መግቢ፡ ንጥዕና ኣእምሮን ሕማማት ልብን ዝሕግዝ ዝንቕ መግብታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መብዛሕቴና መዓልታዊ ተመሳሳሊ መግቢ ኢና ንበልዕ። ኣብ ህይወትና ዝለመድናዮ ውሱን ዓይነታት መግቢ ስለዘለና ምርጫና ድሩት እዩ።
እቲ እንዕድጎ መግቢ፡ ዋግኡ፡ ኣብ ዕዳጋ ብቐረባ ዝርከብ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ንጥዕናና ብዝህልዎ ረብሓ እውን እናመዘንና ኢን ክንምገብ ዘሎና።
ንሓፈሻዊ ኩነታት ኣመጋግባና ኣብ ግምት አእቲና እኹል መጠን መኣዛታት ንረክብ ምህላውና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል?
ተመራመርቲ ስነ መግብን ጥዕናን፡ እኹል መኣዛታት መታን ክንረክብ ከም [ፍሩታታትን ኣሕምልትን] ዝኣመሰሉ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ዝኑቕ መግቢ ክንምገብ እዮም ዝመኽሩ።
ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ንጥዕና ዘይጎድኡ 'ሜደተራንያትን ዳይት' ተባሂሎም ዝጽውዑ ከም ፍረታት፣ ኣሕምልቲ ከምኡ'ውን ንጥዕና ዘይጎድኡ ብዙሕ ስብሒ ዘይብሉ 'ኤክስትራ ቨርጂን ኦሊቭ ኦይል' ዝበሃል ዓይነት ዘይቲ እዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎረንስ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ስነ-መኣዛ ፋራንሴስኮ ሶፊ፡ መግብታት ዝተፈላለዩ ሕብርታት ምህላዎም ናይ ኣጋጣሚ ከምዘይኮነ ይዛረብ።
"ልማዳዊ ዝኾኑ 'ሜዲተራንያን ዳይትስ' ዝባሃሉ ዓይነት መግብታት ምምጋብ ነቶም ዝተፈላለዩ መኣዛታትን ካልኦት ንጥዕና ዝሕልዉ ተወሰኽቲ ነገራትን ከም ምውሳድ ማለት'ዩ" ይብል።
እቶም 'ሜደተራንያን ዳይት' (መግቢ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ) ብዝብል ዝፍለጡ [ከም ፍሩታታት፣ ኣሕምልቲ ከምኡ'ውን ንጥዕና ዘይጉድኡ ስብሕታት ዝሓዙ 'ኤክስትራ ቨርጂን ኦሊቭ ኦይል'] መግብታት ጠቐምቲ ዝኾኑሉ ካልእ ተወሰኽቲ ምኽንያታት አለዉ። እቶም ኣብዚ ዝምደቡ መግብታት ዝጥበሱ ዘይኮኑስ ብማይ ዝበስሉ ምዃኖምን ንትሕዝቶኦም ምዕቃብ ዝከኣል ምዃኑ'እቲ ፕሮፌሰር ብኣብነት ይጠቅስ።
ኣብ ፓርትላንድ ኦሬጎን ዩኒቨርሲቲ ዌስተርን ስቴትስ ተመራማሪት ስነ መኣዛ ዲና ሚኒች፡ ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ነቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ መኣዛታት ክንረክብ ከምዝሕግዘና ትሕብር።
"ነቶም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ክንምገብ እንተዘይኪኢልና ንረብሓታት እቲ መግቢ ኢና ንስእን" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም ተኽልታት ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ሒዞም ከምዝፍጠሩ እትገልጽ እታ ተመራማሪት፡ ንኣብነት ከም ብሉቤሪ ዝበሉ ሰማያዊን ወይናይን ሕብሪ ዘለዎም መግብታት ንሕማም ልብን ሕማም ሽኮር ['ታይፕ-ቱ'] ንምክልኻል ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎም ተረድእ።
ብተመሳሳሊ ቢጫ ሕብሪ ዘለዎም ፍሩታታትን ኣሕምልትን እውን ሕማማት ልቢ ናይ ምንካይ ተኽእሎ ኣለዎም።
ካብ ውሽጢ ተኽልታት ዝርከቡ ገለ ክፋላት ናብ ዝተፈላለዩ ውሽጣዊ አካላት ወዲ ሰብ ከምዝበጽሑ እትሕብር ተመራማሪት ስነ መኣዛ ዲና፡ ንኣብነት ኣብ ቢጫን ሓምለዋይን ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ዝርከብ 'ሉቲን' ዝበሃል ንጥረ ነገር ናብቲ 'ማኩላር' ብዝብል ዝፍለጥን ንጹር ምስሊ ንምርኣይ ዝሕግዝን ዳሕረዋይ ክፋል ረቲና ዓይኒ ይበጽሕሞ ከምዘይኣርግ ይገብሮ" ብምባል ተረድእ።
'ፍሎቭኖይድስ' ብዝብል ዝፍለጡ ካብ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ዝርከቡ ውሁድ መኣዛታት ከኣ አብ ውሽጢ ሓንጎል ንዝፍጠርን ናብ ሕማም ረሲዕ ['ኣልዛይመር'] ዘቃልዕን ምምራዝ ብምክልኻል ጥዕና ሓንጎል ከምዝሕሎ ይገብር።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ንኣመጋግባ 50 ሽሕ ሰባት መሰረት ኣብ ዝገበረ መጽናዕቲ ሃርቫርድ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝተሳተፈት ተመራማሪት ሺን ዬህ፡ ከም ኣራንሺ፣ በርበረ፣ ሰደኖን ወይኒን ዝኣመሰሉ መግብታት ምምጋብ፡ ንዓቕሚ ምስትውዓልና ይዕቅብ ሕማም አእምሮ ዕብደት ወይ ጽላለ ንከየጋጥመና ከምዝከላኸል ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Beata Zawrzel/Getty Images
ስለዝኾነ ዋላ እውን ካብዚ ሕጂ እንርከበሉ ዕድመ ነዞም መግብታት ክንወስድ ይግባእ። ዝተፈላለየ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምውሳድ ነቲ ኩሉ ሳዕ ሓደ ዓይነት መግቢ ጥራሕ ብምምጋብና ክመጽእ ካብ ዝኽእል ሓደጋታት ከምዝከላኸልና ተረድእ።
"መጽናዕትታት ከምዘረጋግጾ፡ ጽማቝ ኣራንሺ ዓቕሚ ምስትውዓል (ልበታውነት ወይ ተገንዝቦኣውነት)ና ከየንቆልቁል ይሕግዘና። ግን ድማ ብዙሕ ጽማቚ ምውሳድ ምስ ታይፕ-2 ዓይነት ሕማም ሽኮር ዝተሓሓዝ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል'ዩ" ትብል። እዚ ክኸውን ዝኽእለሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትሕዝቶ ሽኮር ኣብቶም ፍሎቮናይድስ ዝበሃሉ ዓይነት ስለዘይኮነ'ዩ።
ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ክባሃል ከሎ ብቐንዱ ምስ ፍሩታታትን ኣሕምልትን ጥራሕ ክተሓሓዝ ይኽእል'ዩ። ሓደ መጽናዕቲ ከምዘረጋግጾ ድማ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም መግብታት ዝወስዱ ሰባት ጥዕንኦም ዝሓለዉ መግብታት ናይ ምውሳድ ልምዶም ክዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ።
ብተፈጥሮ ዘይኮነስ ባዕልና ብእንፈጥሮም ሕብርታት ዝተዳለዉ ከም ኬክን ካልኦት ምቁራት ነገራት ዝኣመሰሉ መግብታት ግን ምስቶም ዝተፈላለዩ ሕብሪታት ዘለዎም እንብሎም አማራጽታት መግቢ ዝምደቡ ኣይኮኑን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ምርር ዝበለ ጣዕሚ ዘለዎም ዓይነት ኣሕምልቲ ን12 ሳምንቲ ከምዝምገቡ ዝተገበሩ ሰባት ጸቕጢ ደሞም ከምዝነከየን ኣብ ሰብነቶም ዘሎ መጠን ሽኮር ከምዝተስተኻኸለን ተፈሊጡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







