ኣሜሪካ ኣብ ጓንታናሞ ቤይ ሒዛቶ ንዝጸንሐት ዝዓበየ እሱር ፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካ ኣብቲ ፍሉጥ ቤትማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ ዳርጋ ንዒስራ ዓመታት ቀዪዳቶ ንዝጸንሐት ፓኪስታናዊ እሱር ፈቲሓ ናብ ሃገሩ ኣፋንያ።
ወዲ 75 ዓመት ሰይፉላሕ ፓራቻ ኣብ ኣመሪካ ኣብ 2001 መስከረም 11 መጥቃዕቲ ምስተፈጸመ ድሕሪ ክልተ ዓመት'ዩ ተኣሲሩ።
ፓራቻ ንኣልቃይዳ ብገንዘብ ትሕግዝ ኢኻ ብዝብል ጥርጣረ'ኳ ኣብ ቀይዲ እንተኣተወ፡ ክሳብ መወዳእታ ክሲ ከይቀረበሉ'ዩ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ። ንሱ ግን ክሳዕ መወዳእታ ‘ንጹህ’የ’ እንዳበለ ጸኒሑ።
እቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ስዒቡ ኣሜሪካ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጥርጡራት፡ ኩባ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ዳጕናቶም ነይራ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ በይ ተኣሲሩ ዝነበረ ፓኪስታናዊ ሰይፍላሕ ፓራቻ ተፈቲሑ ትማሊ ቀዳም ዕለት 29 ጥቅምቲ ናብ ፓኪስታን ኣትዩ” ኢሉ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ “ኣብ ወጻኢ ተኣሲሩ ዝነበረ ዜጋና ተፈቲሑ ኣብ መወዳእታ ምስ ስድርኡ ብምርኻቡ ሕጉሳት ኢና” ክብል ገሊጹ።
ጠበቓ ናይቲ ዝተፈትሐ ፓኪስታናዊ፡ ክሊቭ ስታፎርድ ስሚዝ ዓሚሉ ንኽፍታሕ ስለምንታይ ክንድዚ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ።
እቲ ጠበቓ ኣስዒቡ “ክፍታሕ ከምዘለዎ ካብ ዝውሰን ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑዎ’ሎ፣ ሽዑ ተስፋ ቆሪጹ ደርፊ ይደርፈለይ ነይሩ። ትሕዝቶ ግጥሚ እቲ ደርፊ ድማ ክትኣትዎ እትኽእል ክትወጽኦ ግና ዘይከኣል ዝብል’ዩ ነይሩ” ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ።
ፓራቻ ኣብ 2003 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ብቤትጽሕፈት ምርመራ ኣሜሪካ [ኤፍቢኣይ] ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ታይላንድ'ዩ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ትምህርቱ ዝተኸታተለ ሰይፉላሕ ፓራቻ፡ ብሰብ ስልጣን ኣሜሪካ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልቃይዳ ኦሳማ ቢን ላደንን ካልድ ሸክ መሓመድን ርክባት ከምዝነበሮ’ዩ ተኸሲሱ ነይሩ።
ፓራቻ ፓኪስታን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣመሪካ ባግራም ን14 ኣዋርሕ ምስተኣሰረ ናብ ጓንታናሞ ተዛዊሩ።
ሚስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ቤይ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ኣንጻር ግብረ ራዕዲ እተካይዶ ዝነበረት ኵናት ዝተትሓዙ ዘይሕጋውያን ዕጡቋት ትዳጉነሉ ቦታ’ዩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ክሲ ዘይቀረበሎም ቅዩዳት ክፍትሑን ጉዳይ ናይቶም ምስ ኣልቃይዳ ቀጥታዊ ርክብ ዝነበሮም ድማ ብቕልጡፍ ክርአን ጸቕጢ ይግበረሉ’ሎ።
ንዋና ቀላሲ መጥቃዕቲ 9/11 ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ካልድ መሓመድ ሓዊስካ 35 ሰባት ኣብ ጓንታናሞ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







