ኣብ ፈረንሳ ዝተሰረሐ ቅርጺ ኣልጀርያዊ ጅግና ክምረቕ ሰዓታት ምስተረፎ ፈሪሱ

ኣልጀርያዊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ማእከላይ ፈረንሳ ዝተሰርሐ ቅርጺ ኣልጀርያዊ ወታሃደራዊ ጅግና፡ ብቐዳም ክምረቕ ሰዓታት ምስተረፎ ከምዝዓነወ ተገሊጺ፡፡

እቲ ንድምቀት ኣልጄርያ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጻ ዝወጸትሉ ጽምብል 60 ዓመት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ቅርጺ፡ ናይቲ ሓደ እዋን ቀንዲ ጸላኢ ፈረንሳ ዝነበረ ኢሚር ዓብዱልቃድር እዩ፡፡

ዓብዱልቃድን ነቲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ፈረንሳ ኣብ 1830 ዝተኻየደ ቃልሲ ዝመረሐ እዩ፡፡

ንሱ ኣብታ እቲ ቅርጺ ዝቖመላ ከተማ ኣምቦይስ ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲሩ ነይሩ፡፡

በቲ ኣብቲ ስራሕ ጥበብ ዝበጸሐ ጉድኣት ከምዝሓዘነ ዝገለጸ ከንቲባ እታ ከተማ ቴሪ ቦውታርድ እቲ ብቐዳም ክካየድ ዝተሓሰበ ጽንብል ክቕጽል ወሲኑ እዩ፡፡

‘‘እዚ መዓልቲ፡ መዓልቲ ሓድነትን ስኒትን እዩ፤ ከምዚ ዓይነት ባህርያት ዘረባ የብሉን’’ ክብል ኮኒኑ፡፡

ኤምባሲ ኣልጄርያ ኣብ ፈረንሳ እውን ነቲ ተግባር ተቓዊምዎ፡፡

እቲ ተግባር ንፕረዚደንታዊ ውድድር ናይ ምረጹኒ ወፍሪ ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋንን ጉዳይ ስደተኛታትን እስልምናን ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ወቕትን ምፍጻሙ ድማ ኣዘራራቢ ገይሩዎ ኣሎ፡፡

ቅድሚ ወታሃደራዊ መራሒ ምዃኑ ናይ እስልምና መምህር ዝነበረ ኢሚር ዓብዱልቃድር፡ በቲ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ፈረንሳ ዝገበሮ ናይ ምክልኻል ቃልሲ፡ ሓደ ካብቶም መስረትቲ እዛ ናይ ሎሚ ኣልጀርያ ተገይሩ እዩ ዝቑጸር፡፡

እንተኾነ እቲ ዝመርሖ ተቓውሞ ብዘይምዕዋቱ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ፈረንሳ ናብ እትርከብ ከተማ ኣምቦይስ ተወሲዱ ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲሩ፡፡

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈተሐ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ምኻዱ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝበጽሕ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ብዝሰረሖ ስራሕቲ ድማ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ፡፡

ኣልጀርያ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኲናት ኣብ 1962 ናጽነታ ዝረኸበት ኮይና፡ በሰላ እቲ ኲናት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ሎሚ ዝተሓላለኸ ክኸውን ገይሩዎ እዩ፡፡

ኣብቲ ኲናት ካብ 400 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ሰብ ከምዝሞተ እዩ ዝንገር፡፡

እቲ ቕርጺ ኣልጀርያዊ ጅግና፡ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ቁስሊ እቲ ኲናትን መግዛእቲ ፈረንሳን ንምሕዋይ ንሰብ ሞያ ታሪኽ ብዘቕረቦ ሓሳብ መሰረት ዝተሃነጸ እዩ፡፡