ፈረንሳ፡ ኣብ ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ናይ ፈረንሳ ልዕሊ 100 ሽሕ ዓሳታት ሞይቶም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ናይ ፈረንሳ ልዕሊ 100 ሽሕ ዓሳታት ሞይቶም ድሕሪ ምርካቦም፡ ሚኒስተር ዓሳ እታ ሃገር ጠንቂ ሞት እቶም ዓሳታት ብቅልጡፍ ክምርመር ጸዊዓ።
ብተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ተሳኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ ኣሽሓት ዝሞቱ ዓሳታት ኣብ ማይ ጸንበለል እናበሉ እንከለዉ የርኢ።
ኣብ ዓለም ብግዝፋ ካልኣይቲ ዝኾነት ካብ ምዓሙቕ ባሕርን ውቅያኖስን ዓሳታት እትገፍፍ ማርጊሪስ እትብሃል መርከብ፡ እቲ ትገፈሉ ዝነበረት ሬተ ኣብ ውሽጡ ባሕሪ ከምዝተበታተኸ መግለጺ ኣውጺኣ ነይራ እያ።
እዚ ናይዛ ባንዴራ ሊትዌንያ ዘለዋ መርከብ መግለጺ ምስ ሞት እቶም ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ዓሳታት ዝዛመድ እንተኾይኑ ግን ኣይተገለጸን።እቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ ዓሳታት፡ ‘ብሉ ዊቲንግ’ ዝብሃሉ ዓሌታት ዓሳ ምዃኑም’ውን ተገሊጺ ኣሎ።
‘ሲ ሺፐርድ’ ዝተብሃለ ጉጅለ ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ብሓሙስ ነቶም ዝሞቱ ዓሳታት ብምስኣል፡ ስፍሓት ናይቶም ሞይቶም ጸንበለል ዝብሉ ዝነበሩ ዓሳታት 3000 ትርብዒት ሜትሮ ከምዝሽፍን ገሊጾም።
ላዕለወይቲ ሓላፊት እቲ ጉጅለ ላምላ ኢሰምላሊ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እተን ኣብ ባይታ ናይ ባሕርን ውቅያኖስን ዓሳታት ዝገፋ መራኽብ ኣብ ከም ኣውስትራልያን ወሽመጥ ቢስካይን ከምዝተኣገዳ ብምዝኽኻር “እዚ ንቅሓት መላእ ፈረንሳ ዘበርኽ እዩ” ኢላ።
እተን ካብ ባይታ ናይ ባሕርን ውቅያኖስን ዓሳ ዝገፋ መራኽብ፡ ነቲ መግፈፊ ሬተ ኣብ ባይታ ዝብጽሕ ከቢድ ሓጺን ኣምሪሐን እናጎተታ ዓሳ ኣብ ዝጎሳሉ ኣብ ውሽጡ ባሕሪ ዝርከብ መፋረይን ምጽለሊ ዓሳታትን ዝኾነ ተፈጥሮ ከምዘዕንወኦ’ዮም ተጣበቕቲ ስነ ኣከባቢ ዝገልጹ።
ሚኒስተር ዓሳ ፈረንሳ ኣኑኢክ ጊራዲን ብትዊተር ከምዝገለጸቶ፡ እቲ ስእሊ ናይ ዝሞቱ ዓሳታት ኣዝዩ ከምዘሰንበዳ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ብቅልጡፍ ክጻረ ምዃኑ ሓቢራ።
ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ኮምሽነር ስነ ኣከባቢ፡ ውቅያኖስን ዓሳታትን ቪርጊኑጁስ ሲንክቪኮስ ብወገኑ ብዛዕባ ሞት እቶም ኣሽሓት ዓሳታት መብርህን መርትዖን ይጽበ ምህላዉ ገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







