ኣብ ከብዲ ኣደና እንከለና ዝፈጸምናዮም ሓሙሽተ ዝገርሙ ሓቅታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕሸላት ጡጦ ወይ ጸባ ከይሰኣኑ ክንሶም ካልሶም ክሕይዅ ኣጋጢምኩም ዶ ይፈልጥ?
ገጾም ምጽፋዕ፡ ኣጻብዕቶም ምንካስ፡ ንመንደቕ ብቴስታታ [ርእሲ] ምውቃዕ፡ ነጐዳ ዝመስል ጥራጥ፡ ናብ ገጽ ሰብ ፊን ዝብል ሽንቲ. . . እዚኦም ኵሎም ገለ ህጻናት ዝገብርዎም ነገራት እዮም።
ዕሸላት ብዙሕ ዘገርሙ፡ ዘስሕቝ፡ ዘሐጕሱ ተግባራት ክፍጽሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ግን ገና ኣብ ማህጸን እንከለና እንፍጽሞም ዝገርሙ ነገራት ከም ዘለዉ ሓሲብኩምሉ ትፈልጡ'ዶ?
እወ፡ ኵላትና ገና ካብ ማህጸን ኣደታትና እንከይወጻእና እንፍጽሞም ዘገርሙ ነገራት ኣለዉ።

1. ኣብ ልዕሊ ኣካል ኣደታትና ዝፈጸምናዮ መጥቃዕቲ
ኣደና፡ ድቂ ምስ ቋጸረት ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ናብ ንእሽቶ ፈሳሲ ዝመልአ ለቘታ ዝመስል ዋህዮ ኢና እንቕየር።
እዚ ዋህዮ፡ ኣብ ማህጸን ኣደታትና ምስ ዝርከብ ረጒድን ሰፍነግ መሳሊ ሽፋን (membrane) ተጣቢቑ ይጸንሕ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ እቲ ዋህዮ ናብቲ ሽፋን ኣዕሚቑ ምዅዓት ይጅምር።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ኵነታት መፍሰስቲ ደም ዝበዝሖ ዘፍርሕ ፊልም እዩ ዝመስል።
ኣብ ኵሉ ቦታ ሰራውር ደም ይፍንጀሩ፤ ዋህዮታት ብጅምላ ይሞቱ።
እቶም ወረርቲ ዋህዮታት፡ ንሰራውር ደም ኣደታትና ዘልምሱ ንኣሽቱ ሱር የብቁሉን ከከም ድሌቶም እውን ዳግማይ ይሃንጹን።
መዳሕንቲ ዕሸላት ብኸምዚ እዩ ቅርጺ ክሕዝ ዝጅምር።
እዚ መዳሕንቲ'ዚ፡ ኣደታትና ኵሉ ንኽንዓቢ ዘድልየና መኣዛታትን ጽሩይ ኦክስጅንን ንኸብጽሓልና ይሕግዝ።
ኵሉ ኣካላትና ዘፍርዮ ርስሓትን ጐሓፍን ድማ ብኡ ኣቢልና ናብ ኣካል ኣደታትና ንልእኮ።
ይዅን'ምበር፡ ርስሓትን ጐሓፍን ጥራይ ኣይኰነን ናብ ኣካል ኣደታትና እንልእኽ። ገለ ዋህዮታትና እውን ናብ ኣደታትና ነሳግር ኢና።
ኣደታት፡ ድሕሪ ጥንሲ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ገለ ካብ ዋህዮታት ደቀን ከምዝስከማ ኣብ ደም ዝተገብሩ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ካብ ዕሸል ዝመጽኡ መበቆል ዋህዮታት ናብ ልቢ እታ ኣደ ከይተረፈ ይኣትዉ'ዮም፣ ኣብኡ ድማ ናብ ንጡፋት ዋህዮታት ልቢ ተቐይሮም ገለ ጕድኣት ኣብ ምጽጋን ይሕግዙ።
ስለዚ ዋላ'ኳ ኵላትና ከም ኣረሜናውያን ወረርቲ እንተጀመርና፡ ኣብ ማህጸን ኣደታትና ቅሩብ እንሕግዞ ነገር ኣይንስእንን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
2. ጭራ ኣቡቊልና ነይርና
ኣብ ማህጸን ኣደታትና ሓሙሽተ ሰሙን ምስ መላእና፡ ኣብ ቀጻሊ ሰብ ከምእንኸውን ዘመልክት ነገር የለን።
እኳ ደኣስ፡ ጋምቤሮ (ድሩዕ እንስሳ ባሕሪ) ኢና ንመስል ነይርና።
ንእሽቶን ኣሕሊፉ-ዘርእይን ኣካላትና ዕዅልል ኢሉ፡ ርእስና ድማ ናብ ሓደ ነዊሕ ጭራ ገጹ ተደፊኡ ይርአ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ዘብቆልናዮ ጭራ ይጠፍእ'ዩ። ኣብ ልዕሊ መቀመጫና ዘሎ ጕንዲ ዓጽሚ ጥራይ'ዩ ዝተርፍ።
እሞ ደኣ ካብ ፈለማ ስለ ምንታይ ጭራ ምብቋል ኣድልዩና?
ድቂ ጠበቕ፡ ደርሆ ወይ ሓርማዝ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ጋምቤሮ ዝመስል ፍጡር ኢና ንርኢ።
ነዚ መሰረታዊ መልክዕ እዚ ዝውድቡ፡ ካብቶም ቅድሚ ኣማኢት ሚልዮናት ዓመታት ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ቀዳሞት ኣበዋት ዝወረስናዮም ሰረታት (ንውርሻዊ ባህርያት ዝቈጻጸሩ ኣሃዱታት) እዮም።
ብመሰረቱ ኵላትና ዳግማይ ዝተሃንጽና ዓሳታት ኢና።
ነዚ ኣብ ግምት ክነእትው እንከለና፡ ንኣካላትና ዝምልከቱ ብዙሓት ስነ-መጐታዊ ዘይመስሉ ሓቅታት ሃንደበት ትርጕሞም ክርድኣና ይጅምር።
ካብ ላዕለዋይ ከንፈርና ክሳብ ኣፍንጫኻ ዝዝርጋሕ ንእሽቶ ቀጥታዊ መትረብ ንመልከት።
እዚ መትረብ'ዚ ብሓቂ ዝህቦ ዝዀነ ኣገልግሎት የለን፤ እንታይ ደኣ፡ ውጽኢት ናይቲ ገጽና ዝቘመሉ ጽንኩር ኣገባብ ጥራይ'ዩ።
ኣብ መጀመርታ ገጽና ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዩ ዝቐውም።
ኣዒንትና ልክዕ ከም ናይ ዓሳ ብክልቲኡ ሸነኽ ርእስና ይቕመጣ፤ ኣፍንጫና ድማ ብልክዕ ኣብ ልዕሊ እዚ ይቖም።
ብድሕሪኡ እዘን ኣካላት ቀስ ኢለን ናብ ሓደ ኣንፈት ምንቅስቓስ ይጅምራ፤ ኣፍንጫና ካብ ግንባርና ንታሕቲ ሰንጢቑ ይወርድ፤ ኣዒንትና ድማ ናብ ማእከል ገጸን ይጽግዓ።
ኣብ መወዳእታ፡ እዚኦም ኵሎም፡ ኣብ ትሕቲ ከባቢ እቲ ሎሚ ኣፍንጫና ዝርከበሉ ቦታ ይጠራነጉ።
እቲ ናይዚ መስርሕ እንኰ ዝተረፈ መርትዖ፡ እቲ ንእሽቶ ቀጥታዊት መትረብ እዩ፤ ኣብ ሓደ እዋን ፍጹም ዝተፈልየ መልክዕ ከምዝነበረና ድማ የዘኻኽር።
3. ኣጻብዕትና ብጃምላዊ ነብሰ ቅትለት ዋህዮታት ኢና ቀሪጽናየን
ጭራ ኣብ ዝረኣየሉ ዝነበረ እዋን ኣቢሉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ኣካላትና ንኣሽቱ ጠጥዒታት ይበቝሉ።
እዞም ጠጥዒታት እዮም ኣብ መወዳእታ ከም ኢድን እግርን ኰይኖም ዝምዕብሉ።
ክንፊ ደርሆ እንተበልኩም ዋላ ዓበይቲ ኣእጋር ጉማረ፡ ልክዕ ብተመሳሳሊ መንገዲ እዮም ዝጅምሩ።
ቅልጽም ይዅን እግሪ ዘየዕብዩ ድቂ ዓሳ ነባሪ እውን ከይተረፉ፡ ተመሳሳሊ መልክዕ ዘለዎም ጠጥዒታት የርእዩ እዮም።
ግን እቲ ቅድሚት ዝነበረ ናብ መቕዘፊ ይቕየር፤ እቲ ብድሕሪት ዝነበረ ውሑዳት ንኣሽቱ ዓዕጽምቲ ዘለዎ ጕንዲ ጥራይ ይዀኑ።
ኣብ ደቂ ሰባት ክመጽእ እንከሎ፡ እቶም ጠጥዒታት ደቀቕቲ መቕዘፊ ክሳብ ዝመስሉ ንደገ ይዓብዩ።
ኣብ መጀመርታ ኣጻብዕትና ከም ናይ ኣዕዋፍ ዝተላገባ እየን፤ ኣብ ሻምናይ ሰሙን ግን ይፈላለያ።
እዚ ለውጢ እዚ ግን ኣጸቢቑ ብዝተዋደደ ጃምላዊ ነብሰ ቅትለት ዋህዮታት እዩ ዝፍጸም።
እዚ ኵሉ ዝጅምር ድማ መጻኢ ዋህዮታት ኣጻብዕትና ናይ ሞት ምልክት ምስ ሰደዱ እዩ።
ጐረባብቶም ነዚ ምልክታት እዚ ምስ ተቐበሉ፡ ፕሮቲኖም ከበላሽዉ ይጅምሩ።
እቶም ዋህዮታት ከም ንቡር ዝከኣሎም ገይሮም ዝከላኸልዎም ፍሕሶታት ዲኤንኤ፡ ብቆረጽቲ ፕሮቲናት ተቆሪጾም ደቀቕቲ ኣካላት ይዀኑ።
ኣብዚ ኵሉ ነገር እዩ ዝዓኑ። ኣብ መወዳእታ ብዘይካ ዝተሸብሸበ ተረፍ ለቖታ ካልእ ኣይህሉን።
ተረፍ መረፍ ዝኣራርዩ ዋህዮታት፡ እናዞሩ ነቲ ጓሓፍ ይጸርጉ፤ እዚ ድማ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጐ ኣጻብዕቲ ዘሎ ቦታ ክጽረግን በብቕሩብ ድማ እቲ መቕዘፊ ናብ ህያው ኢድ ክቕየርን እዩ።
4. ናይ ገዛእ ርእስና ሽንቲ ንሰቲ ነይርና
እዚ ከሰንብደኩም ይኽእል እዩ።
ግን ሓቂ እዩ፤ ድሕሪ ኣስታት 10 ሰሙን ጥንሲ፡ ዕሸላዊ ማይ ምስታይን መሊስና ድማ ምሻንን ንጅምር።
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንሓያሎ ኣዋርሕ ብናይ ገዛእ ርእስና ሽንቲ ኢና እናተሓጸብና ንጸንሕ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ካብቲ ዝተበከለ ማይ'ውን ከይተረፈ ንሰቲ ነይርና።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ተግባር ከምቲ ፈለማ ዝስምዓና ገለ ፉንፉን ነገር ኣይኰነን። እኳ ደኣ ኣዝዩ ኣገዳሲን ብልሓት ዝመልኦን ተግባር እዩ።
ቀዳማይ ነገር፡ ኣደታትና፡ እቲ ርስሓት ካብ ዕሸላዊ ማይ ወጺኡ ናብ ደመን ክሰግር ብምግባር፡ ነቲ ብማይ ዝተመልአ መንበሪና ብቐጻሊ ምጽራዩ የረጋግጻ እየን።
ካልኣይ፡ እዚ ተግባር ንኣካላትና ኣዝዩ ኣድላዪ ልምምድ እዩ።
ንኽትህነጽ ሰለስተ ፈተነታት እትወስደልና ኩሊትና፡ ደም ምጽራይን ሽንቲ ምፍራይን እያ ትጅምር ዘላ።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንሓደ ካብቲ ድሕሪ ምውላድና እንገብሮ ኣገዳሲ ነገር የዳልወና - ጸባ ምስታይ።
መዓንጣና ካብ ዕሸላዊ ማይ መኣዛታት ክመጥጥ ኣብ ዝጽመደሉ ዝነበረ እዋን፡ ምዕጉርትና ይሰብሕ፣ እቶም ንምምጣጥ ዝሕግዙ ጭዋዳታትና ድማ ይምዕብሉ ነይሮም ማለት እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዋላ ናይ ምስትምቓር ህዋስና ነሰልጥን ነይርና ክኸውን ይኽእል።
ኵሉ ናብ ደም ኣደታትና ዝኣቱ ነገር ኣብ መወዳእታ ናብቲ ማይ ዝመልአ ገዛና ይጽንበር፣ እዚ ድማ ካብቲ ኣደታትና ዝበልዕኦ መግቢ ዝርከቡ መኣዛታት የጠቓልል።
ካብ ዝተፈላለያ ነፍሰጾራት ዝተወሰደ ቅምሶ ዕሸላዊ ማይ ዝመርመሩ ክኢላታት፡ ብቐሊሉ እታ ኣደ ጻዕዳ ሽጉርቲ በሊዓ ድያ ኣይበልዐትን ከይተረፈ ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም፤ ህጻናት ድማ፡ ኣደኦም ኣብ እዋን ጥንሲ ብቐጻሊ እትበልዖም ዝነበረት መግቢ ዝመርጹ ይመስሉ።
ስለዚ ምስ ሕድ ሕድ ፍያቶ፡ ንገዛእ ርእስና ንቀጻሊ ህይወት ነዳሉ ነይርና።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
5. ዋህዮታት መትኒ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣፍሪና
ዋህዮታት መትኒና ኣጀማምራኦም ቀሊል ኣይነበረን።
እዞም ዋህዮታት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንጎል ካብ ዝርከቡ መበቆል ዋህዮታት ዝውለዱ ኰይኖም፡ ሽዑ ናብቲ ሓድሽ መንበሪኦም ክግዕዙ ይጅምሩ።
ሓንጎል ካብ ውሽጢ ንደገ፡ ቀጸላ ብቀጸላ እናገበረ ንገዛእ ርእሱ ይሃንጽ። ኣብ መጀመርታ ዝህነጹ ድማ እቶም ዝዓሞቑን ቀዳሞትን ከባቢታት ሓንጎል እዮም።
እቲ ሓላፍነት ኣዝዩ ምዕቡል ስርሓት ሓንጐል ዝስከም ግዳማዊ ቀጸላ፡ ኣብ መወዳእታ ዕብየት ድቂ እዩ ዝምዕብል።
እቶም ዋህዮታት መትኒ፡ ናብ ግዳማዊ ክፋላት ሓንጎል ምእንቲ ክበጽሑ፡ ምስቶም ብቀጸላ ሓንጐል ኣቢሎም ነዊሕ ጠጥዒ ዘብቁሉ ደገፍቲ ዋህዮታት ይተኣሳሰሩ'ሞ ከም ኣብ ሳዕሪ ዝንቀሳቐሱ ደቀቕቲ ኣረነታት ይድይቡ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዋህዮ መትኒ ናብቲ ሓድሽ መንበሪኡ ይበጽሕ፤ ኣብዚ እዋን'ዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ብድሆ ዝጅምር።
ካብቶም ዋህዮታት መትኒ ብዅሉ ኣንፈት ነዋሕቲ ጽሕግታት ይበቝሉ፤ እዚኦም ቃል ብቓሉ መስመራት ስርዓተ መትኒ እዮም።
ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ድማ ምስ ቅኑዕ ቦታኡ ክራኸብ ኣለዎ፣ እዚ እንተገይሩ ጥራይ እዩ ምስ ህዋሳዊ ዋህዮታት፡ ጭዋዳታት ወይ ካልኦት ዋህዮታት መትኒ ክራኸብ ዝኽእል።
እቶም ጽሕግታት ኣብ ቅኑዕ ቦታኦም ምስ በጽሑ፡ መልእኽቲ ፕሮቲን ተቐቢሎም፡ ንመጻኢ ናይቲ ዋህዮ ውሕስነት ዝህቡ ሰረታት ንክውልዑ መሊሶም ናብ ሕመረት ናይቲ ዋህዮ ይልእኽዎ።
እዚ መልእኽቲ ኣብ ግዚኡ እንተዘይበጺሑ፡ እቲ ዋህዮ ምስ ቅኑዕ ቦታኡ ምትእስሳር ኣብ ምፍጣር ኣይተዓወተን ማለት እዩ።
ስለዚ ልክዕ ከምቶም ኣብ መንጐ ኣጻብዕትና ዝነበሩ ዋህዮታት ከም መቕዘፊ ለቖታ ተጨምዲዱ ይመውት።
ብዙሓት ዋህዮታት መትኒና፡ እዚ ዘሕዝን ዕጫ እዩ ዝጽበዮም። ናይዚ ምኽንያት ድማ እነፍርዮም ዋህዮታት መትኒ ብዙሓት ስለዝዀኑ እዩ።
እቶም ዋህዮታት መትኒ ምስ ነንሕድሕዶም ይወዳደሩ፤ እቶም ዝበለጸ ምትእስሳር ዝፈጥሩ ጥራይ ድማ ብህይወት ይተርፉ።
ብዙሓት ዋህዮታት መትኒ፡ ሓንጎልና ጥዑይ ንኽኸውን ንገዛእ ርእሶም መስዋእቲ ይገብሩ።
ሓንጐጎልና፡ ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም ክህነጹ ዝጅምሩ ኣካላትና'ኳ እንተዀነ፡ ምዕባለ ኣብ ምዝዛም ግን ናይ መወዳእታ እዩ።
ብሓቂ ግን ምዕባለኡ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ክንብል ኣይንኽእልን። ኵሉ እንመሃሮን እንዝክሮን ነገር፡ ኣብ መንጎ ዋህዮታት መትኒና ኣብ ዘሎ ምትእስሳር ኣካላዊ ለውጢ የስዕብ'ዩ።
ነዚ ጽሑፍ እዚ ኣንቢብና ኣብ እንውድኣሉ እዋን፡ ሓንጎልና ካብቲ ቅድሚ ምጅማርና ዝነበረ ቅሩብ ዝተፈልየ እዩ ዝኸውን።
ሓንጐልና ፕሮጀክት ህይወትና እዩ። ምዕባለኡ ድማ ኣብ መላእ ህይወትና ይቕጽል።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







