35 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኩሊት ዝተኣለየሉ እንግሊዛዊ

ምንጪ ስእሊ, WARREN HIGGS
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነባራይ ዝኾነ ሓደ ውልቀሰብ፡ ክልቲኡ ኩሊቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ገዚፍ ብምዃኑ ክእለየሉ ከም ዝኸኣለ ሓካይም ገሊጾም።
ወዲ 54 ዓመት ዋረን ሂግስ፡ ብሓፈሻ 35 ኪሎ ግራም ዝምዘን ክፋል ኣካሉ ካብ ሰብነቱ ንምእላይ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ተኻይድሉ።
ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት እቲ ውልቀሰብ፡ ኩሊቱ ዛጊድ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኾነን ክብረወሰን ከም ዝሓዘን ተፈሊጡ።
ኣቦ ሓደ ቖልዓ ዝኾነ እዚ ውልቀሰብ፡ ፖሊሲስቲክ ብዝተባህለ ዓይነት ሕማም ኩሊት ዝተጠቕዐ ኾይኑ፡ 'ብዝኾነ መዐቀኒ እንተዝልካዕ' ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኩሊት ዘለዎ ሰብ ከም ዝኾነ እቶም ሓካይም ተዛሪቦም።
ኣብ ከብዱ ምስ ዘሎ ግዝፈት እንትረአ፡ ኣፈላላዩ ዘገርም እዩ ድማ ኢሎም እቶም ሓካይም።
ካብ እንግሊዝ ዊንድሶር ዝመጽአ ሂግስ፡ እቲ ኣዝዩ ገዚፍ የማነይቲ ኩሊቱ 15 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮይኑ፡ ካልእ 5 ኪሎ ግራም ዝምዘን ተደራቢ ፈሳሲ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ተረኺቡዎ ተባሂሉ።
ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ኩሊት ኣብ ህንዲ ብመጥባሕቲ ዝተኣለየ፡ 7.4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮይኑ እዚ ናይ ሕዚ ድማ ብብዙሕ ዕጽፊ ካብዚ ዝገዝፍ ብምዃኑ ነቲ ክብረወሰን ኣማሒሽዎ ተባሂሉ።
"እቲ ክብደት እንትልካዕ፡ ምስቲ ሒዝዎ ዝነበረ ፈሳስን እቲ ፈሳሲ ምስተኣለየለይን ነቲ ክብረወሰን ኣማሒሸዮ እየ" ኢሉ።
ፒኬዲ ኣብ ውሽጢ ኩሊት ሲስቲክ ዝተባህለ ፈሳሲ ዝተመልኡ ኸረጺታት ክፍጠሩ ምኽንያት ይኸውን ተባሂሉ።
እዚ ቅድሚ ሓሙሸተ ዓመት ብዓሌት ዝተመሓላለፈ ሕማም፡ እቲ ኩሊት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ 5 ዕጽፊ ክዓቢ ምኽንያት ከም ዝኾነ እቶም ዶኳትር ተዛሪቦም።
እቲ ኩሊት ከብዱ፣ ሳንቡኡን ልቡን ክጉድእ ስለ ዝጀመረ እዩ እዚ ህጹጽ መጥባሕቲ ተኻይድሉ ተባሂሉ።
ብተወሳኺ ዓቢ ናይ ከብዲ ሕብጠት ዝፈጠረሉ ኮይኑ፡ እቲ መጥባሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ተኻየደሉ ሕዚ ዓቢ ለውጢ ኣርእዩ ድማ ኢሎም።
እቲ ውልቀሰብ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ስፖርት ጂምናዝየም ዝተመልሰ ኾይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ብኤሌክትሪክ ብስክሌት ትሪያትሎን ዝብሃል [ጉያ፣ ሓመሳን ሳይክልን ዘካተተ] ውድድር ንምስታፍ ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
እዚ ናይ ሒሳብ በዓል ሞያ ውልቀሰብ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ዘካይዶ ዲያሊሲሰ [ሕጽበት ኩላሊት ] ግና ጉድኣት የብጸሐሉ ከም ዘሎ ይዝረብ።
"ሕጽበት ኩሊት ምግባር ክንደይ ዝኣክል ከቢድ ከም ዝኾነ ምግላጽ ይኸብደኒ" ኢሉ።
ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንኩሊት ናይ ምትካእ ሕክምና ብቑዕ ኾይኑ ከም ዝምዝገብ ተስፋ ይገብር ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







