'ኣሕምልቲ ምምጋብ በይኑ ተቓላዕነት ሕማም ልቢ ኣይንክን'፡ መጽናዕቲ

ኣሕምልቲ ፋይበር ዘለዎም መግቢታት እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሕምልቲ ምምጋብ ንጥዕና ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ኣብዚሕካ ምምጋብ ሓደጋታት ሕማም ልብን ስትሮክን ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ከም ዘይብሉ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተኻየደ ዓብዪ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ተመራመርቲ ከም ዝሕብርዎ ካልኦት እንበልዖም ነገራት፣ እንበልዖ መጠን፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ኣበይን ከመይን ከምእንነብርን ዝያዳ ወሰንቲ እዮም፡፡

ብሓፈሻ ተመጣጣኒ መግቢ ምምጋብ ንመንሽሮን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዘለና ተቓላዕነት ይቕንሶ እዩ ኢሎም፡፡

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ ኢንግሊዝ ሓዊሱ ኣማኸርቲ ጥዕና ድማ ኣብ መዓልቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ምቃል ፍራፍረ ክንበልዕ ከም ዘለና ይመኽሩ፡፡

እቲ ብዩኒቨርሲቲታት ኦክስፎርድ፣ ብሪስቶልን ሆንግ ኮንግን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ዘሳተፈ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ዝምገብዎን መጠን ዝበሰለን ዘይበሰለን ኣሕምልትን ዝምልከቱ ሕቶታት ክምልሱ ተገይሩ፡፡

እቶም ተሳተፍቲ ብማእከላይ መዓልታዊ ክልተ ማንካ ዘይበሰለን ሰለስተ ማንካ ዝበሰለን ብሓፈሻ ሓሙሽተ ከም ዝምገቡ ተዛሪቦም፡፡

ንዝቕጽሉ 12 ዓመታት ድማ ብሓፈሻ ጥዕነኦምን ከምኡ እውን ናብ ሆስፒታል ዝወስድን ንሞት ዘቃልዕን ጸገማት ልብን ዝምልከት መጽናዕቲ ተገይሩሎም፡፡

ዝያዳ ፋይበር ዘለዎም ግቢታት

ዋላ'ኳ ብፍላይ እቶም ብዙሕ ዘይበሰለ ኣሕምልቲ ዝምገቡ ሰባት ምስቶም ውሑድ ዝምገቡ እንትነጻጸር ንሕማም ልቢ ዘለዎም ተቓላዕነት ብ 15 ምኢታዊት እንተቐነሰ፡ እዚ ግና ብካልኦት ባእታታት ክግለጽ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ፡፡

እዚ ድማ ኣገባብ መነባብሮ ዘጠቓልል እዩ፤ ሽጋራ ምትካኽ፣ እንሰትዮ መጠን ኣልኮል፣ እንዓዮ ዓይነት ስራሕ፣ ኣታዊናን ሓፈሻዊ ኣመጋግባንን ይሓውስ፡፡

ስለዚ ንሕማማት ልብን ዝውውርን ዝምልከት ‘‘እንምገቦም ኣሕምልቲ ዘለዎም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ’’ ዘመላኽት ውጽኢት ኣይረኸብናን ኢሎም።

ኣሕምልቲ ዝኸትፍ ዘሎ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከም ፕሮፌሰር ናቪድ ሳታር ዝበሉ ምሁራት ግና ከም አሕምልቲ ዝኣመሰሉ ብዙሕ ፋይበር ዘለዎም ምግቢታት ምምጋብ ‘‘ክብደት ንምቕናስን መጠን ናይቶም ንሕማም ልቢ ዘቃልዑ ባእታታት ኣብ ምምሕያሽን ክሕግዙ ይክእሉ እዮም’’ ይብሉ፡፡

ንሱ ከም ዝገልጾ መደምደምታ እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ እኳ ከካትዕ ዝኽእል እንተኾነ ነቲ ሰባት ኣብ መዓልቲ ብውሑድ ሓሙሽተ ምቃል ፍራፍረ ክበልዑ ኣለዎም ዝብል ምኽሪ ግን ክልውጦ ኣይግባእን ኢሉ፡፡

ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ንነዊሕ እዋን እንምግቦ ዓይነትን መጠንን ምግብን ንሕማም ዘለና ተቓላዕነትን ዝምልከት ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ጉድለት ዘለዎም ከም ዝኾኑ ይገልጹ፡፡

ብመሰረት እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ብዙሕ ዘይበሰለ ኣሕምልቲ ዝተመገቡ ሰባት ንሕማም ልቢ ዘለዎም ተቓላዕነት ቀኒሶም እዮም፤ ምኽንያቱ ምብሳል ኣሕምልቲ ከም ቫይታሚን ሲ ዝበሉ ጠቐምቲ ቫይታሚናት ክጠፍኡ ስለ ዝገብር፡፡

ምግቢ ንምብሳል እንጥቀመሎም ዘይቲታትን ስብሕን እውን ሕማም ልቢ ከስዕቡ ዝኽእሉ ከም ሶድየምን ስብሕን ዝበሉ ባእታታት ኣብ ሰብነትና ክውስኽ ይገብሩ እዮም፡፡