ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝውሃብ ሓበሬታ ሓቅን ሓሶትን ንምምማይ ዝጠቅም ሜላ

ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ መቸም ሞባይልኩም ክፍት ምስ ኣበልኩም ኣብ ፌስቡክ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ከምኡ'ውን ካብ መሓዝትኩም ዝልኣኸልኩም መልእኽቲ እቲ ዝበዝሐ ሕቶታት ንኮሮናቫይረስ ዝምልከት ኮይኑ ይጸንሓኩም ይኸውን።
ኣየናይ'ዩ ሓቂ ኣየናይ'ዩ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምምማይ ከኣ ትጽገሙ ትኾኑ።
እቲ ሓበሬታ ሓቂ እንተኾይኑ ሰናይ ነገር'ዩ፡ ስኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝኸውን ግን ሃስይኡ ቀሊል ኣይኮነን።
ዝኸፈአ ነገሩ፡ ንሕና'ውን ስኑዕ ሓበሬታ ምዃኑ ምስ ዘይንፈልጥ ናብ ካልእ ሰብ ስለነባጽሖ ልክዕ ከም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ናብ ሰብ ክላባዕ ግዜ ኣይወስደሉን'ዩ።
እሞ ስኑዕ ምዃኑ ከመይ ጌርና ኢና ክንፈልጥዶ ኢልኩም? ጸገም የለን፡ እንቋዕ ኣብዚ በጻሕኩም እምበር ስኑዕ ዜና ከመይ ጌርኩም ከምእተለልዩን ዝርገሕኡ ከመይ ጌርኩም ከምእትገትእዎን ክንሕብረኩም ኢና።
1-ደው ኢልና ንሕሰብ
ሓዲሽ ሓበሬታ ብኢመይል፡ ፌስቡክ፡ ትዊተር ወይ'ውን ብኻልእ መንገዲ ምስ መጽኣና፡ ንስድራና፡ ንመቕርብናን ንየዕርኹትናን ይጠቅም ብምባል ናብኦም ከምዝባጻሕ ንገብር ኢና።
ቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝኸውን ድንቂ ነገር'ዩ።
ስኑዕ ሓበሬታ ምስ ዝኸውን ግን፡ ከከም ክብደት እቲ ሓበሬታ ዘውርዶ ዕንወት ይፈላለ'ዩ።
ሰብ ሞያ፡ ሓበሬታ መጺኡና ቅድሚ ናብ ካልእ ሰብ ምስዳድና፡ ድው ኢልና ንሕሰብ፡ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ተወሳኺ ጭብጢ ንምርካብ ጻዕሪ ንግበር'ዮም ዝብሉ

2-ምንጭና ንፈትሾ
ሓበሬታ ምስ መጽኣና ቅድሚ ናብ ካልእ ሰብ ምስዳድና፡ ምንጪ እቲ ሓበሬታ ካበይ'ዩ ንበል።
እቲ ምንጪ ካብ ዓርኪ፡ ካብ ዘመድ፡ ካብ ሓደ ጎሮቤት ዝተረኸበ እንተኾይኑ ናብ ቀይሕ መስመር ትቐርቡ ምህላውኩም ይረዳእኩም።
ሰናዕቲ ሓበሬታት ምኡዝ ሓበሬታ ብምቅዳም'ዮም ናብቲ ዝደለይዎ ዕላማ ዘእትዉኻ።
'ኢድና ብግቡእ ንተሓጸብ' ኢሉ ይጅምር'ሞ ብዛዕባ እቲ ክሽየጠሉ ዝደለየ ሳምና፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ይከላኸል'ዩ ብምባል ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ ይነዝሕ።
ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝመደበሩ ስኑዓት ሓበሬታ ዝመሚ ትካል 'ፉል ፋክት' ምክትል ኤዲተር ክላራ ሚልነ "ስኑዓት ሓበሬታታት ተኣማንነቶም ንምድራዕ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሃቦ ምኽሪ፡ ማእከል ምክልኻል ምቁጽጻርን ሕማማት ዝለገሶ ማዕዳ ዝብሉ ድሙቓት መእተዊ'ዮም ዝጥቀሙ" ትብል።
እዚ እንተፈሊጥና፡ እቶም ሰናዕቲ ሓበሬታ ኣብ መሸንቆቛና ከምዝኣተዉ ንሕሰብ፡ እታ ዝበልዋ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ኣሎ ድዩ ኢልና ብምፍታሽ ኣኳሊምና ሓቅነቱ እንተ ኣረጋጊጽና፡ ኣኸለ።
3-ስኑዕ 'ኣካውንት' ክኸውን ይኽእል ድዩ? ንበል
ኣታለልቲ ሓቂ ስመስሉ ምስልታት ከጋጥሙና ይኽእሉ'ዮም።
ናይ ውልቀ ሰባትን ናይ ትካላትን ዋላ'ውን ከም ቢቢሲ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜናታት ኢለነኦ ተባሂሉ ልክዕ ከምቲ ናተን ኣርማ ምስሊ ወይ ስእሊ ዘለዎ ሕሳብ ወይ ኣካውንት ተጠቂሞም ሓበሬታ ዝስንዑ ሰባት ከምዘለዎ ምፍላጥ'ውን ኣገዳሲ'ዩ።
ሕጂ'ውን ነዞም ከምዚ ተግባር ዝፍጽሙ ሰናዕቲ ዜና ንምኩላምን ሓሶቶም ንምቕላዕን፡ ናብቲ ቀንዲ 'ኣካውንት' ናይተን ዝጠቐስወን ወይ ስእለን ዝተጠቕምሉ ትካላት ብምኻድ ንሓሶቶም ክንዓግቶ ንኽእል ኢና።
እዞም ሰናዕቲ ሓሶቶም ተግባራዊ ንምግባር ብዙሕ ሜላ እዮም ዝጥቀሙ፡ ስለዚ ንሕና'ውን ስኑዕ ሓበሬታ ንምፍላጥን ተባጻሕነቱ ንምኹላፍን ብዙሕ ሜላታት ምፍላጥ ከድልየና'ዩ።
4-ዋላ ሓቂ ኮይኑ ዝተሰማዓና ሓበሬታ ርግጸኛታት እንተዘይኮይንና ናብ ካልእ ሰብ ኣይንስደዶ
ሓቂ ምዃኑ ዘየረጋገጽናዮ ሓበሬታ ናብ ካልእ ሰብ ኣይንልኣኮ፡ ምኽንያቱ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ክዛይድ ስለዝኽእል። እቲ ሓበሬታ ሓቂ እንተኾይኑ ጥቕሙ ዕዙዝ'ዩ ኢልና እንተሓሲብና ምጥርጣርና ንምውጋድ ናብ ይፈልጥ'ዩ ኢልና እንሓስቦ ሰብ ብምልኣኽ ሓቅነቱ ከረጋግጸልና ምውካስ'ውን ምልክት ልቦና እዩ። 5-ንነብሲ ወከፍ ሓበሬታ ነጻጺልና ነረጋግጾ
ሰናዕቲ ሓበሬታ ነታ ክነዝሕዋ ዝደለዩ ሓሶት ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ሓቂ ጎልቢቦም ክዝርግሕዎ ይኽእሉ'ዮም።
ስለዚ ኣብ ጽሑፍ ቀዳሞት ሰለስተ ኣርባዕተ መሰጥቲ ምሉኣት ሓሳባት ስለዝረኣና፡ ኩሉ ሓቂ'ዩ ኢልና ኣይንሕሰብ፡ ነታ ሓሶት ካብ ምሉእ እቲ ሰንድ ንምርካብ ንኹሉ እቲ ሓበሬታ ብትኹረት ንርኣዮ።
6-ስምዒታዊ ዝኾነ ሓበሬታ ንጠንቐቐሉ
ብዙሕ ግዜ ዘፍርሕ፡ ዘሕርቕ ወይ'ውን ዘስሕቕ ሓበሬታ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ናብ ብዙሕ ሰብ ክባጻሕ ግዜ ኣይወስደሉን'ዩ።
እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሓበሬታታት ኣብ ውሽጦም እንታይ እዮም ሓዚሎም ግን ምፍታሽ የድልየና'ዩ፡ ብዓቢኡ ዘሰንብድን ዘሕርቕን ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ናብ ሰብ ሰዲድናኸ ካብ ስንባደን ሕርቃንን ሰባት እንታይ ኢና ክንከስብ?
ኣብ ውሽጢ እቲ ዘስሕቕ'ውን " ንኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ጠቓሚ ዝኾነ ከኒና ዝብል ክርከቦ ይኽእል እዩ፡ ሰብና ንምሕጋዝ ኢልና ክንሰደሎም ክንህቅን ንኽእል ኢና፡ እንተኾነ ሓቂ ድዩ ኢልና ንሕሰብ እሞ፡ ኣይንስደደሎም ድማ" ትብል ክላራ ሚልነ።
7-እቲ ንሕና ንሰማማዓሉ ሓሳብ ሓቂ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ
ሓደ ሓበሬታ ናብ ሰብ ክትሰዶ እንከለኻ ሓቅነቱ ስለዘረጋገጽካ ዲኻ ዋላስ ምስቲ ሓሳብ ስለዝተሰማማዕካ?
ክላራ ሚልነ ብዙሕ ሰብ ነቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ምስ ሓሳቡ ምስ ዝሰማማዕን ተምሳጥ ምስ ዝፈጥረሉን ናብ ካልእ ሰብ ከምዝሰዶ ብምግላጽ፤ ኣብ ሞንጎ ሓቅን ምስቲ ሓሳብ ምስምማዕን ፍልልይ ክህሉ ስለዝኽእል፡ ሓቅነቱ ከየረጋገጽና ናብ ካልእ ሰብ ሓበሬታ ከይንሰድድ እያ ትምሕጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







