ቁጥዐ መግቢ ስለምንታይ እዩ ኣብ ህጻናት ዘጋጥም ዘሎ?

ህጻናት ቁጥዐ ዘማዕብሉ ካብ ከባቢኦም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ቁጥዐ ዘማዕብሉ ካብ ከባቢኦም እዩ

ምስ ሓንቲ መሳርሕተይ ካብ ስራሕ ወጺእና እናኸድና ኣብ መንገዲ 'ንወደይ' ኢላ ዝተዓሸጉ ብሽኰቲ ዓዲጋ።

እቶም ዝዓደገቶም ኵሎም ካብ ስገም ዝተሰርሑ ስለዝነበሩ ገሪሙኒ።

“ቈልዑ’ሞ ካብ ስገም ዝተሰርሐ ብሽኰቲ ይፈትዉ ኢልኪ ዲኺ?” ክብል እሓታ።

ሽዑ እያ ወዳ ቁጥዐ ስርናይ (ኣለርጂ) ከምዘለዎ ዝነገረትኒ። ወዳ ከም ካልእ ሰብ ካብ ስርናይ ዝተሰርሑ ባኒ ይዅን ቅጫ እንተላይ ብሽኰቲ ኣይበልዕን።

እዚ ምስ ሰማዕኩ ምስ ባህልና ብዝተኣሳሰር ኣዝየ ሰንቢደ። ቈልዑ ናብ ገዛና እንትመጹ ባኒ ይዅን ቅጫ ምሃብ ልሙድ እዩ።

ሕሰብዎ’ሞ . . . ወዲ እታ መሳርሕተይ ናብ ገዛኹም መጺኡ ባኒ ብሻሂ እንተሂብክምዎ እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል?

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቁጥዐ ምግቢ ብዙሕ ዝተለምደ ስለዘይኰነ ብዛዕባኡ ዘለና ንቕሓት እውን ድሩት እዩ። ስለዚ ድማ ወለዲ ከየፍቀድና ንቘልዑ ዝዀነ ዝብላዕ ነገር ምሃብ ከም ነውሪ ኣይንርእዮን። ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል እውን ኣይንሓስብን።

ይዅን’ምበር ኣብዚ እዋን ህጻናት ቁጥዐ ከማዕብሉ ብተደጋጋሚ ይርኣይ ኣሎ።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ዝርገሐ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰር ቁጥዐ ክሳብ 27 ሚእታዊት ከምዝበጽሕ ረኺቡ ነይሩ።

ቁጥዐ ህይወት ዝያዳ ክተሓላለኸ ካብ ምግባር ሓሊፉ ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓደጋ ከምዘለዎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ውላዱ ቁጥዐ ከማዕብልን ብሰንኪ እዚ ድማ ክሳቐ ምርኣይን ዝደሊ ወላዲ የለን።

እቲ ሓቂ ግን ዝዀነ ህጻን ቁጥዐ ከማዕብል ተኽእሎ ዘሎ ኰይኑ፡ ዝያዳ ግን ኣብቶም ካብ ታሪኽ ቁጥዐ ዘለዎም ስድራቤታት ዝውለዱ ህጻናት እዩ ዘጋጥም። እዚ ክኸውን እንከሎ ድማ ወለዲ ብኣጋኡ ነቲ ኵነታት ምልላዮም ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ህጻናት ዘጋጥሙ ሕማማት ቁጥዐ እናወሰኹ ብምምጽኦም ኣብዚ እዋን ንኣስታት 35 ሚእታዊት ህጻናት ከምዝጸልዉ ይእመን። ኣብ ህጻናት ቀንዲ ጠንቂ ሕማም እዮም።

ዝያዳ ኣብ ካብ ታሪኽ ቁጥዐ ዘለዎም ስድራቤታት ዝውለዱ ህጻናት’ኳ እንተተረኣዩ፡ ከም ከባብያዊ ነገራት፡ ኣመጋግባ፡ ረኽስታትን ዝኣመሰሉ ንዝተፈላለዩ ቁጥዐ ዘስዕቡ ነገራት እውን ኣለዉ።

ግን ቁጥዐ እንታይ እዩ? ህጻናትከ ብኸመይ እዚ ኵነታት የማዕብሉ? ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ጽሑፍ ክትረኸቡ ኢኹም።

ኣብ ምዕባለን ማሕበራዊ ህይወትን ህጻናት ኣገዳሲ እዩ፤ ቁጥዐ መግቢ ኣብ ሓባራዊ ህሞታት ህጻናት ጸቕጥን ጭንቀትን ከስዕብ ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምዕባለን ማሕበራዊ ህይወትን ህጻናት ኣገዳሲ እዩ፤ ቁጥዐ መግቢ ኣብ ሓባራዊ ህሞታት ህጻናት ጸቕጥን ጭንቀትን ከስዕብ ይኽእል

ቁጥዐ እንታይ እዩ?

ቁጥዐ፡ ብተለምዶ ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ጉድኣት ዘየስዕብ ዘይንቡር ግብረ-መልሲ ስርዓተ-ምክልኻል ወይ ዘይተጻዋርነት እዩ። ገለ መግብታት፡ ዶሮና፡ ጽገ ተኽልታትን መድሃኒታትን ድማ ካብቶም ልሙዳት ጠንቂ ቁጥዐ እዮም።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ግብረ-መልሲ ስርዓተ-ምክልኻል ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ (ኣናፊላክሲስ) ኵነታት ከስዕብ ይኽእል።

ሓደ ሰብ ንቁጥዐ ዘስዕብ ነገር እንተተቓሊዑ፡ እቶም ምልክታት ቀልጢፎም እዮም ዝረኣዩ። ንኣብነት ቁጥዐ ዘስዕብ መግቢ ድሕሪ ምብላዕ ኣብ ውሽጢ 10-20 ደቓይቕ ወይ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት’ውን ምልክታት ክረኣዩ ይኽእሉ እዮም።

ገለ ካብቶም ቁጥዐ ዘስዕቡ መግብታት፡

  • ጸባ
  • እንቋቑሖ
  • ፉል
  • ከም ጀዝ፡ ለውዝ ዝኣመሰሉ ፍረታት ገረብ
  • ሰሊጥ
  • ዓሳ
  • ስርናይ

ካልኦት ጠንቅታት

  • መንከስቲ ሓሳኹ
  • ከም ጸረ-ነፍሳት ዝኣመሰሉ መድሃኒታት
  • ከሚካላት
  • ገለ መመላኽዒታት ወይ መሕጸቢ ክዳውንቲ

ምልክታት ቁጥዐ መግቢ

ዕሸላት ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዕድመኦም ብዙሕ ዝተፈላለየ መግብታት ምምጋብ፡ ቁጥዐ ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ይንገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕሸላት ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዕድመኦም ብዙሕ ዝተፈላለየ መግብታት ምምጋብ፡ ቁጥዐ ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ይንገር

ቁጥዐ ዘጋጠሞም ሰባት ገለ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ፤

  • ጸላዕላዕ ምባል ወይ ሕበጥ ከንፈር፡ ኣፍ፡ መልሓስን/ወይ ጎሮሮን
  • ተምላስ ወይ ዕግርግር ናይ ምባል ስምዒት
  • ውጽኣት
  • ቃንዛ ከብዲ/ዘይምቾት
  • ቀይሕን ዘሕክኽን ዕንፍሩር
  • ጸቕጢ ኣፍልቢ/ምሕንፋጽ
  • ብቐጻሊ ምስዓል
  • ምንካይ ጸቕጢ ደም፡ ምድንዛዝ ወይ ድኻም

ህጻናት ስለምንታይ ቁጥዐ የማዕብሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህጻናት ቁጥዐ ኣማዕቢሎም ኣይኰኑን ዝውለዱ።

ቁጥዐ ናይ ምምዕባል ዝንባለ መብዛሕትኡ ግዜ ብውርሻ ስለዝመጽእ ግን ካብ ወለዲ ክመሓላለፎም ተኽእሎ ኣሎ። ግን ድማ ወለዶም ቁጥዐ ዘለዎም ህጻናት ኵሎም ብርግጽ ቁጥዐ የማዕብሉ እዮም ማለት ኣይኰነን።

ብተወሳኺ ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ፍሉይ ቁጥዐ ኣይወርሱን፤ እንታይ ደኣ ዝዀነ ቁጥዐ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ጥራይ እዩ ዝህሉ። ገለ ህጻናት ድማ ዋላ ኣብ ስድራኦም እንተዘይሃለወ፡ ቁጥዐ ከማዕብሉ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ህጻን ነቲ ቁጥዐ ዘልዕለሉ ነገር እንተድኣ ተቓሊዑ፡ ስርዓተ-ምክልኻሉ ብጌጋ ንኣካሉ ዝጐድእ ዘሎ ይመስሎ፤ ስለዚ ድማ ልዕሊ ዓቐን ምላሽ ብምሃብ ነቲ ከም ወራሪ ስለዝሓሰቦ ጠንቂ ቁጥዐ ክቃለሶ ይፍትን።

እዚ ንምግባር ድማ ኢሙኖግሎቡሊን ኢ (IgE) ዝበሃሉ ጸረ-ኣካላት የፍሪ። እዚኦም ብተራኦም ገለ ዋህዮታት ኣንጻር እቲ ቁጥዐ ዘስዕብ "ወራሪ" ንምክልኻል ሂስታሚን ዝበሃል ሓዊሱ ኬሚካላት ናብ ደም ክፍነዉ ይገብሩ።

እዞም ኬሚካላት ክፍነዉ እንከለዉ እዩ ቁጥዐ ዝፍጠር። እቲ ግብረመልሲ ንዓይኒ፡ ኣፍንጫ፡ ጎሮሮ፡ ሳንቡእ፡ ቆርበትን ሻምብቆ ከስዐን ክጸልዎ ይኽእል።

ዕሸላት ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናትን ኣዋርሕን ህይወቶም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ቁጥዐ ዘስዕቡ ነገራት ዝቃልዑ ብቆርበት ኣቢሉ እምበር ብምብላዕ ኣይኰነን።

ንኣብነት ሓደ ህጻን ብኣእዳው ወለዱ ወይ ከም ዶሮና ብዝኣመሰሉ ኣገባባት ንፉል ክቃላዕ ይኽእል፤ እዚ ድማ ስርዓተ ምክልኻሉ እቲ ህጻን ፉል ምብላዕ ከይጀመረ እንከሎ ነዊሕ ኣቐዲሙ ግብረ መልሲ ከበግስ ይኽእል። ሽዑ እቲ ህጻን ንመጀመርታ ግዜ ፉል ኣብ ዝበልዓሉ እዋን፡ ድሮ ቁጥዐ ኣማዕቢሉ ይጸንሕ ማለት እዩ።

ኣካል እቲ ህጻን መጀመርታ ብቆርበት ኣቢሉ ዘይኰነስ ምስ መግቢታት ምስ ፉል እንተተላሚዱ ግን ነቲ ቁጥዐ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኡ ከምዝትሕት ክኢላታት ይገልጹ።

ህጻናት ቁጥዐ ዘማዕብሉ ካብ ከባቢኦም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ቁጥዐ ዘማዕብሉ ካብ ከባቢኦም እዩ

ሕክምና ቁጥዐ

እቲ ዝበለጸ ቁጥዐ ከየጋጥም ዝሕግዝ ኣገባብ ካብቶም ጠንቅታት ምርሓቕ እዩ።

ብሓጺሩ ካብ ቁጥዐ ዘሕውይ መድሃኒት የለን።

እንታይ ደኣ. . . ነቶም ምልክታትን ከምኡ’ውን ነቲ ቃንዛ ንምቍጽጻር ዝሕግዙ ኣገባባት ሕክምና እዮም ዘለዉ። ብሓካይም ዝእዘዙን ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ክውሰዱ ዝኽእሉን ከም ጸረ-ሂስታሚን ዝኣመሰሉ መድሃኒታት ኣለዉ።

ወለዲ፡ ቁጥዐ ዘጋጠሞ ህጻን ብህጹጽ ናብ ሕክምና ክወስዱ ከምዘለዎም ክኢላታት ይምዕዱ።

ብተወሳኺ እዚ ኣብ ዝገብሩሉ እዋን ድማ እቲ ህጻን መዓስ ምልክታት ቁጥዐ ከርኢ ከም ዝጀመረ - ዕለት፡ ሰዓት ከምኡ’ውን ንክንደይ ግዜ ከም ዝጸንሐን ከስተብህሉ ኣለዎም።

ብዛዕባ ኣመጋግባ ውላድ፡ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ይገብር ከምዝነበረን ምልስ ኢሎም ክሓስቡን እዚ ኵሉ ዝርዝራት ድማ ክምዝግቡን ኣድላዪ ከምዝዀነ ይዛረቡ።

እዚ ምእንቲ እቲ ሓኪም ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ነገር ንጹር ርድኢት ክረክብ እዩ።

ብድሕሪኡ ካብቶም ሓካይም ብዛዕባ ዘድሊ ቀጻሊ ስጕምቲ ምኽሪ ምርካብ ይከኣል፣ እዚ ድማ መርመራታት ቁጥዐ ምክያድ፡ ናብ ፍሉይ ክኢላ ምውካስ (ሪፈራል) ወይ እቲ ህጻን ከወግዶም ዝግባኦ ነገራት ወይ ኣመጋግባ ክኸውን ይኽእል።

ወለዲ እቶም ኣብ ደቆም ቁጥዐ ዘስዕቡ ጠንቅታት ከለልዩን ብዛዕባኦም ርድኢት ክህልዎምን ይግባእ። ብተወሳኺ ብዝተኸኣለ መጠን ብዛዕባ እቲ ኵነታትን ኣጋጣሚ ክፍጠር እንከሎ ድማ እንታይ ግብረመልሲ ክውሰድ ከምዘድሊን ብዝምልከት ምስ ደቆም ክዘራረቡ ኣለዎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ወለዲ ውላዶም እንታይ ዓይነት ቁጥዐ ከምዘለዎም እንታይ ጥንቃቐ ከምዘድሊን ብዝምልከት ኣለይቲ ቈልዑ፡ ሰራሕተኛታት፡ መምህራን፡ ኣባላት ስድራቤት፡ ኣዝማድን፡ ኣዕሩኽ እቶም ህጻናትን ወለዶምን ክፈልጡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።