ኡጋንዳ ኣብ ቀላይ ቪክቶሪያ ንዘጋጠመ ዝለዓለ መጠን ሞት ዓሳታት ትምርምር ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኡጋንዳ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቀላይ ቪክቶሪያ ዘጋጠመ ሞት ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳታት ትምርምር ምህላዋ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ሓቢሮም።
ሚንስትሪ ሃብቲ ዓሳ ኡጋንዳ፡ ዜጋታት ዝሞቱ ዓሳታት ከይምገቡ መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ ነቶም ዝሞቱ ዓሳታት ንክቐብሩዎም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ክሳብ ክንደይ ዝግመቱ ዝሞቱ ዓሳታት ናብ ገማግም ተደፊኦም ከም ዝወጽኡ ግን ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝዘርግሕዎም ስእልታት ግን ኣዝዮም ብዙሓት ዝሞቱ ዓሳታት ናብቲ ገማግም ተደፊኦም የረኣዩ።
እቲ ልዕሊ 100 ኪሎ ግራም ዝምዘንን ብዙሓት ኡጋንዳውያን ንመግቢ ዝጥቀሙሉን ‘ናይል ፐርች’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓሌት ዓሳ ድማ ቀንዲ ግዳይ እቲ ዘጋጠመ ሞት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።
ምኽንያት ሞት እቶም ዓሳታት ምስ ምንካይ መጠን ኦክስጅን ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል በዓል መዚ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ብፍላይ እቶም ዓሌታት ዓሳ ኣብ ሓደ ሌትሮ ማይ ዝርከብ መጠን ኦክስጅን ትሕቲ 2 ሚሊግራም እንተኾይኑ ተቓላዕነቶም ዝለዓለ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
እንተኾነ እቲ ትኽክለኛ ምኽንያት ንምፍላጥ መርመራ ከም ዝቐጸለ እቶም ሰበስልጣን ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ቃላይ ቪክቶሪያ ንዩጋንዳ፣ ኬንያን ታንዛኒያን ብሃፍቲ ዓሳ ዝምግብ ወሳኒ ሃብቲ ተፈጥሮ ምዃኑ ይፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







