ኣብ ኣሜሪካ ብሰንኪ ዝተኸስተ ቀዝሒ ዓሰርተታት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ቀዝሒ ኣርክቲክ፡ ብውሕዱ 38 ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ኣዝዩ ተሃስዩ ዘሎ ከባቢ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኒውዮርክ ዝርከብ ከተማ ባፋሎ ከም ዝዀነ ዝገለጹ ሰብ መዚ ኣሜሪካ 34 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጾም።
ኣብ ካናዳ’ውን ከተማ መሪት፡ ምዕራባዊት ግዝኣት ብሪቲሽ ኮሎምብያ፡ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብበረድ ኣብ ዝተሸፈነ ጽርግያ ብምግልባጣ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም።
ክኢላታት ኩነታት ኣየር፡ እቲ ህቦብላ በረድ ኣብ ዝቕጽል መዓልትታት ሒደት መዓልትታት ከም ዝፎክስ እኳ እንተገለጹ፡ ኣገዳሲ እንተዘይዀይኑ መገሻ ከም ዘይምከር ሓቢሮም።
እቲ ህቦብላ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብዙሕ ዕንወት ከብጽሕ እንከሎ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተቛሪጹ ኣብ ዝነበረሉ ከባቢታት ዳግማይ ይጅምር ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሽየትድ ፕረስ፡ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ በረድ ክሳዕ 1.7 ሚልየን ዝበጽሑ ዓማዊል ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቋሪጽዎም እኳ እንተነበረ ክሳዕ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ እቶም ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዳግማይ ነቲ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክኢሎም ኣለው።
በዚ ምኽንያት ግን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር በረራታት ብምስራዙ፡ ብዙሓት በዓል ልደት ምስ ስድራቤቶም ከብዕሉ ኣይከኣሉን።
እቲ ኣብ እዋን ሓጋይ ብሰንኪ ኣዝዩ ብርቱዕ ዛሕሊ ብዝፍጠር ውርጭን ንፋስን ዝኽሰት ህቦብላ “ቦምብ ሳይክሎን” ኣብ መላእ ኣሜሪካ ምንቅስቓሳት ገዲቡ ኣሎ።
ብሰንበት፡ ልዕሊ 55 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ኣብ ዝቕመጡሉ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ መጠንቀቕታ ናይ ቀዝሒ እዩ ኔሩ።
ኣመሓዳሪት ግዝኣት ኒውዮርክ፡ ካቲ ሆቹል፡ ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ “እዚ ኣብ ታሪኽ ባፋሎ እቲ ዝኸፍአ ህቦብላ በረድ ክኸውን እዩ። ኣብ ናይ ኲናት ዞባ ከም ምኻድ እዩ፤ እተን ኣብ ደረት ጽርጊያታት ዘለዋ መካይን’ውን የሰንብዳኻ” ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ ነበርቲ ጌና “ኣዝዩ ሐደገኛ ንህይወትካ ዝፈታተን ኩነተት” ገጢምዎም ከም ዘሎን ኩሉ ሰብ ኣብ ገዛ ክጸንሕ ከም ዝግባእን ተዛሪባ።
ኣብ ኤሪ ካውንቲ 12 ሰባት ከም ዝሞቱ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ገሊኦም ኣብ መካይን እዮም ሞይቶም ተረኺቦም።
ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ቬርሞንት፡ ኦሃዮ፡ ሚዞሪ፡ ዊስከንስን፡ ካንሳስን ኮሎራዶን እውን ምስ ህቦብላ ዝተኣሳሰር ሞት ከም ዝተመዝገበ ተፈሊጡ።
ኣብታ በቲ ቀዝሒ ኣዝያ ዝተሃስየት ምዕራብ ኣሜሪካዊት ክፍለ ግዝኣት ሞንታና፡ ኩነታት ኣየር ክሳዕ 45 ዲግሪ ሰንቲግረድ ትሕቲ 0 ይበጽሕ።
ኣብ ካናዳ ክፍለ ግዝኣታት ኦንታርዮን ኵቤክን እተን በቲ ማዕበል ዛሕሊ ዝተወቕዓ እየን።
ብሰንበት፡ ኣብ ኵቤክ ከባቢ 120 ሽሕ ዓማዊል ብዘይ ቀረብ ኤሌክትሪክ ምንባሮም ክግለጽ እንከሎ፡ ገለ ኣባይቲ ነቲ ኣገልግሎት ዳግማይ ክሳዕ ዝረኽቡ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







