ሓያሎ ጥንታዊ ቅርሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ድህረ ገጻት ሕሱር ዋጋ ንመሸጣ ቀሪቦም

ንመሸጣ ካብ ዝቐረቡ ቅርሲታት ኢትዮጵያ ሓደ

ምንጪ ስእሊ, eBay

መግለጺ ስእሊ, ንመሸጣ ካብ ዝቐረቡ ቅርሲታት ኢትዮጵያ ሓደ

ሓያሎ ቅርሲታት ኢትዮጵያ ኣብ ከም ኢቤይን ኣማዞንን ዝበሉ ናይ ኢንተርነት መርበባት ዕዳጋ ንመሸጣ ቀሪቦም።

እዞም ካብ ኢትኦጵያ ዝተወሰዱ ከምዝኾኑ ዝተገለጹ ቅርሲታት ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ኣብ ናይ ዕዳጋ ድህረ ገጻት ሕሱር ብዝበሃል ዋጋ ይሽየጡ ከምዘለዉ መራኸብቲ ብዙሃን ዓለም ይጽብጽቡ ኣለዉ።

ካብዚኦም እቶም ዝበዝሑ ኢቤይ ኣብ ዝተባህለ ድህረ ገጽ ተዘርጊሖም ይረኣዩ።

ሃንደበት ኣብዚ እዋን ብዙሓት ቅርሲታት ናብ ዕዳጋ ምውጸኦም፡ ምናልባት ኣብ እዋን ኲናት ካብ ትግራይ ዝተሰረቑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣልዒሉ ኣሎ።

ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ማእከላት ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ጥንታዊ ቅርስታት ከምዝተዘረፉ እውን ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ካብ በዓል ስልጣን መጽናዕትን ሓለዋን ቅርሲ ፌደራል መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ንግዚኡ ኣይሰመረን።

ኣብዚ ዛዕባ ቢቢሲ ኒውስደይ ዘዘራረቦ ተመራማሪ ቋንቋ ታሪኽን ምሩቕ ዶከተር ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግን ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ እዋን እቲ ኲናት "ካብ ብዙሓት ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ትግራይ ቅርሲታት ከምዝተዘረፉ ኣረጋጊጸ እየ" ይብል።

ካብቶም ዝተዘረፉ ቅርሲታት ገሊኦም ጥንታውን ኣብ ካልእ ዘይርከቡን ከምዝኾኑ ዝገለጸ ዶ/ር ሓጎስ፡ እቶም ቅርሲታት ዝሽየጡሉ ዘለዉ ዋጋ ኣዝዩ ሕሳር ዝበሃል ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ብኸመይ ተዘሪፎም ካብ ሃገር ክወጹ ከምዝኸኣሉ ምፍላጥ ኣጸጋሚኳ እንተኾነ፡ ብሱዳንን ኬንያን ኣቢሎም ወጺኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ግምቱ ኣቐሚጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ብዙሓት ካብ ኢትኦጵያ ዝተወሰዱ ቅርሲታት ኣብ ድህረ ገጽ 'ኢቤይ' ካብ ዘቕረቡ ትካላት ሓደ ዎርለይ ኢንተርፕራይዝስ ኢንተርናሽናል ኤልኤልሲ (Worley Enterprises International LLC) እዩ።

እዚ ሸያጣይ ናብ ዕዳጋ ካብ ዘቕረቦም ጥንታውያን ቅርሲታት ሓደ ካብ 15 ክሳብ 17 ክፍለ ዘበን ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኢድ ዝተጽሓፈ ሃይማኖታዊ መጽሓፍ ይርከቦም።

እቲ ኣብ ቆርበት እንስሳታት (ብራና) ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ብ12 ጥሪ 2014 ዓ/ም ብ240 ዶላር ኣመሪካ ንመሸጣ ቀሪቡ።

ካልእ ካብ 15 ክሳብ 16 ክፍለ ዘበን ኣብ ዘሎ እዋን ተጻሒፉ ክኸውን ከምዝኽእል ዝግመት መጽሓፍ ብተመሳሳሊ ብ1250 ዶላር ኣመሪካ ኣብቲ ድህረ ገጽ ንመሸጣ ቀሪቡ።

ኣብ ከም ኢቤይ ዝበሉ ናይ ኢንተርነት ዕዳጋታት ውልቀ ሰባት ተመዝጊቦም፡ ፎቶን መግለጽን ኣተሓሒዞም ኣቑሑት ንመሸጣ የቕርቡ።

ዎርለይ ኢንተርፕራይዝ ኢንተርናሽናል ኤልኤልሲ ዘቕረቦም ካብ ኢትዮጵያ ዝወጹ ቅርሲታት " ምኢቲ ካብ ምኢቲ ሓቀኛ" ምዃኖም ብምግላጽ፡ ነቶም ገዛእቲ "እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከየምልጠኩም" እናበለ ክገዝኡ ይደፋፍኦም።

እቲ ትካል፡ ሰባት ነዞም ጥንታዊ ቅርሲታት ክሸጠሎም ምስሃብዎ ናብ ዕዳጋ ከምዘቕርቦም ኣብ መግለጺ እቶም ዝሸጦም ቅርሲታት ይሕብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝኣከቦም፡ ወይ እውን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ገዚኡ ኣብ ኢቤይ ከምዝሸጦም ይገልጽ።

እቲ 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓድግታት ካብ ዘብጸሖ ጉድኣት ብተወሳኺ ከቢድ ዕንወትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ፈጢሩ እዩ።

ዛጊድ ብልክዕኳ እንተዘይተፈለጠ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጋፈሐ ኲናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ዝተቓልዑ ኮይኖም ኣስታት 10 ሚልዮን ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኾኑ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።

ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ናብ ዘተ ሰላም ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ከምዝተረኸቦ እዮም ላዕለዎት መራሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጹ ዘለዉ።

እንተኾነ ሕዚ እውን ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ክልል ዓፋርን ትግራይን ኲናት ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።