ባይቶኣዊ መረጻታት ኣሜሪካ፡ ሚዛን ሓይሊ ኮንግረስ ኣብ ዘይርጉጽ ኩነታት ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድምጺ 'መረጻታት መፋርቕ' ኣብ ዝቑጸረሉ ዘሎ እዋን፡ ሪፓብሊካንን ደሞራስያውያንን ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዓብላልነት ንምርካብ ጽዑቕ ውድድር የካይዱ ኣለዉ።
ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሪፓብሊካን ከም ዝዕወቱ ዝተገመተ እኳ እንተኾነ፡ ንላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ዝግበር ቃልሲ ግን ኣብ ኣዝዩ ሓያል ወጥሪ እዩ ዘሎ።
ባይቶ ኣሜሪካ ክልተ ክፋላት ኣለዎ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰነትን።
ሪፓብሊካን "ብልዑል ድምጺ" ከም ዝዕወቱ ተስፋ ገይሮም ነይሮም። እንተኾነ ግን ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ከባቢታት መን ከም ዝዕወት ምግማት ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ዲሞክራትስ ኣብ ክፍለሃገር ፔንስልቨንያ ኣብ ዝተኻየደ ወሳኒ ውድድር ሰነት ተዓዊቶም እኳ እንተኾኑ፡ ሪፓብሊካን ግን ነቲ ላዕለዋይ ባይቶ ንምቁጽጻር ብሓፈሻ ሓንቲ ተወሳኺት መንበር ጥራይ ምዕዋት ይኣኽሎም እዩ።
ዋላ እኳ ዲሞክራትስ ገለ ብርቱዕ ውድድር የካይዱ እንተሃለዉ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ሕጂ’ውን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝዕወቱ ይግመት።
ኩሎም እቶም 435 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ካብቶም 100 መናብር ሰኔትን እቶም 34ን ኣሻወምቲ እዮም። ኣባላት ባይቶ ንህዝቢ ከባቢኦም ክውክሉ እንከለዉ፡ ሴናተራት ድማ ንረብሓ ግዝኣታቶም ይውክሉ።
ካብ ውሑዳት ሚእታዊ መረጽቲ ዝተወስደ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ ዝዓበየ ስክፍታታት መረጽቲ ዝቕባበ (ቁጠባን ዋጋ ገንዘብ ምንካይን) እዮም።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ዋላ’ኳ ንውድድር እንተዘይቀረበ፡ እቲ ውጽኢት ባይቶኣዊ መረጻታት ንዕጫ ኣጀንዳኡ ዝቐርጽ እዩ። ዲሞክራትስ ኣብ ባይቶ ይኹን ኣብ ሴኔት ሚዛን ሓይሊ እንተዘይረኺቦም፡ ሪፓብሊካን ንመደባቱ ክዓግትዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ባይደን ሕግታት ኣብ ምጽዳቕ ከቢድ ብድሆ ክገጥሞ እዩ።
ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝደገፎም ገለ ሕጹያት ኣይተዓወቱን።
ኣብ ፔንስልቨንያ እቲ ብትራምፕ ዝድገፍ ፍሉጥ ዶክተር መህመት ኦዝ፡ በቲ ወቕዒ ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ጸጋማዊ ዲሞክራት ጆን ፌተርማን ተረቲዑ’ሎ።
ኣብ መንጎ ዲሞክራት ራፋኤል ዋርኖክን ሪፓብሊካን ሄርሸል ዎከርን ኣብ ጆርጅያ ዝካየድ ካልእ ወሳኒ ውድድር ሴነት፡ ኣብ ኣዝዩ ሓያል ወጥሪ እዩ ዘሎ።፡ ክልቲኦም ሕጹያት ልዕሊ 50 ሚእታዊ ድምጺ እንተዘይረኺቦም ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ካልኣይ ዙር መረጻ ክወዳደሩ ይኽእሉ’ዮም፣
ኣብ ዊስኮንሲን፡ ኣሪዞናን ኔቫዳን ዝካየድ ወሰንቲ ውድድራት ሰነት'ውን ውጽኢቶም ገና ኣይተፈልጠን።
ስለዚ፡ ሚዛን ሓይሊ ባይቶ ኣሜሪካ ዝሕዝ ሰልፊ ከይተፈልጠ ንመዓልታት፡ ወይ’ውን ንሰሙናት ከይተረፈ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ ማለት’ዩ።
መረጻ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት እውን ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ተኻይዱ እዩ። ሪፓብሊካን ኣብተን ወሰንቲ ግዝኣታት ቴክሳስ፡ ፍሎሪዳን ጆርጅያን ተዓዊቶም ኣለዉ።
ኣብ ፍሎሪዳ ደሳንቲስ፡ ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዘዳልዎ ዓቢ ዓወት ብምምዝጋብ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ። ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ነቲ ኮኾብ ሪፓብሊካን "ሮን ዲሳንክቲሞኒየስ" ብምድጋፍ ሮን ደሳንቲስ ንከይወዳደር ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጆርጅያ ሕጽይቲ ዲሞክራት ዝኾነት ስቴሲ ኣብራምስ ብሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ ብራያን ኬምፕ ተሳዒራ'ላ።
ምንጻል ጥንሲ ንዲሞክራት መረጽቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ሪፓብሊካንን ነጻ ውልቀሰባትን ግን ዝቕባበ ቀንዲ ስክፍታኦም ከምዝኾ እቲ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ኣብ ውሑዳት ሚእታዊ መረጽቲ ዘካየዶ ዳህሳስ የመልክት።
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸፍአ ምንካይ ዋጋ ገንዘብ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ዋላ’ኳ ባይደን ዋጋታት ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒታት እንተነከየ፡ ጽሩይ ጸዓት እንተስፍሐን ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር እንተተሓደሰን፡ ዝነበሮ ደገፍን ተቐባልነትን ግን ይንኪ ኣሎ።
ሪፓብሊካን’ውን፡ ብዓቃባውያን ዝዕብለል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ዓመት ንሕገ መንግስታዊ መሰል ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ተቓላዕነት ኣለዎም።
ኣብ ሰሉስ ኣብ ቬርሞንት፡ ካሊፎርንያን ሚቺጋንን ዝርከቡ መረጽቲ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቅዋማት ግዝኣታቶም ክሰፍር ዝወሰኑ እንትኾን፡ እዚ ኣብ መጻኢ፡ እቲ ሓጋጊ ኣካል ገደብ ንምትእትታው ዝገብሮ ጻዕሪ ዝዓግት እዩ።
ክፍለሃገር ኬንታኪ ብወገና፡ ምእላይ መከላኸሊ ምንጻል ጥንሲ ብዝምልከት መረጻ ንምክያድ ክትውስን እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







