ዘገርም ዛንታ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ናይጄርያዊ ስደተኛ

ወዲ ሸሞንተ ዓመት ናይጄርያዊ ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, Oluwatoyin Adewumi

እዚ ብ'ታኒ' ዝጽዋዕ ቘልዓ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተወ 'ሕማም' ቸስ ሓዞ፣ ድሕሪ ትምህርቲ ምሸተ-ምሸት ናይ ኣቦኡ ላፕ-ቶፕ ተጠቒሙ ቸስ ክጻወት ጀመረ።

ክእለቱ ዘስተብሃለት ኣዲኡ ኣብ ሓደ ቸስ-ክለብ ከተመዝግቦ ደለየት። ኣባል ናይቲ ክለብ ምዃን ግን ገንዘብ ስለ ዝሓትት ኣዲኡ እቲ ክፍሊት ክምሕሩዎ ነቲ ክለብ ጸሓፈትሎም፣ ተቐበሉዎ ኸኣ።

ታኒ ተገዲሱ ቸስ ክጻወት ጀመረ። ኣብ ዉሽጢ ሓደ ዓመት ከኣ ዓቕሙ ክብ ኣበለ። ኣብ ምድብ ቈላዑ መላመድን መባእተኛ ክፍልታትን ተመዝጊቡ ኸኣ ልምምድ ቀጸለ።

እቲ ሓላፊ ናይቲ ክለብ ፍሉይ ክእለት ታኒ ብምዕዛብ ፍሉይ ቆላሕታ ኣንበረሉ፣ ኣብ'ቲ ብከተማ ኒው-ዮርክ ዝግበር ውድድር ከኣ ንክሳተፍ መዝገቦ።

ታኒ ካብ'ቶም ርኹባትን ሰብ ምሉእ-ዕጥቅን መወዳድርቱ ጸብለል ብምባል ሻምፒዮን ዀይኑ ይርከብ።

ነበርቲ ከተማ ኒው-ዮርክን ካልኦት ቦታታትን ብዝቐረበሎም "ሓገዝ ንታኒ" ዚብል ጻውዒት ግብራዊ መልሲ ስለ ዝሃብሉ ኣብዚ እዋን ልዕሊ $180,000 ዝኣክል ገንዘብ ተዋጺኡሉ ይርከብ።

በቲ ዝተዋጽአ ሓገዝ ታኒ ንስድራቤቱ ካብ መዕቈብ ስደተኛታት ኣውጺኡ ሓደ መንበሪ ቤት ክገዝኣሎም ወሲኑ።

ታኒ ኣብ'ቲ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ዚካየድ ሃገራዊ ውድድር ቸስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንክወዳደር ኣብ ምቅርራብ ይርከብ።

"ኣብ ህይወተይ ክልተ ሽቶታት ኣሎዉኒ" ይብል ታኒ። "እታ ቀዳመይቲ ሽቶይ እቲ ብዕድሜ ዝነኣሰ ቸስ-ግራንድማስተር (ሻምፕዮን-ሻምፕዮናት) ክኸውን፣ ካልአይቲ ሽቶይ ከኣ ስድራይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተቐባልነት-ዑቕባ ረኺቦም ብሰላም ክነብሩ ምውሓስ" ይብል ታኒ።