ትራምፕ፡ ፕረዚደንታዊ ውድድር 2024 ብሽዱሽተ ምኽንያታት ክኸብዶ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ ንሳልሳይ ግዜ ተኸታታሊ ፕረዚደንታዊ መረጻ ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ። እዚ፡ ሓደ መራሒ ኣሜሪካ ነበር ኣብ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እንደገና ክወዳደር ሳሕቲ ዝርአ እዩ። ሓገዝቲ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ መስርሕ ጐስጓስ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበሮ ዝያዳ ነቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ክመስል እዩ ከምዝበሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ 2016፡ ሚስተር ትራምፕ መጀመርታ ንመወዳድርቱ ሪፓብሊካን ስዒሩ፡ ድሕሪኡ ነታ ንሳልሳይ ተኸታታሊ ግዜ ንውድባ ዋይት ሃውስ ክተዐውት እትደሊ ዝነበረት ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ብጸቢብ ውጽኢት ስዒርዋ እዩ።
ዘየተኣማምን ዓወት ይኵን እምበር፡ ሚስተር ትራምፕ ከም ሕጹይ ዘለዎ ዘይከሓድ ብቕዓት ዘርኢ እዩ።
ንሱ፡ ኣየኖት ጉዳያት ንዓቃባውያን ኣገደስቲ ከምዝዀኑ መዳርግቲ ዘይብሉ ስምዒት ኣለዎ። እቲ ዘይግመትን ዘቃጽልን ኣዘራርባኡ ንሽፋን ዜና ክድርኽን መወዳድርቱ ትዅረት ከይረኽቡ ክገብርን ይኽእል።
ትራምፕ እሙናት ደገፍቲ ኣለውዎ። ብዙሕ ዘይሳተፉ ኣሜሪካውያን’ውን ንኽመርጹ ክድርኾም ይኽእል እዩ። ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዙሓት ካብቶም ደገፍቱ ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ስልጣን ኣለዎም።
ከምኡ ኰይኑ እውን፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ዕማም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን እዩ ዝብል ግምታት ኣሎ። ካብቶም ምኽንያታት እቶም ሽዱሽተ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ተመኵሮ ሒዙ እዩ ክወዳደር
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ትራምፕ ባዶ ፖለቲካዊ ቀመር እዩ ነይሩ። ከም በዓል ስልጣን ተመኵሮ ስለዘይነበሮ፡ ሰፊሕ መብጽዓታት ክኣቱ እንከሎ ነቐፍቲ ሕሉፍ ጉድለታትን ውድቀታትን ከመዛዝኑ ኣይክኣሉን እዮም ነይሮም።
ሕጂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ምቕናስ ግብሪን ምምሕያሽ ገበናዊ ፍትሕን ዝኣመሰሉ ገለ ፍሉጣት ናይ ፖሊሲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ይዅን እምበር ገለ ጐሊሖም ዝረኣዩ ውድቀታት እውን ነይሮም።
ሪፓብሊካን፡ ንዲሞክራሲያዊ ምምሕያሻት ክንክን ጥዕና ክስርዝ ዘይምኽኣሉን ብተደጋጋሚ ዝኣተዎም መብጽዓታት ወፍሪ ትሕተ ቅርጺ ፍረ ዘይምርካቦምን ክዝክሩ እዮም። ኣብ ልዕሊ 'ዚ ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መጥቃዕቲ ከስዕበሉ ይኽእል እዩ።
ዲሞክራትስ፡ ንነዊሕ እዋን ንዝሃቦ ግብረ መልሲ እኹል ኣይኮነን ክብሉ ይነቕፍዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ የማናውያን ግን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንጻዕርታት መንግስቲ ከምዝደገፈ ዝኣምኑ ኣለዉ።
2. ጽላሎት 6 ጥሪ
ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ኣብ ዝነበሮ ፖሊሲ ጥራይ ተመስሪቱ ኣይኮነን ዝወዳደር። ኣገባብ ምሕደራ መወዳእታ ፕረዚደንትነቱ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብ 6 ጥሪ ኣብ ልዕሊ ካፒቶል ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝነበሮ ተራ ክከላኸል ክግደድ እዩ።
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ደገፍቱ ንካፒቶል ኣብ ዝዘመቱሉን ነቲ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ንግዚኡ ደው ከብሉን ከለዉ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዘንብዕ ጋዝ ባነራት ትራምፕ እናወዛወዙ ዝረኣዩ ምስልታት፡ ብቐሊሉ ዝርስዑ ኣይኰኑን።
እቲ መፋርቕ መረጻ፡ እቲ ኣብታ መዓልቲ ዘጋጠመን ከምኡ'ውን ሚስተር ትራምፕ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰሙናት ዝተዛረቦም ቃላትን ተግባራትን ሕጂ'ውን ኣብ ባህርያት መረጽቲ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ’ዩ።
ትራምፕ ውጽኢት ምርጫ 2020 ምቕባል ምእባዩ ምሉእ ብምሉእ ዝደገፉ ብዙሓት ሕጹያት ሪፓብሊካን ተሳዒሮም’ዮም። ብዙሓት ድማ ካብኣቶም ነቲ ውጽኢት ኣብ ምኽሓድ ብግልጺ ዘይተዛረቡ ኣብ ግዝኣታቶም ዝነበሩ ካልኦት ዝተሓተ ኣፈጻጽማ እዮም ኣርእዮም።
3. ሕጋዊ ጸገማት
ትራምፕ ካልእ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንምጅማር ኣዝዩ ዝተሃንጠየ ኰይኑ ዝረኣየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ብዙሕ ገበናውን ሲቪላውን መርመራታቱ ከም ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ብዝያዳ ውጽኢታዊ መንገዲ ንኽቐርጾ ስለዘኽእሎ እዩ።
እዚ ንዕላማታት ርክብ ህዝቢ ክሰርሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣብዞም ጉዳያት ሓቀኛ ሕጋዊ ተቓላዒ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጆርጅያ ንዝካየድ ገበናዊ መርመራ ምትዕንቓፍ መረጻ፡ ኣብ ኒውዮርክ ንዝርከብ ንግዳዊ ግዝኣቱ ዒላማ ዝገበረ ሲቪላዊ ምትላል፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ክሲ ጸለመ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መጥቃዕቲ ካፒቶልን ስልጣኑን ዝነበሮ ተራን ፕረዚደንታዊ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ ንብረት ዝምልከት ፌደራላዊ መርመራታትን ይከላኸል ኣሎ።
ዝዀነ ካብዞም መርመራታት፡ ኣብ ኣርእስታት ዜና ዝዕብለልን እንተወሓደ ንግዚኡ ንመደባት ጐስጓስ ሚስተር ትራምፕ ካብ መገዲ ዘውጽእን ምሉእ መስርሕ ፍርዲ ከስዕብ ይኽእል።
ንዕኡ እቲ ዝበለጸ ተርእዮ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ምዝንባል እንተዀይኑ እዩ። ዝኸፍአ ተርእዮ ድማ ሰፊሕ ፋይናንሳዊ መቕጻዕቲ ወይ ማእሰርቲ ዘጠቓልል ምስ ዝኸውን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4. ዝኸበደ ተወዳዳሪ
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ውድድር ፕረዚደንታዊ ሪፓብሊካን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ትራምፕ ምስ ሓደ ናይቲ ሰልፊ ፍቱው ተባሂሉ ዝሕሰብ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ እዩ ተፋጢጡ። ጀብ ቡሽ ግን ኣብ ባይታ ጥንኩር ተወዳዳሪ ከምዘይነበረ ኣመስኪሩ።
ዓቢ ጐስጓስን ወዲ ቀዳማይ ጆርጅ ቡሽ ምዃኑን እኹል ኣይነበረን። ምስቲ ናይ ሪፓብሊካን ፖሊሲ ኢሚግሬሽንን ትምህርትን ብሓባር ዝስጉም ኣይነበረን። እቲ ቡሽ ዝብል ስም ድማ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝነበሮ ሓይሊ ኣይተሰከመን።
ትራምፕ ኣብ 2024 ሕጹይነት እንተደልዩ፡ ዳግማይ ምስ ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ክፋጠጥ ክግደድ ይኽእል እዩ።
ሮን ደሳንተስ ግን ዘይከም ሚስተር ቡሽ፡ ምስቶም ቀንዲ ደገፍቲ ውድቡ ዝሰማማዕ ምዃኑ ዝሕብር ዕዙዝ ዓወት ዳግማይ መረጻ እዩ ተዓዊቱ። ገና ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ክፍተን’ኳ እንተዀነ፡ ፖለቲካዊ ህቡብነቱ ግን ገና ይውስኽ እዩ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሚስተር ዲሳንተስ ክወዳደር ድዩ ኣይወዳደርን ወይስ መን ካልእ ተወዳዳሪ ክህሉ እዩ ዝብል ንጹር ኣይኮነን።
ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ፡ ኣብ መንጐ እቶም ንትራምፕ ካልእ ዕድል ንምሃብ ዘይግደሱ ኣባላት እቲ ሰልፊ ተመራጺ ኮይኑ ክቕልቀል ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተዀይኑ፡ መረጽቲ ሪፓብሊካን፡ ቅድሚ ሕጹይነት ምርካቡ ንትራምፕ ደው ከብሉ ዝሓሸ ዕድል ክረኽቡ ይኽእል እዮም።
5. ወዮታት ተፈታውነት
ኣብ ዋዜማ ፕረዚደንታዊ ምልክታ ትራምፕ፡ ሓደ ዓቃባዊ ጕጅለ ተኸታታሊ መረጻታት ኣውጺኡ ነይሩ፤ ኣብ ኣዮዋን ኒው ሃምፕሻየርን ዝበሃላ ምዃነን ከኣ ይፍለጥ። ደሳንተስ ብ ተፈታውነት ንትራምፕ ብኽልተ ኣሃዝ ይመርሖ ከምዘሎ እቲ ውጽኢት የመልክተ።
እተን ግዝኣታት ኣብ መጀመርታ መስርሕ ሕጹይነት ሪፓብሊካን ድምጺ ዝህባ እየን።
ሚስተር ደሳንተስ ኣብ ፍሎሪዳ ብ26 ነጥቢ፡ ኣብታ ኣብ ታሕሳስ ካልኣይ መረጻ ሰነት ተካይድ ጆርጅያ ድማ ብ20 ነጥቢ መሪሑ። ኣብ ኵለን እዘን ግዝኣታት፡ ቁጽሪ ሚስተር ትራምፕ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣዝዩ ዝወረደ እዩ።
ኣብተን ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ፕረዚደንትነት ንምርግጋጽ ክዕወት ዘድልያኦ ወሰንቲ ግዝኣታት ሓዊስካ፡ ትራምፕ ብዙሕ ተፈታዊ ከምዘይኮነ ሓጺር ዳህሳስ መረጻታት መፋርቕ የመልክት።
ኣብ ኒው ሃምፕሻየር ትራምፕ ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ከምዝደልዩ ዝገለጹ 30 ሚእታዊ መረጽቲ ጥራይ እዮም። ኣብ ፍሎሪዳ ከይተረፈ እቲ ቁጽሪ ናብ 33 ሚእታዊ ጥራይ እዩ ደይቡ።
ብርግጽ ትራምፕ ኣብ 2015 እውን ብዛዕባ ሕጹይነቱ ዝነበረ ጽሩይ ኣሉታዊ ኣረኣእያታት ሰጊሩ እዩ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ፖለቲካ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ እቶም ኣረኣእያታት ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ምቕያር ተኽእሎኦም ኣዝዩ ውሑድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
6. እርጋን
ንፕረዚደንትነት እንተ ተዓዊቱ ትራምፕ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ዕድመኡ 78 ዓመት እዩ ክኸውን። እዚ ድማ ጆ ባይደን ናብ ዋይት ሃውስ ክኣቱ ከሎ ዝነበሮ ዕድመ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ካልኣይ ዝዓበየ ፕረዚደንት ክገብሮ እዩ።
ግዜ ንዝተፈላለዩ ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጸሉ፤ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጾር ዕድመ ግን ዘይተርፍ እዩ።
ትራምፕ ንሕጹይ ሪፓብሊካን ንምዕዋት ዘድሊ ዓይነት ጽኑዕ ጎስጓስ ክጻወር ከምዝኽእል ውሕስነት የለን፣ ብፍላይ ድማ ምናልባት ምስ ኣዝዮም ንኣሽቱ ሕጹያት ክወዳደር እንተዀይኑ ክኸብዶ እዩ።
ሚስተር ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘደንቕ ጽንዓት ኣርእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግን ደረቱ ኣሎዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







