ ኢኻ ትኸይድ። በዓል ቤተይ ሕክምና ኣይፈቱን፤ ግን እቲ ኣነ ኣብ ሕክምና ዘለኒ ፍቕሪ ስለ ዝርእዮ ግን ተቐቢሉዎ፤ ዋላ ሕጂ'ውን ከምኡ'ዩ። ክምሃር እየ እንተይለዮ ይሕግዘኒ'ዩ" ትብል ዶክተር ዮዲት።

ምንጪ ስእሊ, Yodit
ሆስፒታል ኣብ ካምፓላ
ዶክተር ዮዲት፡ ክኢላ ሕክምና ህጻናት እያ፤ ህጻናት ምናልባት እንተሓሚሞም ሓሚመ፣ እንተጥዕዮም ድማ ሓውየ ኢሎም ከይሓብኡ ስለ ዝዛረቡ፡ ህጻናት 'መላእኽቲ'ዮም' ክትብል ትገልጾም።
"ቆልዓ ጥዕና ጎዲሉዎ ከምዚ ኮይነ ስለ ዘይብለካ፡ በቲ ምልክታቱ ጥራይ ተረዲእኻ ክትሕክሞ እንከለኻ . . . ካብኡ ዝዓቢ ናይ ሕሊና ዕረፍቲ የለን። ሓንቲ አም/ገረብ ንክትዓቢ፡ ማይ ትደሊ፣ ምኹስኳስ ትደሊ፤ ህጻናት ክኣ ከምኡ'ዮም" ትብል።
ሕጂ ስርሓን ናብርኣን ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ እዩ።
ካብ 2016 ጀሚሩ ኬዝ ኣብ ዝበሃል ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ። እቲ ሆስፒታል ንስነ ምግባር ስርሓን ጻዕራን ረቚሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2021 'ብልጽቲ ሰራሕተኛ ናይዚ ወርሒ' ክብል ሸሊሙዋ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ድማ ምስ ካልኦት ክልተ ናይ ሞያ መሓዙታ ብምዃን ኣብ ካምፓላ "ዙም" ዝተሰምየ ማእከል ጥዕና ኸፊታ ኣላ።
"ብቐንዱ ኣብ ዩጋንዳ ንዝርከብ ህዝብና ብቋንቁኡ፣ ከም ድላዩ ዝስምዖ ዝገልጸሉ፣ ዝኣምነሉ ቦታ ንክፍጠርን ዘሎ ሕጽረትን ንከነማልእ ኢና ተበጊስና። እቲ ሞያ ንኹሉ ሕሙም ክትሕክመሉ ኢልካ ትመሃሮ'ኳ እንተኾነ ሽግርን ጸገምን ህዝብኻ ተረዲእኻ ፈሊጥካ ክትሕግዞም ምፍታን ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ዝህብ'ዩ" ኢላ።
እዚ ሓድሽ ማእከል ጥዕና፡ ክንክን ሕርስን ጥንስን፣ መጥባሕትን ክፍሊ ህጻናትን፣ ሕክምና ስኒን ፊዚዮቴራፒ ዝወሃቦ ምዃኑ ዶክተር ዮዲት ትገልጽ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቐደም ኣብ ኣስመራ፡ ትምህርቲ ብምቅይያር እትፍለጥ ዮዲት ብሕጂኸ ካብቲ ዘላቶ ወጺኣ ከተጽንዖ እትደልዮ ነገር ኣሎ'ዶ? ክብል ነይሩኒ።
"ናይ ምቅይያር መደበይ ወዲአ'የ፤ 'ሳብ ስፔሻሊቲ' ክገብር ግን መደብ ኣለኒ። ካብ ናጽላ ክሳብ ሓደ ወርሒ ናይ ዘለው ዕሸላት ጥራይ ክኢላ ክኸውን መደብ ኣለኒ" ክትብል ተፋንያትኒ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







