ፈረንሳይ ብሰንኪ ወሰኽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንሳልሳይ ግዜ ዕጽዋ ኣዊጃ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰንኪ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ሆስፒታላታ ከየዕለቕልቕ ስግኣት ዝሓደራ ፈረንሳይ ንሳልሳይ ግዜ ሃገራዊ ዕጽዋ ኣዊጃ።
ብመሰረት እቲ ናይ ዕጽዋ ኣዋጅ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርትን ኣገደስቲ ዘይኮኑ ድኳናትን ንኣርባዕተ ሰሙን ክዕጸዉ ዝተወሰነ ኮይኑ ሰዓት እቶ እቶ ድማ ካብ 19፡00 ክሳብ 06፡00 ከምዝተኣወጀ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጥራይ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ሰባት ብ145 ዝወሰኸ ኮይኑ፡ ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ሕሉፍ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝዛየደ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ናይ ሆስፒታል ዓራውቲ ከቕርብ ተመጻቢዑ’ሎ።
ፈረንሳይ ቁጽሪ ኣብ መሐከሚ ክፍሊ ብጽኑዕ ዝሓመሙ፡ 5000 ሰባት ብምምዝጋብ ምስ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግብግብ እትርከብ ሃገር እያ።
እታ ሃገር ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ልዕሊ 46 ሽሕ ሓድሽ መልከፍትን 304 ሞትን ከምዘመዝገበት ተሓቢሩ።
ፈረንሳውያን ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሮም ካብ መንበሪ ቤቶም ተበጊሶም ልዕሊ 10 ኪ.ሜትር ክጓዓዙ እንተድኣደልዮም ጭቡጥ መረዳእታ ከቕርቡ ከግደዱ እዮም።
ፕረዚደንት ማክሮን ብጀካ ካልእ ተወሳኺ ሃገራዊ ዕጽዋ ሃገሩ ፈረንሳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክትከላኸል እያ ዝብል ተስፋ ከምዝነበሮ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ግን ፈረንሳይ ብሰንኪ እቲ ኣብ መላእ ሕብረት ኣውሮፓ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ክታበት ምድንጓያት ምስ ኮሮናቫይረስ እትገብሮ ቃልሲ ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







