ኮሮናቫይረስ፡ ፈረንሳይ ልዕሊ 30 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳይ ካብ ጽባሕ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ሓዊሱ ኣብ 9 ከተማታት ተግባራዊ ዝኸውን ናይ ለይቲ ሰዓት እቶ እቶ እንተኣወጀት'ውን፡ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ምምዝጋብ ዓዲ ኣይወዓለትን።
ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ካብ ሮብዕ ናይ ኣስታት 8 ሽሕ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ተሓቢሩ’ሎ።
በዚ ምኽንያት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ህይወት ሰባት ንምድሓን ጥቡቕ ዝኾነ ቁጽጽር ምትግባር ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ መንግስታት ደግሲ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ይቃለሰሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ቁጽጽር ክጸንሑ ከም ዝግባእ ተነጊርዎም’ሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ ካብ መጻኢ ቀዳም ጀሚራ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክትክልክል ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።
ሃገራት ፈረንሳይ፣ ጣልያን፣ ፖላንድን ጀርመንን ድማ ትማሊ ሓሙስ ብብዝሒ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣካየዳ ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊበን።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣውሮጳ መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ሞት ስለ ዝተመዝገበ መንግስታት ቅልጡፍ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኣተሓሲስብዎም።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ፈረንሳይ እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ፈረንሳ ካብ ዝሓለፈ ሮብዕ ጀሚራ ሓደሽቲ ክልከላታት ከም ዘተኣታተወት ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ነበርቲ ፓሪስን ከባቢኣን ኢሉ’ውን ንማርሲለን ሊዮንን ካልኦት 8 ከተማታትን እታ ሃገር ብጀካ ቅቡል ምኽንያት ካብ ገዝኦም ካብ ሰዓት 21፡00 ክሳብ 06፡00 ንኸይወጽኡ ተኣጊዶም።
እቲ ክልከላ ንኣርባዕተ ሰሙን ከም ዝጸንሕ ዝሓበረ ፕረዚደንት ማክሮን፡ መጠን መዓልታዊ መልከፍቲ ናብ 3 ሽሕ ናይ ምጉዳል ሸቶ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ጂን ካስቴክስ ብወገኑ እቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ተግባራዊ ንምግባር ፖሊስ ክዋፈር ከም ዝግበር ክገልጽ እንከሎ፡ ሰባት ግን ናብ ስራሕ፣ ሆስፒታልን መደብር መድሃኒትን ክኸዱ ፍቑድ እዩ ኢሉ።
ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብ ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ምጽራእ ንከካይድ መንበሪ ገዛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ንመንበሪ ገዛ ላእለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ሓለፍቲ ጥዕናን ከም ዝተቖጻጸሩዎ ይፍለጥ።
መንግስቲ ፈረንሳ፡ ብሕጽረት ናውታት ሕክምናን ቅልጡፍ ምላሽ ብዘይምሃብን ሓያል ነቐፌታ ይቐርበሉ እዩ።
ኣብ ኣውሮጳ መጠን ሞት ካብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢትን ሚያዚያን ኣጋጢሙ ዝነበረ መጠን ሞት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝጎደለ ከም ዝኾነ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዶክተር ሃንስ ክሉጀ ሓቢሩ።
መጠን መልከፍቲ ዝዛየደሉ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ኣብ ክሊ ዕድመ ንእስነት ዝርከቡ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ይታሓዙ ስለ ዘለዉ’ዩ ዝበለ ዶክተር ሃንስ፡ ሞት ዝነከየሉ ምኽንያት ድማ መናእሰይ ብኮሮናቫይረስ ናይ ምሟት ዕድሎም ትሑት ስለ ዝኾነ’ዩ ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







