ግብጺ፡ ኣብ ብርጣንያ ንጨረታ ቀሪቡ ዝነበረ ቅርሳ ኣምሊሳ

ካብ ብርጣንያ ናብ ግብጺ ዝተመለሰ ቅርሲ

ምንጪ ስእሊ, Egypt Ministry of Antiquities

ካብ ግብጺ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወጽዩ፡ ኣብ ሎንደን ንጨረታ ዝወረደ ቅርሲ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ክምለስ ከም ዝተገበረ ሰብ መዚ ግብጺ ሓቢሮም።

ሚኒስተር ስነ ቅርሲ ግብጺ፡ ኣብ መርብብ ሓበሬታ ናይ ጨረታ እናዳህሰሱ እንከለዉ ነዚ ቅርሲ ናብ ጨረታ ወሪዱ ከም ዝርኣይዎ ድሕሪ ምሕባር፡ ካብቲ መዝገብ ጨርታ ተኣልዩ ናብ ግብጺ ዝምለሰሉ መንገዲ ኣብ ምዝታይ ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።

እዚ ቅረሲ ናይ ንጉስ ኣመነሆተፕ ቀዳማይ ኮይኑ፡ ምዓስን ብኸመይን ካብ ግብጺ ወጽዩ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ሚኒስተር ስነ ቅርሲ ግብጺ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጽን ኢምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ግብጽን ብምዃን ነዚ ቅርሲ ናብ ግብጺ ዝምለሰሉ ኣገባብ ኣብ ምምይያጥ ከም ዝጸንሑ ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ ካብ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ዘተ'ዩ ሕጂ ውጽኢት ተረኺብዎ ክኣ ኢሉ።