ሙሰቬኒ፡ ስለምንታይ'ዩ ድሕሪ 35 ዓመት'ውን ስልጣን ይኣኽለኒ ዘይበለ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኡጋንዳ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሲሶ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ትሕቲ 35 ዓመት ዝርከብ መንእሰይ እዩ። እዚኦም፡ ዕድሚኦም ሙሉእ ሓደ ፕረዚደንት ጥራሕ'ዮም ዝፈልጡ፤ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ።
ሙሴቬኒ ብ1986 ድሕሪ ዝተላዕለ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ሃገሩ ስሕበት ፖለቲካዊ ሕግታት ዝሓንጸጸ ኮይኑ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ ኮይኑ'ሎ።
እዚ ወዲ 76 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ንሃገሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቐ ሰላምን ልምዓታዊ ለውጢታትን ኣምጺኡላ'ዩ።
እንተኾነ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ከም ደገፍቲ ምቑጻር፣ ዘይሻራዊ ትካላት ምትዕንቓፍን ተቓወምቲ ናብ ጎኒ ምድፋእን ዝበሉ ሕልኽላኻት የዘውትር ነይሩ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ መረጻ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘለዎ ድልውነት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ካብቲ ፍረ ከፍሪ ዝጀመረ ዝዘራእኹዎ ሕርሻ በናና ከመይ ኢለ ክወጽእ ይኽእል?" ኢሉ።
ከም ናቱ እምነት እቲ ናቱ ቃልሲ፡ ምህርቲ ጌና ኣይተወድአን።
ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ካብ 1980 ክሳብ 1986 ዝተኻየደ 'ኲናት ሉዌሮ' ተባሂሉ ዝፍለጥ መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ዕጡቕ ክንፊ መንግስትን ሰራዊት ብሄራዊ ሓርነት ኡጋንዳን ኣንጻር ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ጉጅለታት (መብዛሕትኦም ሰራዊት ብሄራዊ ተቓውሞ ዝኾኑ) ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ነይሩ።
ኣብዚ እቲ ብሄራዊ ሰራዊት ተቓውሞ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብዩዌሪ ሙሴቬኒ ዝምራሕ ሓይሊ ብ25 ጥሪ 1986 ኡጋንዳ ካብ መሪሕነት ቐዳማይ ሚኒስተር ሚልቶን ኦቦቴን ፕረዚደንት ኢድ ኣሚንን ሓራ ምስ ኣውጽአ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድን ቕትለታትን ከብቅዕ ገይሩ'ዩ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ብዙሓት ኡጋንዳንዳውያን ኣቦ ሰላምን ሓራ መውጽእን ኢሎም ይንእዱዎ።
ብተወሳኺ፡ ልክዕ ከም ኣባል ስድርኦም መርኣያ ኣቦን ኣቦ ሓጎን ዝብሉዎ ኣለዉ።
ብዙሓት ኡጋንዳውያን መናእሰይ "ሴቮ" ብዝብል ሳጓ ክጽውዑዎ እንከለው፡ ንሱ ድማ "ባዙኩሉ" (ብቋንቋ ሉጋንዳ ደቂ ደቀይ) ኢሉ ይጽውዖም።
ኣብ ሻድሻይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንምስታፍ ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ፡ ሙሴቬኒ ብዙሓት ፋብሪካታት ይምርቕ፣ መገዲታትን ሓደሽቲ ማእከላት ዕዳጋ ይኸፍትን ነይሩ።
ኣብ ቅድሚ ወዲ 38 ዓመት መወዳድርቱ ሙዚቀኛ ፖፕ ቦቢ ዋይን ድማ ሙሴቬኒ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ ምዃኑ ንምርኣይ ይፍትን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ 2019 ወርሒ ጥቅምቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዕጽዋ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን፡ ሙሴቬኒ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክሰርሕን ምስ ተመሃሮ ጽቡቕ ምቅርራብ ክገብርን ተራእዩ።
"ኣቦኻ ዝፈትወካ እንተኾይኑ ከብቅዐካ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ትምህርቲ ክንውድእ ከለና 'ሴቮ' ስራሕ ክንረክብ ክገብር እዩ" ትብል ጓል 25 ዓመት ኣንጌላ ኪራቦ።
እዛ ብኢኮኖሚክስ ዝተመረቐት መንእሰይ ኣንጌላ፡ ዋላ'ውን ኣብ ሃገራ ዘሎ ጉዳይ ስእነት ስራሕ ዘጨንቓ እንተኾነ፡ ንመንግስቲ ሙሴቬኒ ኣብ ውሽጢ ዝድግፍ ስድራ ብምዕባያ ትሕበን።
ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምኽትል ኣደ መንበር እቲ ሰልፊ ኮይና ኣገልጊላ'ያ።
እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ 35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐሎም ዓመታት ሕጂ'ውን ነታ ሃገር ዘበርክቶ ኣሎ ኢላ ትኣምን።
ሓደ ካብ ቀረባ መሓዙትን ኣማኸርትን ሙሴቬኒ ዝኾነ ጆን ናገንዳ፡ ሙሴቬኒ ነብሱ ዝፈቱ ዘይምዃኑ ሓደ መርኣያ ናይ ተኣማንነት ክእለቱ'ዩ ብምባል ይገልጾ።
"ንኡጋንዳ ክመውት ቁሩብ'ዩ ነይሩ። ንዕኡ ምርካብና ዕድለኛታት ኢና" ይብል ወዲ 82 ዓመት ጆን።
"መብዛሕትኦም ፕረዚደንታት ዝነበሩ ዝፈልጦም ሰባት ነገራት ምእንተ ርእሶም እዮም ዝገብሩዎም፤ ክብሪ'ዮም ዝደልዩ። ሙሴቬኒ ግን ንሃገሩን ነዛ ኣህጉርን'ዩ ከወፊ ዝደሊ . . . ኣፍሪቃዊ'ዩ"።

ገለ ሓቅታት መረጻ ኡጋንዳ
- 18.1 ሚልዮን ሰባት ድምጺ ንምሃብ ተመዝጊቦም ኣለው
- እቲ ሃገራዊ መረጻ 14 ጥሪ 2021 ክካየድ'ዩ
- 11 ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዚደንት ንምዃን ክወዳደሩ'ዮም
- ሓንቲ ካብቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና፤ ናንሲ ካሌምቤ ትብሃል
- ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንሓሙሽተ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ መረጻታት ተወዳዲሩ ተዓዊቱ
- ሓደ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣብቲ መረጻ ንክዕወት 51+1 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ ኣለዎ
- 529 ኣባላት ባይቶ ድማ ክምረጹ'ዮም
ምንጪ፡ ሓበሬታ ኮሚሽን መረጻ ኡጋንዳ

ብመሰረት ብ1995 ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ተፈጥሮኣዊ ዕድመ ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ ፕረዚደንት ስለ ዝግድብ፡ ሙሴቬኒ ድሕሪ 2005 ዳግም ኣብ መረጻ ክሳተፍ ኣይምተብኦን።
ብርግጽ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ምጽንሑ ይቃወሞ'ዩ ተባሂሉ ይውሰድ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ናብ ሕርሽኡ ክምለስ'ዩ ዝደሊ ዝብል ርድኢት ነይሩ።
ጋዜጠኛ ዊልያም ፒኬ፡ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ፕረዚደንት ቐረባ ካብ ዝፈልጥዎ ሰባት'ዩ።
ንብሄራዊ ሰራዊት ተቓውሞ ኡጋንዳ ጠሚቱ ኣብ ናይ ውልቂ መዘክሩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ድራር ክሳብ መወዳእታ ህይወቱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ድልየት ኣሎ ድዩ ተባሂሉ ተሓቲቱ፡ ሙሴቬኒ ከም ዝሓረቐ ይጠቅስ።
"ሙሴቬኒ፡ 'ብፍጹም' ኢሉ፤ ነዚ ከም ጸርፊ ስለ ዝወሰዶ ኣዝዩ ተቖጢዑ ነይሩ። ኣየምስልን ከኣ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ብሓቂ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝንባለ ኣይነበሮን" ክብል ገሊጹ።
ብ2004 ግን ሓደ ነገር ሓሳባቱ ክልውጥ ገይሩዎ።
እንታይ ምዃኑ ብንጹር ዝፍለጥ እኳ እንተዘይነበረ፡ ኣባላት ባይትኡ ግን ነቲ ገደብ ዕድመ ፕረዚደንት ንምልዓል እቲ ሕገ መንግስቲ ንክመሓየሽ ድምጺ ሂቦም።
እዚ ድማ ሙሴቬኒ ክሳብ 75 ዓመት ዝመልእ ኣብ ስልጣን ንክጸንሕ መገዲ ከፊቱሉ።
ብታሕሳስ 2017፡ እቲ ዕድመ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ዝግድብ ሕገ መንግስታዊ ድንጋገ ምስ ተላዕለ፡ ሙሴቬኒ ዕድሚኡ ሙሉእ ስልጣን ክህልዎ ዝገብር መገዲ ይኸፍት ኣሎ ዝብል ርድኢት ፈጢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ 15 ሚኢታዊት መናእሰይ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑላን ልዕሊ 21 ሚኢታዊት ህዝባ ኣብ ድኽነትን ዝነብርን ሃገር፡ ሰልፊ ሙሴፌኒ ሕጂ'ውን ንዓድታት ካብ ድኽነት ከውጽአን'ዩ ዝብል እምነት ኣሎ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኡጋንዳ መሰረታዊ ስግግር ንክተምጽእ ሙሴቬኒ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ደገፍቱ ይዛረቡ።
"ካብ ሰሜንን ምብራቕን እንተመጺእኻ ዓብዪ ዓወት ሰላም ከም ዝተሳኽዐን ከም ዝመጽአን ትርዳእ። ን20 ዓመታት እዚ ዞባና ብኲናት ክሕቆን'ዩ ጸኒሑ" ይብል ወዲ 28 ዓመት መራሒ ካውንስል መናእሰይ ኡጋንዳ ጃኮብ ኢይሩ።
ስእነት ስራሕ ሻቕሎት ዝፈጥር ጸገም ከም ዝኾነ ብምእማን፡ ሰልፊ ሙሴቬኒ "ቑጠባ እታ ሃገር ብደረጃ ዓለም'ውን ተወዳዳሪ ንክኸውን ኣኽኢሉ'ዩ" ኢሉ።
ሙሴቬኒ ዘምጽኦም ለውጢታት እንተሃለው'ውን፡ ማሕለኻ ስልጣነይ ክኾኑ'ዮም ንዝበሎም ገለ ወሰንቲ ትካላት ክዳኸሙ ገይሩ'ዩ።
ካብዚኦም ቤት ፍርዲ ሓደ'ዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ድማ ንመንግስቲ እሙናት ዝኾኑ "ካድረታት ዳያኑ" ብምምልማል ተኸሲሱ።
ዳያኑ ዘይሻራዊ ውሳነታት ክውስኑ እንከለው፡ ሓሓሊፉ ምስ ሰበ ስልጣን ክገራጨው ይርኣዩ።
ንኣብነት ወርሒ ታሕሳስ 2005፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ካምፓላ ንዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከቢቦምዎ ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም ዝነበሩ ጥርጡራት 'ኣባላት ጉጅለ ሰራዊት ድሕነት' ዳግም ኣሲሮም።
ነቲ ኩነታት ዳይና ጄምስ ኦጎላ "ዓመጽ ቤተ መቕደስ" ዝብል ርእሲ ኣብ ዝሰመዮ ግጥሚ "ሰላም ናይቲ ቤተ መቕደስ ናብ ትያትር ኲናት ቀይሮምዎ" ክብል ገሊጹዎ'ዩ።
ውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ ክመጽእ እንከሎ ድማ፡ ካብ 2011 ወጻኢ ነፍሲ ወከፍ ውድድር መረጻ ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ'ዩ።
ኣብ ኩሎም ድማ እቲ ዝቐርብ ጥርዓናት እኹል መርትዖ የብሎምን ብምባል ቤት ፍርዲ ውሳነ ክነጽጎም ጸኒሑ።
ሚዲያ ንርእሱ ካብ ጸቕጢ ዝተናገፈ ኣይኮነን።
ኣብ ባይታ ክርአ እንከሎ፡ ኡጋንዳ ዕሙር ሚዲያ ኣለዋ፤ ኣማኢት ናይ ብሕቲ ትካላት ሬድዮን ቴሌቪዥንን፣ ሕትመትን ኢንተርነትን ኣለው።
"ኣብ መጀመርታ ከባቢ፡ ነቓፍን ካብቲ ስርዓት ዝተፈለየ ኣረኣእያን ዘለዎም ርኢይቶታት ዝጻወርን ምስኦም ንምክታዕ ቁሩብነት ዝነበሮን ነይሩ" ይብል ኣካያዲ ስራሕ ኤዲቶሪያ 'ኔሽን ሚዲያ ግሩፕስ' ዳኒኤል ካሊናኪ።
እንተኾነ፡ በቶም ዝቐርቡ ጸብጻባት መንግስቲ ብዓብይኡ "ቖርበቱ እናረቐቐ" ብምምጽኡ እተን ትካላት ሚዲያ ክዕፈናን ጋዜጠኛታት ክእሰሩን ጀሚሮም ኢሉ።
ብዓብይኡ ሙሴቬኒ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽኣሎ ምኽንያት ግን፡ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ዝምመይሉ መገዲ ስውር ብምዃኑ'ዩ ዝብል እምነት ድማ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ 20 ዓመት፡ ሙሴቬኒ ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሐ ምስ ተፈልጠ፡ ገለ ብጾቱ ካብ ጎኑ ክርሕቁ ጀሚሮም።
ሽዑ ንሽዑ ድሙ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብረቶም ናብ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ዘቕንዓ ኮይነን።
ኣብ ሓደ እዋን ሓኪም ሙሴቬኒ ዝነበረ ኣባል ፎረም ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ኪዛ ቤስጊ፡ ብ2001 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተነሓናሒኡ ኮይኑ ንፈለማ እዋን ተወዳዲሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ብገበን ክሲ ክሕደት ሃገርን ጾታዊ ዓመጽን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ክስታት እናቐረበሉ ተኣሲሩን ተሳቕዩን፤ ካብዚኦም ሓደ ግን ገበነኛ ኣይተባህለን።
ሕጂ ድማ ቦቢ ዋይን ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ፍሉጥ ደራፊ ሮበርት ኪያጉላኒ ሓደ ካብ ጥንኩር ተነሓናሕቲ እቲ ፕሬዝደንት ኮይኑ ቐሪቡ ኣሎ።
ኣባል ባይቶ ቦቢ ዋይን፡ ብዙሓት መናእሰይ ደገፍቲ ዘለውዎ ኮይኑ፡ ብ2018 ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሩ የካይዶ ብዝነበረ ጎስጓስ መረጻ ተኣሲሩን ተሃሪሙን'ዩ።
ሽዑ ድሒሮም ውድቂ ብዝኾኑ ክስታት ክሕደት ሃገር ተኸሲሱ ነይሩ።
ኣብዚ ዓመን ንዝካየድ መረጻ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓስ ድማ፡ ፖሊስ ሕግታት ምቁጽጻር ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጥሒሶም ብዝብል፡ ንምትእኽኻብ ደገፍቱ ንምብታን መንብዒ ትኪ ተጠቕሙ፣ ኣብ ልዕኡን ኣብ ልዕሊ ደገፍቱን ጥይት ብምትኳስ ንቦቢ ዋይን ኣሲሩዎ'ዩ።
ድሕሪ ማእሰርቲ ቦቢ ዋይን ኣብ ወርሒ ሕዳር ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ፡ 54 ሰባት ተቐቲሎም፤ መብዛሕትኦም ካብ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝኾነ ይእመን።
ኣብ ኡጋንዳ፡ ኣንጻር ፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ክትንቀሳቐስ ምውሳን ንርእስኻ ናብ ሓዊ ምእታው'ዩ።
ዝኾነ ነቲ ፕሬዝደንት ክቃወሞ'የ ዝብል ውሳነ ዝሓዘ ውልቀሰብ፡ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ክወርዶ ከም ዝኽእል ንጻት'ውን ክጠራጠር የብሉን።
ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እንከሎ፡ ኩሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ከእቱ ክኢሉ'ዩ። ንርእሱ ዳግም ምፍጣር'ውን ይኽእለሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







