ሓሙሽተ ሚሊዮን ተኽሊ ንምትካል ዝሃቀነ ሰኔጋላዊ

ኣዳማ ዲሜ

ምንጪ ስእሊ, JO HOLLIS/BBC

ሓደ ኣብ ደቡባዊ ሰኔጋል ዝነብር ሰብኣይ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓሙሽተ ሚልዮን ኣግራብ ናይ ምትካል ዓቢ ዕማም ሒዙ ኣሎ።

እዚ ዓብዪ ራእይ ዘለዎ ፕሮጀክት፡ ኣዳማ ዲሜ ኣብ ኤውሮጳ ንገለ ዓመታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 2020 ናብ ሃገሩ ዞባ ካሳማንስ ምስ ተመልሰ ዝሓሰቦ’ዩ።

እዚ ወዲ 48 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ንእስነቱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓበይቲ ኣግራብ ተሸፊኑ ዝነበረ በረኻታት ዓዱ፡ ሕጂ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ እንተሃልዮም ጥራይ ተሪፎም ምርኣዩ ኣዝዩ ኣሰንቢድዎ።

"ኣብ ገለ ዓድታት፡ ሓንቲ ኦም’ውን ክትረክብ ኣይትኽእልን። ይቖርጽዎም እምበር ዳግማይ ክተኽሉ ኣይሓስቡን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ምድረበዳነት ሓደ ካብቲ ብምኽንያት ብርሰት ኣግራብ ዝመጽእ ጸገም ኰይኑ፡ ኣብዚ ከባቢ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ጽሩይ ሩባ ካሳማንስ ዘለው ኣግራብ ንህንጸት ኣባይቲ ወይ ፈሓም ንምርካብ ተቘሪጾም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ሕጂ ኣብ ካሳማንስ ኣብ ዝርከብ ስጳኛዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ፕሮጀክት ማናጀር ኰይኑ ዝሰርሕን ብወለንትኡ ኣብ ሕርሻ ዘነጥፍን ዲሜ፡ ነዚ ኩሉ ንምቕያር ቆሪጹ ተላዒሉ ኣሎ።

ዓቢ ዕቑር ሃብቲ ስለ ዘይነበሮ፡ ሕልሙ ንምግሃድ ገንዘብ ክእክብ ጀሚሩ። ነቲ ተበግሶ ንምጅማር ድማ፡ ካብ ጁባኡ 5000 ዶላር ተጠቒሙ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ንምትእስሳርን ንደቂ ኣንስትዮ ንምብጻሕን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ።

"ናብ ገጠር ከይድኻ ደቂ ኣንስትዮ እንተዘይሃልየን ሓደጋ'ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ናብ ዘለዋሉ ዓዲ እንተኸድካ ግን ገነት'ዩ - ጻዕራማትን ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሓን እየን” ይብል።

ዲሜ ወሲኹ፡ "ጽቡቕ ፕሮጀክት ክትመርሕ እንተደሊኻ ብደቂ ኣንስትዮ ክትጅምር ኣለካ” ኢሉ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ንኣሽቱ ሓረስቶት ንኽዀና ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ ብምሕጋዝ፡ ዘፍረየኦ ኣብ ዕዳጋታት ክሸጣ ብምግባር ነቲ ተኽሊ ናይ ምትካል ተበግስኦ ጀሚሩ።

"ኣብ ፈለማ እቲ ዘርኢ ከመይ ጌርና ከም እንተክልን ነቲ ዝራእቲ ንምብቋል እንታይ ክንገብር ከም ዘለናን ኣይንፈልጥን ነይርና" ትብል ሓንቲ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ሳፊ የቱ።

"ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ክንሸጦም እንኽእል ኩሉ ዓይነት ፍረታት ኣለዉና፤ ኣብ ዝዀነ ሰብ ድማ ጽግዕተኛታት ኣይኰናን ዘለና። ሕጂ ኩላትና ኣብ ባንክ ገንዘብ ኣለና፤ እዚ ግበሪ . . . ከምዚ ኣይትግበሪ ዝብለኒ ድማ የለን" ብምባል ነብሳ ክትኽእል ከም ዝሓገዛ ትዛረብ።

ፕሮጀክት ዲሜ ‘Ununukolaal’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብቋንቋ እቲ ከባቢ ቋንቋ ጆላ "ኣግራብና" ማለት እዩ።

ሕጂ፡ ኣብ ድልየት ሕብረተሰብ ዝተሞርኰሱ ታማሪንድን ለሚንን ዝርከቦም ኣስታት 12 ዓይነታት ተኽሊ ተተኺሎም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ 142 ሽሕ ፈልሲታት ተዳልዮም ሱር ሰዲዶም ኣለው።

ደቂ ኣንስትዮ ሓረስቶት

ምንጪ ስእሊ, JO HOLLIS/BBC

ዲሜ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ዝሓዞ ሸቶ ንከዐውት ዝተርፎ ብዙሕ እዩ፤ ንሱን መሳርሕቱ ዮላንዳ ፔረኒገዝን ግን በዚ ኣይስከፉን።

ፔረኒገዝ ሰፋይት ዓለባ ኰይና፡ ብቐንዱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብ15 ዶላር ዝሽየጥ ስእሊ ተኽሊ ዱማ [Baobab] ዘለዎ ማልያ ብምስራሕ፡ ነቲ ፕሮጀክት መሐገዚ ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምውጻእ ወሳኒ ተራ ከተበርክት ጸኒሓ እያ።

"ተኽሊ ዱማ ኣፍሪቃዊ ገረብ ስለ ዝዀነ'የ መሪጸዮ። እዘን ማልያታት ናብ መላእ ዓለም፡ ናብ ኤውሮጳን ካናዳን ከይዱ ብምሻጥ ነዚ ፕሮጀክት ተኽሊ ይሕግዝ ምህላው ምፍላጥ ጽቡቕ'ዩ" ትብል።

ኣብ ማእከል ሩባ ካስማንስ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኣብ ደሴት እትርከብ ዓዲ፡ እቲ ማይ ክሳብ ኣፍ ደገ ህንጻታት መጺኡ ይርኣይ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ነቶም ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሑ ገዛውቲ የዕለቕልቈም።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት መጠን እቲ ማይ ኣዝዩ ርሒቑ ስለ ዝነበረ፡ ብዘይካ ኣብቲ ዝናብ ዝበዝሖ እዋን፡ ናብታ ዓዲ ዳርጋ ኣይበጽሕን ነይሩ።

ሕጂ ግን፡ ነበርቲ ቤት ኣልባ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም።

"ኣብዛ ደሴት ንኣማኢት ዓመታት ንነብር ኣለና - እቲ ማይ ደፊኡ እንተመጺኡ ግን ካብዚ ክንወጽእን ክንበታተንን ክንግደድ ኢና" ይብል ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ኮናክሪ ባሰነ።

ኣብ መሬትን ኣብ ጨው ወይ ጽሩይ ማይን ክነብሩ ዝኽእሉ ኣግራብ ዱማ ፡ ሕጂ ኣብ ገማግም እቲ ሩባ ከም መከላኸሊ ተተኺሎም ኣለዉ።

ሓደ መዓልቲ ድማ ፍረታትን ጽላልን ክህቡ’ዮም።