217 ግዜ ክታበት ኮቪድ ዝወሰደ ሰብኣይ

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

ሓደ ወዲ 62 ዓመት ጀርመናዊ ካብ ሕክማናዊ ማዕዳ ወጻእ ብዝዀነ 217 ግዜ ክታበት ኮቪድ ከም ዝተኸተበ ሓካይም ገሊጾም።

እቲ ክታበታት ኣብ ውሽጢ 29 ኣዋርሕ ብውልቂ ዝተዓደገን ዝተዋህበን ምዃኑ፡ ጸብጻብ መጽሔት ላንሰት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ይሕብር።

እቲ ውልቀሰብ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ሕማቕ ሳዕቤን ዘጋጠሞ ኣይመስልን ክብሉ ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኤርላንገን-ኑረምበርግ ገሊጾም።

መምህር እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኪሊያን ሾበር፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ጸብጻባት ጋዜጣታት ከም ዝሰምዑ ብምግላጽ፡ ድሕሪኡ ንዕኡ ብምርካብ ዝተፈላለየ መርመራታት ክገብር ከም ዝዓደምዎ ይዛረብ።

ንሱ ድማ፡ ኣብዚ ንምስታፍ “ኣዝዩ ተገዳስነት ነይርዎ” ይብል።

በዚ መሰረት ካብቲ ሰብኣይ ቅምሶታት ደምን ምራቕን ተወሲዱ። እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተዓቀበ ገለ ዝረግአ ቅምሶ ናቱ ደም መርሚሮም።

ዶክተር ሾበር፡ “እቲ ሰብኣይ ብገዛእ ርእሱ ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ተወሳኺ ክታበት ምስ ተዋህቦ፡ ባዕልና ቅምሶ ደም ክንወስድ ክኢልና ኢና። ነዞም ቅምሶታት ተጠቒምና ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ሰብነቱ ነቲ ክታበት ከመይ ከም ዝምልስ ብልክዕ ክንፈልጥ ክኢልና” ይብል።

ዓቃቢ ሕጊ ከተማ ማግደበርግ፡ መርትዖ ናይ 130 ካብቶም ክታበታት ክእከብ እንከሎ፡ ብክስታት ምትላል መርመራ’ኳ ጀሚሩ እንተነበረ ዝዀነ ገበናዊ ክሲ ግን ኣይተመስረተን።

ክታበታት ኮሮናቫይረስ ረኽሲ ከስዕቡ ኣይኽእሉን፤ ግን ድማ ንኣካላትና ነቲ ሕማም ከመይ ገይሩ ከም ዝቃለሶ ክምህሩዎ ይኽእሉ።

ስርዓተ ምክልኻል ሕማም

ክታበታት ‘መሰንጀር ራይቦኑክሊክ ኣሲድ’ (mRNA) ንዋህዮታት ኣካላት ካብቲ ቫይረስ ቁሩብ ጀነቲካዊ ኮድ ብምርኣይ ይሰርሑ።

ሽዑ እቲ ስርዓተ ምክልኻል ሰብነትና ኮቪድ ብጭቡጥ እንተጋጢምዎ ከመይ ገይሩ ከም ዝቃለሶ ኣለልዩ ክፈልጥ ይግባእ።

ዶክተር ሾበር፡ እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብተደጋጋሚ ልዕሊ ዓቐን ክለዓዓሉ ምግባር ንገለ ዋህዮታት ከድክሞም ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።

እቶም ተመራመርቲ ግን ኣብዚ ወዲ 62 ዓመት ሰብኣይ ዝዀነ መርትዖ ኣይረኸቡን። ብኮቪድ ተለኺፉ ከም ዝፈልጥ ዝሕብር ምልክት’ውን የለን።

እቶም ተመራመርቲ፡ “ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ንምዕባይ ልዕሊ ዓቐን ክታበት ምውሳድ፡ ከም ስትራተጂ ኣይንድግፎን ኢና” ኢሎም።

ውጽኢታት ናይቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወዲ 62 ዓመት ሰብኣይ ዝገበርዎ መርመራ ድማ፡ ኣይኰነን’ዶ ንህዝቢ ዝቐርብ ማዕዳታት፡ ኣብ ዝኰነ መደምደምታታት ንምብጻሕ እኹል ኣይነበረን።

“ሕጂ ዘሎ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሰለስተ ዶዝ ክታበት፡ ንተቓላዕቲ ጉጅለታት ምስ ዝወሃቡ ተወሳኺ ክታበት ተደሚሩ ተመራጺ ኣገባብ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ልዕሊ እዚ ክታበት ከም ዘድሊ ዝሕብር ምልክት ግን የለን” ይብል ኣብ መረባ-ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተሓትመ ፅሑፍ።

ኤንኤችኤስ: ክታበት ኮቪድ ኣብ ስሩዕ እዋን ዝወሃብ ኰይኑ፡ ኣዝዩ ዝደኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ገለ ሰባት ግን ኣብ ካልእ እዋን ተወሳኺ መከላኸሊ ከድልዮም ይኽእል እዩ ይብል።

ክታበታት ኮቪድ ጐናዊ ሳዕቤን ክክህልዎ ይኽእል እዩ፤ እቲ ልሙድ ዝዀነ ድማ እቲ መርፍእ ዘስዕቦ ቁስሊ ምናት’ዩ።