ኣመሪካ፡ ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ዝተረኣየ ምስሊ ሰብ ዝፈጠሮ ሻቕሎት

ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ዝተረኣየ ምስሊ ሰብ ዝፈጠሮ ሻቕሎት

ምንጪ ስእሊ, LAPD

ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆሎስ ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ ምስሊ ሰብ ድሕሩ ዝተገበረ ተደጋጋሚ መርመራታት ብምስሊ ቅርጺ ሰብ ዝተሰርሐ ፍሕኛ [balloons] ክኸውን ከምዝኽል ተገሊጹ።

ኤፍቢኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ፓይሎታት ብተደጋጋሚ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ ሰማይ ኣብ ኣስታት 915 ሚትሮ ብራኸ ቅርጺ ናይ ሰብ ዘለዎ ነዊሕ ምስሊ ይርእዩ ከምዘለዉ ምስ ተሓበሮ’ዩ መርመራ ከካይድ ጀሚሩ።

ንእንተታት ቦታ ዝሃበ መርመራ ኤፍቢኣይ፡ እቶም ፓይሎታት ኣብ ሰማይ ዘንሳፍፍ ፍሕኛ ርእዮም ክኾኑ ከምዝኽሉ እዩ ኣፈናዊ ገምጋም ሂቡ።

ብናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ዝተሰኣለ ስእሊ’ውን፡ ዓሚ ኣብ እዋን ዕለተ ትንሳኤ ሙታን [Halloween] ንመመላኽዒ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሕኛ፡ ምስ መሬት ኣሲርዎ ዝነበረ ገመድ ምስ ተበትከ ኣብ ሰማያት እንዳተንሳፈፈ እንከሎ ይርኣ’ዩ።

ሰለስተ ፓይሎታት ናይ ህዝቢ ነፈርቲ ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ቅርጺ ናይ ሰብ ዘለዎ ነገር ከምዝርኣዩን፤ በቲ ዝርኣይዎ ከምዝሰንበዱን’ዮም ንኤፍቢኣይ ቃል ሂቦም።

ኣብ ነሓሰ 2020 ሓደ ካብቶም ፓይሎት ናብ ክፍሊ ምቁጽጻር በረራታት ሎስ ኣንጆለስ “ሓደ ናይ ሰብ ቅርጺ ዘሎዎ ነገር ክርኢ ጸኒሐ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ተረኛ ክፍሊ ምቁጽጻር በረራታት ሎስ ኣንጆለስ ነቲ ፖይሎት ክስንብድ ከምዘይብሉ ብምርግጋእ ጸብጻቡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ጥቅምቲ 2020’ውን ካልእ ፓይሎት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሎስ ኣንጆለስ ንሰሜናዊ ምዕራብ 11 ኪሎሜተር ኣብ ዘሎ ቦታ ተመሳሳሊ ነገር ምርኣዩ ምስክርነቱ ሂቡ።

ኣብ ሓምለ 2021 ኸኣ፡ መራሒ ነፋሪት ቦይንግ 747 ኣብ ሰማይት ሎስ ኣንጀሎስ ኣብ 5000 ፊት ብራኸ ተመሳሳሊ ምስሊ ምርኣዩ ምስ ሓበረን ማዕከናት ዜና ምስ ኣቐለሐኦን ኣብ ብዙሓት ሻቕሎት ክፈጥር ጀሚሩ።

ንሓደ ዓመት ጽዑቕ መርመራ ክገበሩ ዝጸንሑ ሰብ መዚ ኣቭየሽን ፌድራል ኣመሪካ (FAA) ካልእ ነቲ ምስሊ ዝረኣየ ሰብ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም።

ውሃቢ ቃል ብዓል መዚ ኣቭየሽን ፌዴራል ኣመሪካ “ምስ ኤፍቢኣይ ብምዃን እኹል መርመራ ክንገብር ጸኒሕና ኢና፡ እንትርፎ ፍሕኛ እዩ ዝኸውን ዝብል ግን ካልእ ዝረኸብናዮ ነገር የለን” ኢሉ።

ብማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብዚ ሰሙን ዝተዘርገሐ ምስሊ፡ ሓደ ኣንሳፋፊ ኣካል ኣብ ልዕሊ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ እናኣንሳፈፈ እንከሎ ይርአ።

እቲ ስእሊ ብናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዝተሰኣለ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ እዋን ዕለተ ትንሳኤ ሙታን [Halloween] ከምኡ’ውን ካልኣይ ፓይሎት ሓደ ምስሊ ናይ ሰብ ዘለዎ ነገር ኣብ ሰማያት ሎስ ኣንጆለስ ከምዝርኣየ ምስ ሓበረ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝተሰኣለ እዩ።

እንተኾነ ኤፍቢኣይ፡ ነቲ ከምዚ ተጠርጢሩ ዘሎ ፍሕኛ ዘፍሪ ትካል ኣብ ዝተወከሰሉ፡ እቲ ፍሕኛ ልዕሊ ደቃይቕ ዘጽንሖ ንፋስ ኮነ ነዳዲ ኣብ ውሽጡ ከምዘይግበረሉን ንሰማይ ነዊሕ ርሕቀት ክኸይድ ከምዘይክእልን ኣረጋጊጹ።