ግብጺ፡ ኣብ ብርጣንያ ንጨረታ ቀሪቡ ዝነበረ ቅርሳ ኣምሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Egypt Ministry of Antiquities
ካብ ግብጺ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ወጽዩ፡ ኣብ ሎንደን ንጨረታ ዝወረደ ቅርሲ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ክምለስ ከም ዝተገበረ ሰብ መዚ ግብጺ ሓቢሮም።
ሚኒስተር ስነ ቅርሲ ግብጺ፡ ኣብ መርብብ ሓበሬታ ናይ ጨረታ እናዳህሰሱ እንከለዉ ነዚ ቅርሲ ናብ ጨረታ ወሪዱ ከም ዝርኣይዎ ድሕሪ ምሕባር፡ ካብቲ መዝገብ ጨርታ ተኣልዩ ናብ ግብጺ ዝምለሰሉ መንገዲ ኣብ ምዝታይ ከም ዝጸንሑ ሓቢሩ።
እዚ ቅረሲ ናይ ንጉስ ኣመነሆተፕ ቀዳማይ ኮይኑ፡ ምዓስን ብኸመይን ካብ ግብጺ ወጽዩ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ።
ሚኒስተር ስነ ቅርሲ ግብጺ፡ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጽን ኢምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ግብጽን ብምዃን ነዚ ቅርሲ ናብ ግብጺ ዝምለሰሉ ኣገባብ ኣብ ምምይያጥ ከም ዝጸንሑ ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ ካብ ወርሒ መስከረም ዝጀመረ ዘተ'ዩ ሕጂ ውጽኢት ተረኺብዎ ክኣ ኢሉ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







