ብደሙ ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዕሸላት ዘድሓነ ኣውስትራልያዊ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Australian Red Cross Lifeblood
ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ ለጋሲ ደም ዝዀነ - ፕላዝማኡ ህይወት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዕሸላት ዘድሓነ - ኣውስትራልያዊ ዓሪፉ።
ጀምስ ሃሪሰን ብ17 ለካቲት 2025፡ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኣረጋውያን ኣብ ድቃሱ እንከሎ ኣብ መበል 88 ዓመቱ ከም ዝሞቱ ኣባላት ስድራኡ ሎሚ ሰኑይ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ኣውስትራልያ፡ በዓል ወርቃዊ ምናት ተባሂሉ ዝፍለጥ ጀምስ፡ ደሙ 'Anti-D' ዝተባህለ ዘይልሙድ ጸረ-ኣካል [ኣብ ደም ንዝርከቡ ሓደገኛ ባእታታት ዘጥቅዕ] ዝሓዘ እዩ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ 'ደመን ኣብ ማህጸን ንዘለዉ ዕሸላት ከጥቅዕ ይኽእል እዩ' ንዝብሃላ ነፍሰጾር ኣደታት ዝወሃብ መድሃኒት ንምስራሕ ይውዕል ነይሩ።
ኣገልግሎት ደም ቀይሕ መስቀል ኣውስትራልያ፡ ሃሪሰን ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ዓብይ መብጣሕቲ ኣፍልቢ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ደም ስለ ዝተገለገሰሉ፡ ድሕሪ ለጋሲ ደም ክኸዉን ቃል ከም ዝኣተወ ገሊጹ።
ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ፕላዝማ ደሙ ምልጋስ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ክሳብ ወዲ 81 ዓመት ዝኸውን ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ክልግስ ጸኒሑ።
ኣብ 2005፡ ዝበዝሐ ፕላዝማ ደም ብምልጋስ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊቡ - እዚ ክብረወሰን ክሳብ 2022 ሒዙዎ ጸኒሑ።
ኣብዚ እዋን፡ እቲ ክብረወሰን ብሓደ ኣመሪካዊ ተታሒዙ ይርከብ።
ጓሉ ትሬሲ ሜሎውሺፕ፡ ኣቦኣ "ህይወት ብዙሓት ሰባት ብምድሓኑ ኣዝያ ከም እትሕበን፡" ገሊጻ።
"ወትሩ ኣይጐድአንን፡ እቲ እተድሕኖ ህይወት ድማ ናትካ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል ነይሩ፡" ትብል።
ትሬሲን ክልተ ደቂ ደቁን'ዉን ተቐበልቲ ጸረ-ዲ ክታበት እዮም።
"[ጄምስ] ብዛዕባ እቶም ብሕያውነቱ ህይወት ዝዘርኡ ከማና ዝኣመሰሉ ብዙሓት ስድራቤታት ክሰምዕ እንከሎ ይሕጐስ ነይሩ፡" ኢላ።
ጸረ-ዲ እንታይ'ዩ?
ክታበታት ጸረ-ዲ፡ ንዘይተወልዱ ህጻናት ካብቲ 'ሄሞላይቲክ' ዝበሃል ሕማም ዕሸልን ሓድሽ ዝተወልደ ህጻንን ወይ ኤችዲኤፍኤን ዝበሃል ቀታሊ ሕማም ደም ይከላኸለሎም።
እቲ ኵነታት ኣብ እዋን ጥንሲ ዝኽሰት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እታ ኣደ ምስቲ ኣብ ማህጸና ዝዓቢ ዘሎ ህጻንን ዘይቃዶ ምስ ዝኸውን እዩ።
ድሕሪኡ ስርዓተ ምክልኻል እታ ኣደ ንዋህዮታት ደም ናይቲ ህጻን ከም ሓደጋ ብምርኣይ ጸረ-ኣካላት ብምፍራይ የጥቅዖ።
እዚ ነቲ ህጻን ብኸቢድ ክጐድኦ ይኽእል እዩ፤ ከቢድ ዋሕዲ ደም፣ ድኻም ልቢ፣ ወይ ሞት ከይተረፈ ከስዕብ ይኽእል።
ኣብ መፋርቕ 1960ታት፡ ጸረ-ዲ ቅድሚ ምትእትታው፡ ካብ ክልተ ብኤችዲኤፍኤን ዝተጠቕዑ ዕሸላት እቲ ሓደ ይመውት ነይሩ።
ደም ሃሪሰን ብኸመይ ብጸረ-ዲ ክሳብ ክንድዚ ሃብታም ክኸውን ከም ዝኸኣለ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ገለ ጸብጻባት ግን ምስቲ ኣብ 14 ዓመቱ ዝተገብረሉ ሰፊሕ ምምሕልላፍ ደም ዝተኣሳሰር ክኸዉን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ብዝሒ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ለገስቲ ጸረ-ዲ ትሕቲ 200 ሰባት እዮም።
እንተዀነ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 45 ሽሕ ኣደታትን ዕሸላተንን ከም ዝሓገዙ ኣገልግሎት ደም ቀይሕ መስቀል ኣውስትራልያ ሓቢሩ።
እዚ ላይፍብለድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ምስ ኣውስትራልያዊ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕክምና ዋልተርን ኤሊዛ ሆልን ብምትሕብባር፡ ካብ ሃሪሰንን ካልኦት ለገስቲን ዝመጽእ ደምን ዋህዮታት ምክልኻል ሕማምን ብምብዛሕ፡ ጸረ-ዲ ኣብ ቤተ-ፈተነ ንምዕባይ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ኣብዚ ጕዳይ ዝተሳተፉ ተመራመርቲ፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝተሰርሐ ጸረ-D ሓደ መዓልቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ ነፍሰጾራት ንምሕጋዝ ክውዕል ከም ዝኽእል ተስፋ ኣለዎም።
ዳይረክተር መጽናዕቲ ላይፍብለድ ዴቪድ ኢርቪንግ፡ "ሓድሽ ፍወሳ ምፍጣር ካብ ነዊሕ እዋን 'ቅዱስ ቅብኣ' ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ፡" ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







