ደቅና ኣፍ ዘይምኽፋቶም ዘጨንቕ ድዩ?

ሓሳብካ ብዝግባእ ምግላጽ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ።
ሓሳብኩም ብዝግባእ ትገልጹ እንተዄንኩም ደቅኹም እውን ንከባቢኦም ክርድኡ፡ ክምሃሩ፡ ምስ ካልኦት ክረዳድኡ መሓዙት ክረኽቡን ዝዀነ ስምዒት ክገልጹን መንገዲ ዝኸፍት እዩ።
ብዙሓት ቈልዑ ኣፍ ንምኽፋትን ክእለት ቋንቋ ኣብ ምምዕባልን ይቃለሱ እዮም።
እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ዝዀነ ዓሚቝ ጸገም ኣሎ ማለት ከምዘይኰነ ምፍላጥ ይግባእ።
ካብ 10 ህጻናት 1 ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ኣብ ምዝራብ ክእለት ቋንቋ ኣብ ምምዕባልን ጸገም ከምዘጋጥሞ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ህጻናት ጸገም ምዝራብ ከምዘለዎም ዘርእዩ ምልክታት
ህጻናት ክሳዕ ክልተ ዓመት ዝመልኡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዕብየቶም ንምክትታል ዝሕግዙ መርመራታት ይግበረሎም እዩ። እዚኦም ቍመት፡ ክብደትን ኣካላዊ ምዕባለን ከምኡ’ውን ምዝራብን ክእለት ቋንቋን ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረጋግጹ መርመራታት የጠቓልሉ።
ካብዚ ወጻኢ ከም ወላዲ ምዕባለኦምን ክበጽሕዎም ዝግቡ ምዕራፋትን ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም።
ውላድኩም ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት ዘርኢ እንተዀይኑ፡ ኣብ ክእለት ቋንቋ ድሕሪት ተሪፉ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፤
- ንድምጺታት ምላሽ ዝህቡ ዘይመስሉ እንተዀይኖም፡
- ምሳኹም ንምርድዳእ ዝዀነ ተገዳስነት እንተዘይኣርእዮም፡
- ኣብ ዝዀነ ካብቶም ቀንዲ ምዕራፋት ዝበጽሑ እንተዘይመሲሎም፡
- ምሳኹም ክረዳድኡ ብዘይ ምኽኣሎም ዝበሳጨዉ እንተዀይኖም፡
- ዝዀነ ሰብ ዘይርድኦም ብዙሕ ድምጽታት ዘረባ ዘስምዑ እንተዀይኖም።
እዚ እንተድኣ ኰይኑ፡ ውላድኩም ንምሕጋዝ ክትገብርዎ እትኽእሉ ብዙሕ ነገራት ኣለዉ። እንተተጨኒቕኩም ድማ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ክኢላታት ምርካብ ይከኣል እዩ። ንደቅኹም ካባኹም ብዝበለጸ ዝፈልጦም የለን፤ ስለዚ እንተተሻቒልኩም ምስ ሰብ ሞያ ምዝርራብ ኣይትረስዑ። ጸገማት ብኣጋኡ ምፍላጥ ማለት ዘድሊ ደገፍ ብእዋኑ ንምርካብ መፍትሒ እዩ።

ጸገማት ምዝራብን ቋንቋን ኣብ ታሪኽ ስድራቤትኩም ኣሎ ድዩ?
ጀነቲካዊ ምትእስሳር ክህልዎም ዝኽእሉ ገለ ፍሉያት ጸገማት ዘረባን ቋንቋን ኣለዉ።
እዚ ማለት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ስድራቤት ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢምዎም እንተነይሩ፡ ደቅኹም እውን ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ ንኽእለት ምርድዳእ ዝጸልዉ ብዙሓት ነገራት ስለዘለዉ፡ ወትሩ ጀነቲካዊ ምትእስሳር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።
ብዛዕባ ምዕባለ ዘረባ ወይ ቋንቋ ደቅኹም ዝዀነ ስክፍታ እንተሃልይኩም፡ ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ።
ማናቱ ኣፍ ኣብ ምኽፋት ክድንጉዩ ይኽእሉ’ዮም፤ ከም ንቡር ግን ስክፍታ ዝፈጥር ኣይኰነን።
ቅድሚ ግዜኦም ዝተወልዱ ዕሸላት
ኵሎም ህጻናት ንኽምዕብሉ ግዜ የድልዮም፤ ብኣጋኡ እንተተወሊዶም ድማ ኣብ ልሙድ ዕድመ ክበጽሕዎም ኣብ ምዕራፋት ከይበጽሑ ይኽእሉ።
ቅድሚ ግዜኦም ዝውለዱ ህጻናት ዕብየቶም ንምክትታልን ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ደገፍ ምእንቲ ክረኽቡን ተወሳኺ መርመራ ጥዕና ክግበረሎም ይግባእ።
ደቅኹም ቅድሚ ግዜኦም እንተተወሊዶም፡ ምዕራፋቱ ካብቲ ብጭቡጥ ዝተወልዱሉ እዋን ዘይኰነስ ካብቲ ክውለድሉ ዝግባእ ዝነበረ ዕለት ጀሚሩ እዩ ክግምገም ዘለዎ።
ኣብ ክልተ ዓመቶም ድማ፡ ዕብየቶም መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዘለዉ ቈልዑ ማዕረ ክኸውን እዩ። ሽዑ ኣብ ጭቡጥ ዕለተ ልደቶም ምጥቃም ይከኣል። ኣብ ኣዝዮም ቅድሚ ግዜኦም ዝተወልዱ ህጻናት፡ ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ይኽእል።

ደቅኹም ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ?
ደቅኹም ንምሕጋዝ ክትገብሮ እትኽእሉ ነገር ብዙሕ’ዩ፤
- ብዝተኻእለኩም መጠን ብሓባር ብምዝርራብን ብምጽዋትን ግዜ ኣሕልፉ፤ ህጻናት ምሳኹም ብዝህልዎም ምትእስሳር እዮም ብዛዕባ ርክብ ዝመሃሩ። ስለዚ ብቐሊሉ ንጥፈታት ርክብ ኣብ መዓልታዊ ልምድኹም ምትእትታው ኣገዳሲ እዩ።
- ከባቢያዊ ድምጺ (ከም ቲቪ) ብምንካይ ናይ ምስማዕ ክእለት ከይዝሕትልን ከይደናገሩን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
- ደቅኹም ንኽዛረቡ ዝያዳ ዕድል ንክረኽቡ ቺቾቶ (dummy) ኣብ ኣፎም ዝሕዝሉ ግዜ ገደቡ።
- ከም ሞባይል ዝኣመሰሉ ነገራት ምጥቃም ገደቡ – ነዚኦም ካብ መጠን ንላዕሊ ምጥቃም ነቲ ብሓባር ክትሕልፍዎ እትኽእሉ ግዜ ይንክዮ እዩ።
- ደቅኹም ኣብ ከም ማእከላት ህጻናት፡ ቤተ-መጻሕፍትን ማሕበረሰባዊ ማእከላትን ዝኣመሰሉ ቦታታት ክኸዱን ምስ ጕጅለታት ክራኸቡን ግበሩ፤ እዚ ድማ ምስ ካልኦት ህጻናት ንኽሕወሱ ዕድል ዝህብ እዩ።
ነዞም ምኽርታት ተኸቲልኩም ደቅኹም ናይ ኣፎም እንተዘይከፊቶም፡ ሓኪም ምዝራብን ቋንቋን ክትውከሱ ከድልየኩም ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







