ክታበት፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ንምንካይ ድዩ ዝወሃብ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፓስተር ክሪስ ኦያኪሎም ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉጣት ወንጌላውያን ሰበኽቲ ሓደ እዩ።
ንሱ ዘገልግለሉ ቤተክርስትያን ኣብ ዩቱብ ስብከት እትፍንወሉ ቻነል ኣለዋ።
ወዲ ስሳ ዓመት ፓስተር ክሪስ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘቕረቦ ቪድዮ፡ ብቐጥታ ናብ ካሜራ ኣተኲሩ እናጠመተ "ክታበት ከምዘድሕን ዘርእይ ዋላ ሓደ መርትዖ ፈጺሙ የለን" ክብል ኣዊጁ።
ቢቢሲ ካብቶም ኣብ 2023ን 2024ን ዝቐረቡ ስብከታቱ ኣብ ልዕሊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ቪድዮታቱ ገምጋም ኣካይዱ።
ዓሶ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዝርጋሓሉ ዘሎ እዋን ንዝቕረበ ሓድሽ ክታበት ዒላማ ገይሩ ንሰዓብቱ ጸረ ክታበት መልእኽትታት ክዝርግሕ ከምዝጸንሐ ድማ ኣረጋጊጹ።
ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ ሕዚ’ውን ዓቢ ጸገም ጥዕና ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 2022 ኣስታት 95 ሚእታዊት ምስ ዓሶ ዝተኣሳሰር ሞት ኣጋጢሙ እዩ፤ ኣስታት 80 ሚእታዊት ካብዚኦም ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝርከቡ ህጻናት ከምዝዀኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ትካል ፓስተር ኦያኪሎመ ብውሕዱ ሓሙሽተ ናይ 20 ደቓይቕ ጸረ ክታበት ሰነዳዊ ፊልምታት ብምፍራይ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ክረኣዩ ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሑ እዩ።
ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር ጸረ-ክታበት ትሕዝቶታት ዘለዎም መልእኽቲ ዝምልከቱ ፖሊሲታት’ኳ እንተሃለዉ ቪድዮታት እቲ ፓስተር ግን ናብ ሰዓብቱ በጺሖም እዮም።
ሓዱሽ ክታበት ጸረ-ዓሶ ዝተዘርገሐ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ፈተነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ነይሩ። ሰብሞያ ጥዕና ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ከድሕን ዝኽእል ዓቢ ዓወት ክብሉ ንኢዶምዎ እዮም።
ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣብ ኬንያ፣ ጋናን ማላዊን ዘካየዶም ዕዉት ፈተነታት ወፍሪ ክታበት፡ ሞት ህጻናት ብ13 ሚእታዊት ከምዝነከየ የመልክቱ።
ሰብሞያ ጥዕና ግን፡ እቲ ጽልዋ ዘለዎ ፓስተር ዝህቦምን ናብ ብዙሓት ሰዓብቱ ዝበጽሑን ስብከታቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ምውሳድ ክታበት ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ስክፍታ ኣለዎም።
ፓስተር ክሪስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ ስብከት "ንነዊሕ እዋን ክእጀል ዝጸንሐ እኩይ ኣጀንዳ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ቀጺሉ "ክታበት ህዝቢ ዓለም ንምጉዳል ዝሕግዝ መንገዲ እዩ" ብምባል፡ ብፍላይ ኣብቶም ኣንጻር ክታበት ዝኣምኑ ማሕበረሰባት ዝተለምደ ክልሰ ሓሳብ ኣስፋሕፊሑ።
እቲ ዘገርም ድማ "ዓሶ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ጸገም ኰይኑ ኣይፈልጥን" ክብል ርኡይ ጌጋ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Pastor Chris Online
ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ "ብዛዕባ ክታበት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ፡ ብፍላይ ካብ ከም በዓል መራሕቲ ሃይማኖት ዝኣመሰሉ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት፡ ጽውጽዋያትን ግጉይ ኣረኣእያን ንኽቕጽል ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ክታበት ዘሎ ምድንጋር ዝያዳ ክጋደድ ክገብሮ ተኽእሎ ኣሎ" ይብል።
"ብፍላይ ኣብቶም ብኽታበት ምክልኻል ክተርፌኡ ዝኽእሉ ሕማማት ብተደጋጋሚ ዝረኣዩሉ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጥዕና ህዝቢ ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ብምባል ከም ፓስተር ክሪስ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሃይማኖት ዘመሓላልፍዎ ጌጋ ሓሳብ ክሳብ ክንደይ ከምዝጸልው የብርህ።
እቲ ጸረ-ዓሶ ክታበት ቅድሚ ምዝርግሑ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝድገፍ ‘ዘ ኣፍሪቃ ኢንፎዴሚክ ሪስፖንስ ኣላያንስ’፡ "ክትጥንቀቑሎም ዘለኩም" ብዝብል እዋናዊ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝብል ዝርዝር ዝሓዘ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
ናይ ሓሶት ሓበሬታ ተባሂሎም ኣብቲ ጸብጻብ ካብ ዝተኻተቱ ሓደ፡ ፓስተር ክሪስ ዝሃቦ ሓሳብ እዩ።
ኢ-መይላት ናይ ትካሉን ናይታ ቤተክርስትያንን ተጠቒምና ብዛዕባ እቶም ዘልዓሎም ኣንጻር ክታበት መግለጺታቱ ዝምልከት ሕቶ ኣቕሪብናሉ፡ ካብ ፓስተር ክሪስ ግን መልሲ ኣይረኸብናን።
እቲ ፓስተር ኣብ 1990ታት ኣብ ርእሰ ከተማ ናይጀርያ ሌጎስ ‘ኤምባሲ ክርስቶስ’ ብዝብል ትጽዋዕ ቤተክርስትያኑ መስሪቱ፤ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ኣማኢት ኣሽሓት ሰዓብቲ ረኺቡ እዩ።
ኣብ 2011 ኣብ መጽሔት ፎርብስ ሓደ ካብቶም ሃብታማት ፓስተራት ናይጀርያ ተባሂሉ ተዘርዚሩ ነይሩ። ካብ 30 ክሳብ 50 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ኣለዎ።
ብመሰረት እታ መጽሔት፡ እቲ ፓስተር ዝተፈላለየ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣለዎ፤ ገለ ካብዚኦም ጋዜጣታት፣ መጽሔታት፣ ናይቲ ከባቢ መደበር ተለቪዥን፣ ቀረጻ ደርፊ፣ ሳተላይት ቲቪ፣ ሆቴላትን ሰፊሕ ንብረትን ይርከብዎም።
‘ላቭዎርልድ ኢንክ’ ዝተባህለ ግዝኣቱ ካብ ሽዑ ጀሚሩ እናዓበየ መጺኡ’ዩ።
ሕዚ ድማ ኣብ ኢንተርኔት መደባት ዝድመጸሉ ወይ ዝረኣየሉ ኣገልግሎት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ግዜ ዝተጸዓነ ናይ መልእኽቲ መተግበሪ ሞባይልን ባንክ ማይክሮፋይናንስን ኣለዎ።
ፓስተር ኦያኪሎመ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብቲ ኣብ ኣሰሰ ዝርከብ ዓቢ ቤተክርስትያን ይሰብኽ።
ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናብታ ቤተክርስትያን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣዳራሽ እታ ቤተክርስቲያን ዓመታዊ ጉባኤ ንምክያድ ካብ ዝተፈላለየ ብሄራት ብዝመጹ ኣማኢት ፓስተራት መሊኡ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ብዓሰርተታት ናይ ዝቑጸራ ሃገራት ባንዴራታት ተሰሪዐን ነይረን።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ክርስቶስ፡ ኣብቲ "ብዙሕ ብኢንተርነት ዝህቦ ትምህርትን ኣገልግሎት ፈውስን" ናይ "7 ቢልዮን ሰባት" ዓለምለኻዊ ተሳትፎ ኣለዎ። እዚ ግን ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ሸሞንተ ቢልዮን ከምዝዀነ ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ዘይእመን ሓበሬታ እዩ።
ጓል 25 ዓመት ዊኒፍረድ ኢክያኖሲን፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ስሩዕ ተሳታፊት እያ። ክታበት ምውሳድ ከም ዝኣበየት ድማ ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ናይ ኣምላኽ ሰብና ነጊሩና" ኢላ። "ኣነ'ውን ዘድልየኒ መጽናዕቲ ኣካይደ እየ።"
ፓስተር ክሪስ "ኣብቶም ኣግዚፎም ዝርእዎ ሰዓብቱ ፅልዋ ኣለዎ" ትብል ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ካሮላይና ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ኣፍሪቃ ዝዀነት ኣዳ ኡመንዋሊሪ።
"ፓስተራትን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኣብ ውሳነን መረጻን ሰዓብቶም ኵሉ ግዜ ልዑል ተራ ይጻወቱ እዮም።"
ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ድኽነትን ሕጽረት መሰረተ ልምዓት ጥዕናን ግን፡ ኣብያተ ክርስትያናት ክታበት ብዝምልከት ዝያዳ ሰባት ክሕዛ ከኽእለን ይኽእል’ዩ።
ጸሓፊ ጁልየስ ኦጉንሮ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቤተክርስትያን ተሳቲፉ እዩ። ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘ ኬብል ዝበሃል መርበብ ሓበሬታ ናይጀርያ ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ "ሕጂ መጠንቀቕታ ከነስምዕ ኣለና። ፓስተር ክሪስ ዝጉስጎሶ ዘሎ፡ ምስ ክርስትያናዊ እምነት ዝዀነ ርክብ ዘይብሉን ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእልን እዩ" ይብል።
ፓስተር ክሪስ ብተደጋጋሚ ዘልዕሎ ስም ቢል ጌትስ እዩ። ቢል ጌትስ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ደገፍቲ ክታበት ዓሶ እዩ። እንተዀነ ግን ስሙ ንዓመታት ኣብ ውዲት ክታበት ዝምልከቱ ክልሰ-ሓሳባት ክለዓል ጸኒሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፓስተር ክሪስ እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ልዕሊ ቢል ጌትስ ነቐፌታ ኣስሚዑ እዩ።
እቲ ፓስተር ኣብ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝሃቦ ስብከት፡ ኣብ 2010 ቢል ጌትስ ካብ ዘስምዖ መደረ ዝተወሰደ ጥቕሲ ብምውሳድ ከም ኣብነት "እቶም ህዝቢ ዓለም ናይ ምንካይ ኣጀንዳ ዘለዎም" ጠቒስዎ።
ኣብቲ እዋን እቲ ቢልየነር ዘስምዖ ሓቀኛ መደረ ብዛዕባ ምንካይ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ እዩ ነይሩ። "መጀመርታ ብዝሒ ህዝቢ ኣለና። ዓለምና ሕዚ 6.8 ቢልዮን ሰባት ኣለዋ። እዚ ድማ ናብ ኣስታት ትሽዓተ ቢልዮን ይውስኽ ኣሎ። ሕዚ፡ ኣብ ሓድሽ ክታበት፡ ክንክን ጥዕና፡ ኣገልግሎት ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ናይ ብሓቂ ዓቢ ስራሕ እንተሰሪሕና ምናልባት ብ10 ወይ 15 ሚእታዊት ክነውርዶ ንኽእል ኢና" እዩ ኢሉ።
እቲ ፓስተር ዝጠቕሶ ዘረባ ግን ካብ ዓውዲ ወይ ኣሰራርዓ ቓላት ወጻኢ ዝተወስደ እዩ።
ቢል ጌትስ ብዛዕባ ምንካይ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ እምበር ብዛዕባ ምንካይ ህዝቢ ዓለም ኣይተሟገተን። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዕብየት ብዝሒ ህዝብን ምምሕያሽ ጥዕናን ነንሕድሕዶም ዝደጋገፉ ምዃኖም ኣነጺሩ'ዩ፡ "ጥዕና ክመሓየሽ ከሎ፡ ስድራቤታት ውሑዳት ቆልዑ ክወልዳ ይመርጻ" ኢሉ ነይሩ።
ፓስተር ክሪስ ብተወሳኺ ኣብ ኮሎምብያ ዝርከብ ትካል ፕሮግራም ዓለም ጣንጡ ናይ ጌትስ ፋውንዴሽን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብዝሒ ህዝቢ ንምንካይ ብጀነቲካዊ ለውጢ ዝማዕበላ ጣንጡ የፍርይ ከምዘሎ ከሲሱ።
ፕሮግራም ዓለም ጣንጡ ኣብ ኣውስትራልያ ብዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ዝውነንን ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካልን ኰይኑ፡ ጀነቲካዊ ለውጢ ዘለዎም ፍጥረታት ብምጥቃም ሕማም ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ጣንጡ ኣብ ምንካይ ዝነጥፍ እዩ።
ፓስተር ክሪስ፡ ጸረ ክታበት ንዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ጓና ኣይኰነን። ኣብ 2 መስከረም 2023 ኣብ ዝተመሓላለፈ ስብከቱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መንሽሮ ማህጸን ንምክልኻል ዝማዕበለ ህዩማን ፓፒሎማቫይረስ ዝተበሃለ ክታበት እውን ዒላማ ገይሩ ነይሩ።
"ካልእ ዕላማ ኣለዎም። መንሽሮ ኣጀንዳኦም ኣይኰነን" ክብል ወቒሱ።
ናይጀርያ፡ መጠን መንሽሮ ማህጸን ብሓያል መልክዑ ንምንካይ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኣዋልድ ህዝባዊ ወፍሪ ክታበት ጀሚራ’ያ። እዚ ሕማም ኣብ ናይጀርያ በብዓመቱ ህይወት ልዕሊ 8 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝቐትል ጸብጸባት የመልክቱ።
ክታበት ህዩማን ፓፒሎማቫይረስ ድማ ንመንሽሮ ማህጸን ብኣስታት 90 ሚእታዊት ከምዝቕንሶ ኣብ 2021 ብካንሰር ሪሰርች ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመወለ ዓቢ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ፓስተር ክሪስ ብዛዕባ ጸረ-ቴታነስ፡ ክታበት ፖልዮን ካልእ ክታበት ህጻናትን ብዙሕ መሰረት ዘይብሎም ሓሳባት ተዛሪቡ እዩ።
ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ቤተክርስትያን ፓስተር ክሪስ፡ ብብሪጣንያዊ ትካል ተቖጻጻሪ ሚድያ 155 ሽሕ ዶላር ተቐጺዓ ነይራ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝፍኖ ላቭዎርልድ ዝተበሃለ መርበቡ "ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ክታበታትን ዘደናግርን ክጎድእ ዝኽእልን መግለጺታት" ምዝርግሑ እዩ።
ኦጉንሮ ዝተባህለ ካብቲ ቤተክርስትያን ዝወጸ ጸሓፊ፡ ጽልዋ እቲ ፓስተር ከምዘሻቕሎ ይዛረብ።
"ብዛዕባ ክታበት ዝብሎ ነገር የፍርሓኒ’ዩ። ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰበኽቲ ንቆጻጸረሉ መንገዲ ክህልወና ኣለዎ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







