ገለ ኣታኽልቲ ዝራብሑሉ ሚስጥራዊ ኣገባብ

ገለ ዓይነታት ተኽሊ ዝራብሑሉ መገዲ ፍልይ ዝበለ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, NATIONAL TRUST

መግለጺ ስእሊ, ገለ ዓይነታት ተኽሊ ዝራብሑሉ መገዲ ፍልይ ዝበለ’ዩ

ጾታዊ ህይወት ተኽልታት ስግንጢር ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ብሓቂ ድማ ዘደንጹ ማለትና እዩ።

ኣብ ውሽጢ ኣሽሓት ዓመታት፡ ገሊኦም ዘርኦም ንምዝርጋሕን ህላወ ዓሌቶም ንምርግጋጽን ዘገርም ሜላታት ኣማዕቢሎም እዮም።

እስከ 7 ካብ’ቶም ተኽልታት ዝራብሕሑሉ ዘይልሙዳት መገድታት ክነቕርበልኩም።

ኤክባልየም ኤላተሪየም ክፍንጀር ከሎ፡ ዘርኡ ክሳብ ሽዱሽተ ሜተር ይትኮስ

ምንጪ ስእሊ, Vadym-Plysiuk|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤክባልየም ኤላተሪየም ክፍንጀር ከሎ፡ ዘርኡ ክሳብ ሽዱሽተ ሜተር ይትኮስ

ዝፍንጀር ከከምበር

ገለ ከከምበር ዘርኦም ንምብታን ብዙሕ ይጽዕሩ። ሓደ ካብዞም ዓሌታት ኤክባሊየም ኤላተሪየም ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይርከብ። እዚ ዓይነት ተኽሊ 'ተፈንጃሪ ከከምበር' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ተራ ዓይነት ከከምበር ዘርኦም ንምዝርጋሕ ኣብ ከም በዓል ሰባትን ካልኦት እንስሳታትን ይምርኮሱ።

ኤክባሊየም ኤላተሪየም ግን ንርእሱ ዝባዝሐሉ ኣገባብ ኣዝዩ ረቂቕ ኣይኮነን - ባሎኮሪ ወይ ተወንጫፊ ዘርኢ ምብታን ዝበሃል መስርሕ እዩ ዝኽተል።

ዘርኡ ክሳብ ሽዱሽተ ሜትሮ ኣርሒቑ ከወንጭፍ ይኽእል ማለት እዩ።

ፍረ እዚ ከከምበር እናበሰለ ምስ ከደ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ውሽጣዊ ጸቕጢ ይኣቱ። ብዘርእን ልስሉስ ፈሳሲን ድማ ይመልእ።

እቲ ጸቕጢ ኣዝዩ ምስ ወሰኸ፡ እቲ ፍረ ይወድቕ። እቲ ፈሳሲ ድማ ከም ቀስቲ ተተፊኡ ‘ፍጺጽ’ እናበለ ነቲ ዘርኢ ክሳብ 6 ሜተር ይወስዶ።

ኦፍሪስ ወይ ንህቢ ኦርቺድ ንህቢ፡ ብድሕሪታ እትርአ ኣንስተይቲ ንህቢ መሲሉ ንተባዕቶት ኣናህብ የስሕቶም

ምንጪ ስእሊ, Ondrej Prosicky|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦፍሪስ ወይ ንህቢ ኦርቺድ ንህቢ፡ ብድሕሪታ እትርአ ኣንስተይቲ ንህቢ መሲሉ ንተባዕቶት ኣናህብ የስሕቶም

ሓሳዊ ኦርቺድ

ኦርቺድ ውዕውዕ ሕብርታትን ዝተፈላለየ መልክዓትን ዘሎዎም ዕምባባታት ዘውጽእ ዓይነት ተኽሊ እዩ።

ኦርቺድ ሓደ ካብቶም ዓበይቲን ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘለዎምን ዕምባባታት ተኽሊ ኮይኑ 25,000 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኦርቺድ ኣለዉ፤ ኣብ ሽዱሽቲአን ኣህጉራት ድማ ይርከቡ።

ክሳብ ክንድዚ ዘርኦም ኣብ ኩሉ ከባቢ ንምዝርጋሕ ኣዝዮም ዕዉታት ዝኾኑሉ ምኽንያት ቀሊል’ዩ። ብዝገርምን ውሕሉልን ኣገባብ ኣብ ምብዛሕ ኣዝዮም ብቑዓት ስለዝኾኑ እዮም።

ሓደ ካብቶም ዓይነት ኦርቺድ፡ ኦፍሪስ ወይ ንህቢ ኦርቺድ ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ርሑቕ ኣኽራን ማእከላይ ባሕሪ ይርከብ። ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ፡ ንህቢ ኦርቺድ ብድሕሪት እትርአ ኣንስተይቲ ንህቢ ክመስልን ተመሳሳሊ ሽታ ከይተረፈ ክፍንውን ይኽእል’ዩ። እዚ ብምግባር ድማ ንተባዕቶት ኣናህብ የስሕቶም።

እቲ በዚ ጾታዊ ምትላል ዝተዓሸወ ምስኪን ንህቢ፡ ተግባሩ ንምፍጻም ኣብ ልዕሊ እቲ ንህቢ ኦርቺድ ይዓልብ - ቃል ብቓሉ ብታሕጓስ ይዕንድር።

በቲ ምትላል ዝተደናገረን ዝተበቖጠዐን እቲ ንህቢ፡ ናብቲ ቀጺሉ ዘታልሎ ኦርቺድ ይኸይድ። እዚ ክኸውን ከሎ ግን እኹል ጽገ እቲ እምበባ ኣብ ኣካላት እቲ ንህቢ ተጣቢቑ ኣሎ። እዚ ንንህቢ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ምትላል ከም ዝከኣል ዘመልክት እዩ።

ኣብ ደቡባዊ ማእከላይ ሜክሲኮ ዝርከቡ ኣግራብ ኣቮካዶ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጾታኦም ክቕይሩ ይኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, Terry J|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ ማእከላይ ሜክሲኮ ዝርከቡ ኣግራብ ኣቮካዶ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጾታኦም ክቕይሩ ይኽእሉ

ጾታ ዝቕይር ገረብ

እቲ ተፈታዊ ፍረ ዝኾነ ኣቮካዶ ካብ ዝኾነ ተኽሊ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ።

ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ማእከላይ ሜክሲኮ ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ሃዋህው፡ ኣግራብ ኣቮካዶ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ጾታኦም ክቕይሩ ይኽእሉ።

ዕምባባታቶም ናይ ተባዕታይን ኣንስተይትን ጾታዊ ኣካላት ዝሓዙ እዮም፤ ክልቲኦም ግን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነጥፉ ኣይኮኑን። ኣብ ክንድኡ፡ ናይ ኣንስተይትን ተባዕታይን ‘ቦታ’ ስለዘለዎ፡ ናይ ርእሰ-ምብዛሕ ተኽእሎኡ ትሑት እዩ።

ስለዚ፡ እታ ዕምባባ ምስ ተኸፍተት ኣንስተይቲ ኣቮካዶ እንተኾይና፡ እቲ ጽገኣ ብሓሳኹ ክጸግይ ድሉውቲ እያ ማለት እዩ።

ንጽባሒቱ ዳግማይ ምስ ተኸፍተ ግን፡ ዘደንቕ ለውጢ ከጋጥም ይኽእል፡ እቲ ጽገ ብናይ ወዲ ተባዕታይ ጾታዊ ኣካላት ስለዝትካእ ድሕሪ ደጊም ንጡፍ ኣይኮነን።

ስለዚ ነቲ ተባዕታይ ኣካል ተጠቒሙ እቲ ዕምባባ ዳግማይ ከይተዓጸወ ከሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽገ ይዝርግሕ።

ብድሕሪ እዚ እቲ ዕምባባ ንሓዋሩ ይዕጾ።

ኦም ሃይዘል ባዕሉ ክጸጊ ኣይክእልን፡ ጽገኡ ግን ክሳብ 15 ሜተር ክጓዓዝ ስለ ዝኽእል ብኻልእ መንገዲ ይጸጊ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Peter Vahlersvik|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦም ሃይዘል ባዕሉ ክጸጊ ኣይክእልን፡ ጽገኡ ግን ክሳብ 15 ሜተር ክጓዓዝ ስለ ዝኽእል ብኻልእ መንገዲ ይጸጊ’ዩ

ደቂሱ ዝጸጊ ተኽሊ

እቲ ህቡብ ፍረ ሀይዘል ዝበሃል ኦም ዝፈርየሉ ኣገባብ ብመጠኑ ፍልይ ይብል።

እዞም ኣግራብ ልክዕ ከም ኣቮካዶ፡ ክልቲኡ ተባዕታይን ኣንስተይን ኣካላት ዝሓዙ እዮም።

ተባዕታይ ክፋላቱ ዕምባባ-ጭራድሙ እዩ - ነዊሕን ዝንጥልጠልን ዕምባባታት ኮይኑ ኣብ መዓሙቕ ክረምቲ ብመጠኑ ይፍንጀሩ።

እዚኦም መጽገዪ ኣካላት እዮም፣ ኣብ ንፋስ ዝበዝሖ መዓልታት ድማ ዘርኦም ይብትኑ። ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ ኣግራብ ምስተን ንኣሽቱ ቀያሕቲ ‘ኣንስተይቲ’ ዕምባባታቶም ይወስድዎም።

ኦም ሃይዘል ባዕሉ ክጸጊ ኣይክእልን፡ እዚ ግን ፈጺሙ ጸገም ኣይኮነን፤ ጽገ ሃይዘል ክሳብ 15 ሜተር ክጓዓዝ ይኽእል’ዩ።

ብዘይተለምደ መገዲ፡ እቲ ጽገ ኣብታ ዕምባባ ኣብ ዝበጽሓሉ ህሞት ዝኾነ ዝፍጠር ነገር የለን። ኣብ ክንድኡስ፡ እቲ ጽገ ክሳዕ መወዳእታ ጽድያ ደቂሱ እዩ ዝጸንሕ፤ ሽዑ ኣብ መወዳእታ ነቲ ገረብ የጽግዮ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን ድማ፡ እቶም ፍረታት ምሉእ ብምሉእ ይዓብዩ።

እዚ ቀታሊ ገረብ ንህቢ ብምዕሻው መሳጢ ኣገባብ ምፍራይ ይፍጽም

ምንጪ ስእሊ, Better Planet Media|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚ ቀታሊ ገረብ ንህቢ ብምዕሻው መሳጢ ኣገባብ ምፍራይ ይፍጽም

ጾታዊ ሃዳናይ

እቶም ኣብ ዙርያ ኦፍሪስ ዝንጥልጠሉ ኣናህብ ሕማቕ እንተተሰሚዕዎም፡ ምስቲ ትሕትና ዘይብሉ ጃክ-ኢን-ዘ-ፑልፒት ወይ ኣሪሳኤማ ትሪፊለም ክራኸቡ ይግባእ።

እዚ ኣብ ምብራቓዊ ክፋላት ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ነዊሕ ዝጸንሕ ቀታሊ ገረብ፡ መሳጢ ኣገባብ ምፍራይ ኣለዎ።

እቲ ጻዕዳን ቡናዊ መስመር ዘለዎ ላዕለዋይ ክንፊ ዕምባባኡ ውሽጡ ጸልማት’ዩ። እቶም ኣናህብ ናብቲ ጸልማት ክኣትዉ ከለዉ ኣንፈቶም ይስሕቱ’ሞ ደርገፍገፍ እናበሉ ቅድሚ ምውጽኦም ገለ ካብቲ ጽገ ኣብ ኣካላቶም ይስከሙ።

ፊሎደንድሮን ሶሊሞየሰንስ ሕንዚዝ ዘዐሽው ዕምበባ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Frieda Billiet|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፊሎደንድሮን ሶሊሞየሰንስ ሕንዚዝ ዘዐሽው ዕምበባ እዩ

ሕንዚዝ ዘታልል ዕምበባ

ኣብ ፈረንሳዊት ጓያና፡ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከብ ፊሎደንድሮን ሶሊሞየሰንስ ዝበሃል ዕምባባ ኣሎ።

እዞም ሉል ዝመስሉ ዕምባባታት፡ ጻዕዳ ቃንጫ መሳሊ ቆጽልን ‘መዋሰቢ’ ክፍልን ዘለዎም ኮይኖም፡ ሙቐት፡ ሃነን ዘብል ሽታ፡ እኹል መግቢ፡ ከምኡ’ውን ንኹሉ ዝድውስሉ ጽልምትን ጽምው ዝበለን ቦታ ከፍርዩ ይኽእሉ።

እዚ ሕንዚዛት ተራኺቦም ርክብ ዝፍጽምሉ ፍጹም ምቹእ ቦታ እዩ - ንፊሎደንድሮን ከምኡ። እቶም ሕንዚዛት ኣብ እዋን ለይታዊ ጀብሃኦም ጽገ ተሰኪሞም ድሕሪኡ ናብ ካልኦት ዕምባባታት ይዝርግሕዎ፤ ብኸምዚ ድማ ንጾታዊ ዓወት ፊሎደንድሮን የደንፍዑ።

ግን እቶም ሕንዚዝ ተዓሽዮም’ዮም! እታ ኣንስተይቲ ዕምባባ መውጽኢ የብላን። እቲ ምስኪን ሕንዚዝ፡ ብዘይፍላጥ ነቲ ናይቲ ተኽሊ ኣንስታይ ኣካል ዕምባባ ክጸጊ ድሕሪ ምሕጋዙ፡ ስርሑ ስለዝወድአ ኣብኡ ይመውት።

ጨናዊ ኮሎሰስ ፡ ‘ዕምባባ ሬሳ’ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Mangiwau|Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጨናዊ ኮሎሰስ ፡ ‘ዕምባባ ሬሳ’ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ

ጨናዊ ኮሎሰስ

ኩሎም ዕምባባታት ጽቡቓት ኣይኮኑን፡ ዋላ’ውን ጽቡቕ ጨና ዘለዎም ኣይኮኑን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነት ካልእ መታለሊ ባህሪ፡ እቲ ገዚፍ ኣሞርፎፋሉስ ታይታነም (ታይታን ኣሩም) እዩ።

ብሰንኪ’ቲ ንፈተውቲ ስጋ ሕንዚዝን ስጋ በላዕቲ ሃመማን ንምስሓብ ዘፍርዮ ረሳሕን ጨናዊን ሽታ፡ ‘ዕምባባ ሬሳ’ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ።

እቶም ዝበስበሰ ስጋ ዝሓዘ ጥዑም መግቢ ዘሽተቱ ዝመሰሎም ሕንዚዝን ሃመማን፡ ነቲ ዕምባባታት ይምርምርዎ። ብዘይፍላጥ ድማ ጽገ ተሰኪሞም ካብ ሓደ ጨናዊ ዕምበባ ናብቲ ዝቕጽል የሰጋግሩ።

ብሓቂ መስተንክር’ዮም፣ መብዛሕትኡ ግዛ ቀይሕን ቡናውን ዕምባባታት ዘለዎም’ዮም።

እቲ ምዕንባብ ክሳብ ልዕሊ ሰለስተ ሜትሮ ዝበጽሕ ቁመት ክህልዎም ይኽእል።

ጾታዊ ቁንጅና ተኽልታት ካብቲ ክንሓስቦ እንኽእል ነገር ንላዕሊ ዝተፈላለየ ይመስል።