ጽማቚ ቀይሕ ሱር ምስታይ ዘለዎ ጥዕናዊ ረብሓታት ሕሹኽ ክንብለኩም

ቀይሕ ሱር ቱቦታት ደምና ክሰፍሕን እኹል ምንቅስቓስ ደም ክህሉን ዝገብር ባእታ ዝሓዘ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ደም በዝሒ ዘለዎም ሰባት እንዳወሰኸ መጺኡ’ሎ።

እዚ ዓይነት ሕማም ካብ ሰብ ናብ ዘይመሓላለፍ ኮይኑ ካብ መናእሰይ ክሳዕ ኣረጋውያን ዘጥቅዕ ዘሎ’ዩ።

ሓደጋኡ’ውን ብእኡ ልክዕ ዛይዱ’ሎ።

ኣነባብራ፣ ኣመጋግባ፣ እኹል ምንቅስቓስ ዘይምግባርን ካልኦትን ቀንዲ ምንቀሊ ደም በዝሒ ከምዝኾኑ’ዩ

ዝንገር።

ጥዑይ ስርዓተ ኣነባብራ ብምትግባር ግን ደም በዝሒ ምክልኻል ወይ ከዓ ምቁጽጻር ከምዝከኣል ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ብፍላይ ስርዓተ ኣመጋግባ ብምትዕርራይ ደም በዝሒ ምክልኻል ከምዝከኣል ዝንገር ኰይኑ፡ ካብኣቶም ሓደ ቀይሕ ሱር ምምጋብ እዩ።

ቀይሕ ሱር ደም በዝሒ ካብ ምቁጽጻርን ብዕድመ ናይ ዝደፍኡ ሰባት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ካብ ምሕላዉን ብተወሳኺ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከምዘለዎ ይንገር።

ኣብ መዓልታዊ መግብታትና ቀይሕ ሱር ምምጋብ ጠቓሚ ከምዝኾነ ዝምዕዱ ሰብ ሞያ ጥዕናን ስነ ምግብን እዞም ዝስዕቡ 5 ረብሓታት ቀይሕ ሱር ይጠቕሱ።

1. ካብ ሰብነት ጎዳእቲ ባእታት ምውጋድ

ኣብ ቀይሕ ሱር ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ድሙቕ ሕብሪ ቤታላይን ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ደቂ ሰባት ዝተኣጀሉ ጎዳእቲ ባእታታት ናይ ምውጋድ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ጣሊያን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ቤታላይን ኣብ ውሽጢ መዓንጣ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ዋህዮታት ካንሰር ናይ ምቕታል ዓቕሚ ከምዘለዎ እንተወሓደ ብቤተ ፈተነ ከምዝተረጋገጸ ተፈሊጡ።

ቀይሕ ሱር ደም ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ናብ ዝተፈላለዩ ክፋል ኣካላትና ብዘይ ገለ ጸገም ክዘዋወር ዘኽእል ናይትሬ ዝተብሃለ ባእታ ዝሃብተመ ተኽሊ እዩ።

ኣብ ረብሓታት ቀይሕ ሱር ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት መጽናዕቲ ዘካየደ ፕሮፌሰር ኤንዲ ጆንስ፡ ኣብ ውሽጢ ቀይሕ ሱር ዝርከብ “ናይትሪክ ኦክሳይድ” ዝተብሃለ ባእታ ከምዘሎን እዚ ድማ ቱቦታት ደምና ኣስፊሑ እኹል ዝውውር ደም ክህሉ ከምዝገብር ሓቢሩ።

ቀይሕ ሱር ተኸቲፉ ወይ ከዓ ብውሱን መልክዑ ጠቢስካ'ውን ምምጋብ ይከኣል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

4፦ቀይሕ ሱር ኣብ ጥዕና ኣፍ

ንተኸታታሊ ዓሰርተ መዓልቲ፡ መዓልታዊ ክልተ ግዜ ካብ ቀይሕ ሱር ዝተጸሞቐ ጽሟቕ ምስታይ ትሕዝቶ ናይቶም ኣብ ኣፍና ዝርከቡ ጠቐምቲ ባክተርያታት ከምዘመሓይሾ ሓደ መጽናዕቲ የመላኽት።

እዞም ባክተርያታት ድማ ከም ሕበጥን ካልኦት ሕማማትን ከይኽሰቱ ዝከላኸሉ እዮም። ዕድሜና ብዝወሰኸ ቁጽሪ ኣብ ሰብነትና ዝርከብ መጠን ናይትሪክ ኦክሳይድ ከይጎድል ብምግባር ድማ ጥዑያትን ነዊሕ ዕድመ ንኽንነብር’ውን ይሕግዘና።

ጽሟቕ ቀይሕ ሱር ምስታይ ደም በዝሒ የጉድል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

2፦ ኣብ ጥዕና ደም በዝሕን ልብን

ንሒደት ሰሙናት መዓልታዊ ክልተ ፍረ ቀይሕ ሱር ምምጋብ ደም በዝሒ ብማእኸላይ ሓሙሽተ ሚሊ ሜትር ሜርኩሪ ምንካይ ከምዝከኣል ሓደ መጽናዕቲ የረድእ።

ሓደ ደም በዝሒ ዘለዎ ሰብ መጠን ደሙ በዚ ደረጃ ከጉድል እንተኺኢሉ ድማ ብሰንኪ ደም በዝሒ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሕማማት ልቢ ድኻምን ስትሮክን ብ10 ሚኢታዊት ምንካይ ይኽእል’ዩ ማለት እዩ።

ደም በዝሒ ዘለዎም ሰባት ቀይሕ ሱር እንተድኣተመጊቦም ውጽኢቱ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓታት ውሽጢ ክርእይዎ ከምዝኽእሉ’ዮም ኣብቲ ዙርያ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ዝሕብሩ።

3፦ረብሓ ቀይሕ ሱር ኣብ ጥዕና ሓንጎል

ቀይሕ ሱር ዘለዎም መግብታት ምዝውታር ቱቦታት ደምና ክሰፍሑ ስለዝገብር ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝግበር ዝውውር ደም ስሩዕን ቅልጡፍን ይገብሮ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓንጎልና እኹል ዝውውር ደም ክህሉ ስለዝገብር ካብ ቀይሕ ሱር ዝተሰርሐ ጽሟቕ ዝሰትዩ ሰባት ንነገራት ናይ ምዝካር ተኽእሎኦም ክምዕብል ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ቅልጡፍ ውሳነ ንኽህቡ ይሕግዞም።

ሰባት ዕድሜኦም እንዳወሰኸ ብዝኸደ ቁጽሪ ቀይሕ ሱር ኣዘውቲሮም ዝምገቡ እንተኾይኖም ኣብ ጥዕና ሓንጎሎም ኣወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይዛረቡ።

5፦ ቀይሕ ሱር ንዕዉት ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት

ቀይሕ ሱር ሓይልን ጉልበትን ኣብ ዝጠልቡ ስርሓቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ስፖርት ንዝነጥፉ ስፖርተኛታት ኣዝዩ ጠቓሚ መግቢ እዩ። ኣብ ጉያ ዝወዳደሩ ኣትሌታት ናይ ምጉያይ ዓቕሞም ስለዘውስኾ ኣብ ውድድራቶም ቅልጡፋት ንክኾኑ ሓጋዛይ ከምዝኾነ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተገበረ መጽናዕቲ የመልክት።

ቀይሕ ሱር ኣብ ክፍሊ ኣካላትና ንዝርከብ ናይትሪክ ኦክሳይድ ክውስኽ ስለዝገብር፡ እዚ ድማ ጭዋዳታትና እኹል ኦክስጅን ክረኽቡ ብምግባር ኣብ ውድድራትና ውጽኢታውያን ክንከውን ከምዝገብርና ጆንስ ይገልጽ።

ቀይሕ ሱር ንስፖርተኛታት ትንፋሶም ከማዕብሉ ይሕግዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2009 [ኣ.ኣ] ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ልምምድ ዝርከቡ ስፖርተኛታት ናይ ቀይሕ ሱር ጽሟቕ እንተስትዮም ሓይሊ ኣካላቶም ብ16 ምኢታዊት ክዛይድ ይገብሮ።

ከም ውፅኢቱ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ጠለብ ዘይነበሮ ጽሟቕ ቀይሕ ሱር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣትሌታት ዝዝውተር መስተ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣብ 2012 [ኣ.ኣ] ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ መንጎ ናይ 5 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝተሳተፉ

ተቐዳደምቲ፡ እቶም ጽሟቕ ቀይሕ ሱር ዝሰተዩ ተቐዳደምቲ ካብቶም ቀይሕ ሱር ዘይተመገቡ ተቐዳደምቲ

እቲ ውድድር ክውዳእ 1.8 ኪሎ ሜትር ምስተረፎ ዝያዳ 5 ምኢታዊት ናህሪ ካብ ምምዝጋቦም ብተወሳኺ ናይ ድኻም ስምዒቶም ውሑድ ከምዝኾነ ተረጋጊጹ።

ስፖርተኛታት ቅድሚ ናብ ውድድር ምእታዎም ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ቀይሕ ሱር ክምገቡ ወይ ድማ ጽሟቕ ቀይሑ ሱር ክሰትዩ ይምከር።

መዓልታዊ ክልተ ወይ ሰለስተ ማእኸላይ መጠን ዘለዎም ቀይሕ ሱራት ጾሚቝካ ምስታይ ካብቲ ተኽሊ ክንረኽቦ ዝግበኣና ረብሓ ክንእምርር ከምእንኽእል ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተኽሊ መጽናዕቲ ዝገበረ ጆንስ ይመክር።

ቀይሕ ሱር ከቲፍካ፣ ብዝተወሰነ መልክዑ ጠቢስካ ወይ ከዓ ተጣሒኑ ብመልክዕ ጽሟቕ ምስታይ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶኡ እንከይለቐቐ እቲ ካብ ቀይሕ ሱር እንደልዮ ጠቓሚ ባእታ ክንረኽቦ ንኽእል።

ቀይሕ ሱር ኣብ እነብስለሉ ግዜ’ውን እቶም ጠቐምቲ ናይትሬት ኦክሳይድ ማህሚኖም ክሳዕ ዝውገዱ ክንጽበ የብልናን።