ኣሜሪካ፡ ዲሞክራትስ ንሰነት ተቘጻጺሮም

ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ መረጻ መፋርቕ ኣሜሪካ፡ ዲሞክራትስ ኣብ ግዝኣት ኔቫዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣገዳሲ ውድድር ድሕሪ ምዕዋቶም ኣብ ልዕሊ ሰነት ‘ታ ሃገር ኣብዝሓ ድምጺ ተቘጻጺሮም።

ሰነተር ካትሪን ኮርተዝ ማስቶ፡ ነቲ ብዶናልድ ትራምፕ ዝድገፍ ዝነበረ መወዳድርታ ሪፓብሊካን ኣዳም ላክሳልት ክትስዕሮ ኣቐዲሙ ዝተገመተ እዩ ነይሩ።

እቲ ውጽኢት’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዝመዝግቦ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ዝበለጸ ኣፈጻጽማ መፋርቕ ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

ኣብ መፋርቕ እብረ ኣብ ዝግበር መረጻ ኣሜሪካ፡ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ተሪር ብድሆ ከጋጥሞ እዩ ዝርአ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣመና ሕጕስ ምዃኑን፡ ሪፓብሊካን "መን ምዃኖም" ክውስኑሉ ግዜኡ ምዃኑን ተዛሪቡ።

ኣቦ መንበር ዲሞክራት ኣብ ሰነት ቻክ ሹመር፡ እዚ ውጽኢት ህዝቢ ኣመሪካ ነቲ ንሱ "ዓመጽ ዝመልኦ” ዝበሎ መደረታት ሰልፊ ሪፓብሊካን ከምዝነጸገ ዘንጸባርቕ'ዩ ኢሉ።

በዚ ውጽኢት መሰረት፡ ዲሞክራትስ ሕጂ 50 መናብር ሰነት ክህልዎም እንከሎ፡ ሪፓብሊካን ድማ 49 መናብር ኣለዎም።

እታ ዝተረፈት መንበር ግዝኣት ጆርጅያ ኣብ ታሕሳስ ብዝካየድ መረጻ ካልኣይ እንብረ ክትውሰን እያ። ሰነት ኣብ ክልቲአን ሰልፍታት ማዕረ እንተተመቒሉ፡ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ድምጺ ክትህብ እያ።

ኣብ ሓያለ ዞባታት መረጻ፡ ካብ ሰሉስ ኣትሒዙ ውጽኢት ኣብ ዝቝጸረሉ ዘሎ እዋን፡ ሪፓብሊካን ገና ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናይ ምቝጽጻር ተክእሎ ከም ዘለዎም እዩ ዝንገር።

ስለዚ፡ ሪፓብሊካን ኣብቲ ባይቶ እንተተዓዊቶም ንመብዛሕትኡ ኣጀንዳ ፕረዚደንት ባይደን ከፍሽልዎ ይኽእሉ እዮም። 

ባይደን፡ ኣብ ካምቦድያ ኣብ ሓደ ዋዕላ ኣብ ዝሳተፈሉ ዘሎ እዋን፡ "ዝተረኽበ ድምጺ ኣይገርመንን እዩ፤ ኣመና ተሓጕሰ ኣለኹ፡ እዚ ድማ ነጸብራቕ ብቕዓት ሕጹያትና'ዩ ኢለ እኣምን" ኢሉ።

ሚስተር ሹመር ብወገኑ፡ እታ ሃገር "ኣብ ዲሞክራሲና ኣምኒንና ክሳብ ዝተቓለስናሉ፡ ዲሞክራሲ ከም ዝስዕርን እያ ኣርእያ" ኢሉ።

ሚስ ኮርተዝ ማስቶ ኣብ ምሉእ እቲ መረጻ ምስ መነሓንሕታ ኣዳም ላክሳልት ሓያል ምትሕንናቕ እያ ኣካይዳ።

እዚ ኣባል ሪፓብሊካን፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንዝተሳዕረ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ኣብ መረጻ ምትላል ነይሩ እዩ ዝብል ዘቕረቡ ክሲ ብምድጋፍ ግኑን ስም ዝረኸበ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ሓደ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ሚስተር ላክሳልት ምስቶም ኣብ ነቫዳ ሓደ ሕምሲት መራጾ ዝሽፍኑ ላቲናውያን ንቕድሚት ክወጽእ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ።

እንተዀነ ሚስ ኮርተዝ ማስቶ ዓወታ ከተረጋግጽ፡ ማዕረኡ ድማ ሰልፋ ሰነት ክቈጻጸር ኣኽእሊላ እያ።

እዚ ውጽኢት ነቶም "ቀይሕ ማዕበል" ብዝብል፡ ንፕረዚደንት ባይደንን ሰልፊ ዲሞክራትታትን ተሪር መግናሕትን ውድቀትን ዘስዕብ መረጻ ክኸውን - ተስፋ ዝገበሩ ሪፓብሊካን ዓቢይ ጽፍዒት'ዩ።

ኣብዚ መረጻ፡ ሪፓብሊካን ትሑት ውጽኢት ረኺቦም ግን ከኣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምዕዋት ዘሎ ተኽእሎኦም ሒዞም ክቕጽሉን እንከለዉ፡ ዲሞክራት ግን ካብቲ ትጽቢት ወጻኢ ዝበለጸ ኣፈጻጽማ ኣመዝጊቦም። 

ካትሪን ማስቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰነተር ካትሪን ኮርተዝ ማስቶ፡ ዘመዝገበቶ ዓወት ብፕረዚደንት ባይደን ሞጐስ ረኺቡ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ከምዝተዓወተ ብሓሶት ክገልጽ ዝጸንሀ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ መረጻ መፋርቕ እውን ጭብጢ ዘይብሉ ቃላት ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ።

ንሱ ብዓርቢ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝርግሖ መልእኽቲ፡ "ዲሞክራትስ ኣብ ኔቫዳን ኣሪዞናን ኩሉ ዓይነት ድምጺ ይረኽቡ ኣለዉ። እዚ ክኸውን ምፍቃ ግን ከመይ ዝበለ ነውሪ እዩ!" ክብል ጽሒፉ።

ሚስተር ትራምፕ ኣብ 2024 ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ይግበር፤ እንተዀነ እቶም ንሱ ዝደገፎም ሕጹያት፡ ብሓፈሻ ኣብዚ መፋርቕ ምርጫ ከምቲ ዝድለ ዘዕግብ ውጽኢት ኣየመዝገቡን።

ንግዝኣት ሚዙሪ ዝውከለ ሪፓብሊካን ሰነተር ጆሽ ሃውሊ፡ ድሕሪ ውጽኢት ሰነት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣረጊት ሰልፊ "ሞይቱ እዩ" ብምባል፡ ሓድሽ ነገር ዝግበረሉ እዋን ከምዝኣኸለ ገሊጹ።

መረጻ መፋርቕ ብቐንዱ ንኮንግረስ ዝምልከት ኰይኑ፡ ብኽልተ ክፋላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰነትን ዝቘመ እዩ።

ኮንግረስ ሃገር-ለኸ ሕግታት እዩ ዘውጽእ። ባይቶ ኣየኖት ሕግታት ድምጺ ከም ዝወሃቦም ይውስን፣ ሰነት ከኣ ይገትኦም ወይ የጽድቘም፤ብፕረዚደንት ዝወሃብ ሽመት የጽድቕ፣ ሳሕቲ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ዘድሊ መርመራ የካይድ።

እዚ ምሃብ ድምጺ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመትን ኣብ ፍርቂ ‘ቲ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ዝካየድ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ኣሜሪካ፡ ንሽዱሽተ ዓመት ኮፍ ዝብሉ ክልተ ሰነተራት ኣሎዋ፤ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንኽልተ ዓመት ዝገልግሉ ካብ ንኣሽቱ ምምሕዳራት ዝውከሉ እዮም።

ኵሎም መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሓደ ሲሶ መናብር ሰነትን፡ ኣብዚ መረጻ መፋርቕ ንውድድር ክፉት ኰይኑ ነይሩ።

ሓያሎ ዓበይቲ ግዝኣታት ገና መረጻ ኣመሓደርቲን ሰበስልጣን ከባቢን ከም ዘለወን ከኣ ተፈሊጡ’ሎ።