ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ - ሓላል ዶ ሓራም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ጸባ ጡብ ኣደኦም ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዕሸላት ንምምጋብ ሃገራትን ትካላት ጥዕናን ዝተፈላለየ ብልሓት ይጥቀማ።
እዚ ድማ ስነፍልጠታዊ፡ ባህላዊን ሃይማኖታውን ሕቶታት ከልዕል ይርአ እዩ። ነዚ መሰረታዊ ስክፍታት ብምግባር፡ ኣብ ፓኪስታን ምስ ሃይማኖት ተኣሳሲሩ ኣብዚ ጉዳይ ዝተላዕለ ሕቶታት ተዳህሲሱ'ሎ።
ኣብ ፓኪስታን ንመጀመርታ ግዜ ክኽፈት ዝተሓስበ ዓቢይ ፕሮጀክት ባንክ ጸባ ጡብ፡ ካብ ሓደ ኣብ ካራቺ ዝርከብ እስላማዊ ሰሚናር ብሰንኪ ዘጋጠሞ ከቢድ ተቓውሞ ተዓጽዩ'ሎ።
መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና፡ ኣብ መጀመርታ ነቲ ፕሮጀክት ቅድመ ኵነታዊ ፍቓድ ሂቦም’ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ትካል ክምረቕ ኣብ ምድላዋት ኣብ ዝነበረሉ እቲ ፍቓድ ስሒቦምዎ።
ፓኪስታን ኣብ ዓለም ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ትስራዕ ኰይና፡ ዝለዓለ መጠን ሞት ዕሸላት ዝምዝገበላ ደቡባብ ኤስያዊት ሃገር ምዃና ዩኒሴፍ ይሕብር።
ከም ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት፡ ነቶም ጸባ ኣደኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክረኽቡ ዘይከኣሉ፡ ንዝሓመሙን ኣብ ዘይግዜኦም ዝውለዱን ህጻናት ዝበለጸ ኣማራጺ ኰይኑ ስለዝርአ፡ ኣብ ህይወትን ሞትን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ እዩ።
ቃልሲ ንምንባር
ባሺራ ዝተባህለት ኣደ፡ ናብ ከተማ ካራቺ ቅድሚ ምግዓዛ፡ ኣብታ ዝነብሩላ ዝነበሩ ዓዲ፡ በዅሪ ውላዳ ሞይታታ እያ።
በሺራን በዓል ቤታ ረሒምን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካራቺ ካልኣይቲ ጓሎም ምስ ወለዱ፡ ንዓኣ’ውን ከይስእኑዋ ከቢድ ሻቕላ ነይርዎም።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ውላደይ ቅድሚ ግዜኣ ስለዝተወልደት፡ ሓካይም ጸባ ጡብ ክህባ መኺሮምኒ፤ ኣነ ግን እዅል ጸባ ከፍሪ ኣይከኣልኩን” ኢላ።
ሓጋዚ ዘይብሎም ኰይኑ ተሰምዖም።
“ጓለይ ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ኣብ ኢንኩቤተር እያ ነይራ። ኣብ ሸውዓተ ወርሓ ያ ተወሊዳ። ጸባ ኣደ ኣይመጽእን ነይሩ። ጸባ ፎርሙላ ክወሃብ ኣይከኣለን፤ ህይወት ጓለይ ንምድሓን ዝከኣለኒ ፈቲነ” ይብል በዓል ቤታ ረሒም ሻህ።
ካልእ ንባዕላ ኣብ ሓዘን ዝነበረት ኣደ ድማ ህይወት ከም ዝቕጽል ገይራ፤ ብኸመይ?
“ካብ ሓደ ሆስፒታል ናብ ካልእ ሆስፒታል ኬድና፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ሕርሲ ቈልዓ ዝተጐድኣ ሰበይቲ ረኺብና። ቈልዓ ከተጥብወልና ሓቲትናያ፣ ንሳ ድማ ብጸጋ ተቐቢላትና” ትብል ባሺራ።
ብዘይ ሓገዝ ናይታ ሰበይቲ ጓልና ብህይወት ኣይምተረፈትን ይብል ረሒም።
“እቲ ህጻን፡ ንናይ ምክልኻል ዓቕማ ጸባ ጡብ ኣዝዩ የድልዮ ነይሩ” ክብል ወሲኹ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Rahim Shah
ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ
ኣብዚ ጉዳይ ባሺራ እቲ ወሃቢት ጸባ ጡብ ነታ ህጻን ብኣካል እያ ኣጥብያታ። ኣብ ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ ግን፡ ለገስቲ ጸባ፡ ካብ ኣካላተን ዝተረኽበ ባዮሎጂያዊ ንጥረ ነገር፡ ብክሊኒካዊ መገዲ ይስራሕ፡ ይፍተን፡ ድሕሪኡ ኣብ መዝሓሊ ይኽዘን። ድሕሪኡ ከከም ኣድላይነቱ ጸባ ኣደ ንዘድልዮም ዕሸላት ይወሃብ።
ማሌዥያን ኢራንን ዝርከባአን ሓያለ ሃገራት ኣስላም ተመሳሳሊ መሳለጥያታት ኣለወን።
እዚ ኣገባብ ግን፡ ምስ ምጥባው ጡብ ኣደ ዝምልከት እስላማዊ ሕጊ ዝጻረር እዩ ብምባል ገለ ሃይማኖታዊ ምሁራት ይምጉቱ።
ኣብ እስልምና፡ ብስጋ ዘይዛመዳ ቈልዓ ዘጥበወት ሰበይቲ “ ዝምድና ጸባ” ከም እተማዕብል ይእመን፤ እቶም ካብ ሓንቲ ኣደ ጠብዮም ዝዓበዩ ቈልዑ ድማ ከም ኣሕዋት ይቝጸሩ።
ኵሉ’ቲ እስላማዊ ሕጊ ዝኽተል ነገር 'ሓላል' ክበሃል እንኰሎ፣ ንሕጊ እስልምና ዝጻረር ድማ ‘ሓራም’ እዩ።
ኣብ ፓኪስታን፡ ገለ ምሁራት ሃይማኖት፡ ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ ሓራም ወይ ብመሰረት ሕጊ እስልምና ክልኩል ምዃኑ ኣዊጆም።
ሰብመዚ ግን “እቲ ባንክ ጸባ ምስ እስላማዊ ሕጊ ዝሰማማዕ ንምግባር” ጻዕርታት ኣካይዶም።
ደቂ ኣንስትዮ ብመሰረት እስላማዊ ሕጊታት ንህጻናት ከጥብዋ ከምዝኽእላ ዘረጋግጽ ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ስነ-ሓሳብ ከምዝለኣኸት ዞባዊ ሚኒስተር ጥዕና ዶክተር ኣዝራ ፐቹሆ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።
“ጸባ ዝልግሳ ኣደታት ክምዝገባ'የን፤ እዚ ድማ ምስ ወለዲ ናይቶም ጸባ ዝወሃቦም ህጻናት ክሕበር እዩ፤ ምክትታል ድማ ይግበረሉ እዩ” እትብል ዶክተር ፐቹሆ፡ ኣብ መንጐ ጡብ ሓንቲ ኣደ ጠብዮም ዝዓበዩ ኣሕዋት መርዓ ከይፍጸም ዝብል ክመጽእ ዝኽእል ስክፍታታት ንምምላስ ሰነዳት ክህልወና እዩ ብምባል እቲ ምስ እስላማዊ ሕጊ ክጻረር ዝኽእል ነገራት ንምእላይ ጻዕሪ ከምዝተገብረ ተረድእ።
ኣወዳት ዝወለዳ ኣደታት ንኣወዳት ዕሸላት ጥራይ ጸባ ክህባ፡ ኣደታት ኣዋልድ ድማ ንኣዋልድ ጥራይ ጸባ ክህባ ብምቍጽጻር ነቲ ብመሰረት ሕጊ እስልምና ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ክፈትሕዎ ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጻ።
እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2012 ቱርካውያን ምሁራት እስልምና ዝወሰድዎ ኣገባብ ዝመሳሰል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈትዋ
ባንክ ጸባ ጡብ ኣደ ካራቺ፡ ፈለማ ብ25 ታሕሳስ 2023 ካብ ዝምልከቶ እስላማዊ ኣካል ቅድመ ኵነታዊ ፍቓድ ረኺቡ።
እቲ ዝርዝር ቅድመ ኵነታት፡ ሰበስልጣን ኣስማት ለገስቲ ጸባ ነቶም ተቐበልቲ ክህቡ፣
ካብ ኣስላመይቲ ኣደ ዝወጽእ ጸባ ንኣስላም ህጻን ክወሃብ፣
ዝዀነ ዝኽፈል ገንዘብ ከይህሉ። ጸባ ትሕቲ 34 ሰሙን ጥንሲ ንዝተወልዱ ህጻናት ጥራይ ክወሃብ፤ እዚ ድማ ኣደታቶም እዅል ጸባ ከፍርያ ምስ ዘይክእላ ጥራይ እዩ።
ቅዋም ፓኪስታን፡ ኵሉ ሕጊን ኵለን ክፍልታት መንግስትን ሕጊ ሸሪዓ ወይ እስላማዊ ሕጊ ክኽተላ ይእዝዝ።
እቶም ሰበስልጣን ነዚ ቅድመ ኵነታት ከማልኡ ከም ዝኽእሉ ርእሰ ተኣማንነት’ኳ እንተነበሮም፡ ኣብ ካራቺ ዝርከብ እስላማዊ ሰሚናር ግን ስክፍታታት ኣልዒሉ።
እቲ ብ16 ሰነ 2024 ዝወጸ ዝተመሓየሸ ፈትዋ፡ እቲ ባንክ ኵሉ እቲ ብመሰረት እስላማዊ ሕጊ ፍቑድ ዝዀነ መምርሒታት ከተግብር ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ህጻናትን ኒዮናቶሎጂን ሲንድ (SICHN) ሕጂ ካብ ‘ዳረል ዕልም ካራቺ’ ዝተባህለ እስላማዊ ሰሚናር ፋትዋ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ባንክ ጸባ ካብ ምቍራጽ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሉ ይገልጽ።
“ንቕድሚት እናረኣና፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ክልቲኦም ዳረል ዕልም ካራቺን ቤት ምኽሪ እስላማዊ ስነ-ሓሳብን ተወሳኺ መምርሒ ክንሓትት ኢና” ይብል እቲ ሆስፒታል።
“መዳያት ክንክን ጥዕና ንምምሕያሽ ዝቐርብ ተበግሶታት ብሳይንሳዊ መንገዲ ጥራይ ዘይኮነስ ብሃይማኖታዊ መንገዲ እውን ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ውፉያት ኢና” ይብል እቲ መግለጺ ብተወሳኺ።

ጸባ ጡብ ኣደ
ኣብ ፓኪስታን ካብ 1000 ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት 54 ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒሴፍ የመልክት። እታ ሃገር ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ነዚ መጠን ናብ 12 ከተውርዶ ዕላማ ኣለዋ።
ጸባ ጡብ ኣደ ዓቕሚ ምክልኻል ህጻናት ዘሐይሉን ንዕብየት ሓገዝቲ ዝዀኑ መኣዛታትን ይህብ። ውድብ ጥዕና ዓለም “ኵሎም ካብ 0–23 ወርሒ ዝዕድመኦም ህጻናት ብግቡእ ጸባ ጡብ እንተዝረኽቡ፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 820 ሽሕ ኣብ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድመኦም ዝሞቱ ዘለዉ ህጻናት ክድሕን ከምዝኽእል” ይግምት።
ነቲ ፕሮጀክት - ባንክ ጸባ ኣደ - ዝደገፈ ዩኒሴፍ፡ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሴፍን ብሓባር፡ ካብ ኣደኦም ጸባ ክምገቡ ዘይክእሉ ዕሸላት ብዝዀነ መገዲ ጸባ ኣደ ክምገቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣብ 2018 ኣቕሪቦም። ትካላት ጥዕና ኣመሪካን ኣውሮጳን ለገስቲ ጸባ ኣደ ከም ምርጫ ክህሉ የተባብዓ።

ምንጪ ስእሊ, Unicef
ዓለማዊ ሕጊ ኣሎ ዶ?
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ባንክታት ጸባ ኣደ ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ኣብ ስራሕ ከምዘለዋ ይገልጽ። ሃይማኖታዊ ተቓውሞ ግን ሓያል ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ባንግላድሽ ኣብ 2019 ዝተመስረተ ባንክ ጸባ፡ ድሕሪ ተቓውሞ ሃይማኖታዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተዓጽዩ።
ኣመሪካዊ ኣካዳሚ ሕክምና ህጻናት ዘውጽኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ “ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከባ ስድራቤታት ኣስላም፡ ስም ለገስቲ ሰባት ብዘይምግላጹ፡ ካብ ባንክታት ጸባ ኣደ ዝመጽእ ጸባ ክጥቀማ ፍቓደኛታት ኣይኰናን” ክብል ኣስፊሩ።
ክሳብ ሕጂ ባንክ ጸባ ኣደ ንምቛም ዝምልከት ቀዋሚ መምርሒ የለን፤ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ፓኪስታን ንፈለማ እዋን ዝወሰደቶ ተበግሶ ባንክ ጸባ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።
ኣብ ካራቺ ተመሊስና እንተርኢና ግን፡ ንእሽቶ ጓል ባሺራ ሕጂ ጥዕይቲን ሕጕስቲን ቈልዓ ኰይና ኣላ፤ እዚ ድማ ሳላ’ቲ በቲ ሆስፒታል ብዘይወግዓዊ መገዲ ለጋሲት ጸባ ንምርካብ ዝተገብረ ምምችቻ’እ እዩ።
በሺራ ንኻልኦት ኣደታት ክትሕግዝ “ተራኣ” ትጽበ ኣላ።
“ንዓኣ [ነታ ለጋሲት ኣደ] ንዘልኣለም አመስግና፣ ኣብ መጻኢ ድማ ነቲ ሞጐስ ክመልስን ህይወት ከድሕንን ዕድል እንተረኺበ ንዝዀነ ቈልዓ ከጥቡ ምድለኹ” ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







