ውሕሰነት መግቢ፡ ኩለን ከብቲ ወረቐት ልደት ክዋሃባ እየን

ላም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኡጋንዳ ዝተላእከ ፍርያት ብሕብረት ኣውሮጳ ከም ዝዕገትን ዝእገድን

ኩለን ኣብ ኡጋንዳ ዘለዋ ከብቲ ምስክር ወረቐት ክወሃባ ምዃነን ደይሊ ሞኒተር ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ሓቢሩ።

ዕላማ ናይቲ ውሳነ፡ ቅጥዕታት ሕብረት ኣውሮጳ ንምኽባርን፡ ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ናይቶም እንስሳ ብቐሊሉ ክፍለጠሉ ዝኽእል መንገዲ ንምፍጣርን'ዩ።

ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝኣቱ ስጋ ኾነ ካልእ ዓይነት መግቢ ዝልእካ ሃገራት፡ ንድሕረ ባይታ ናይቲ ዝልእክኦ ዝምልከት ምስክርነት ክረጋግጻ ኣለወን፡ ክብል ሚኒስተር ሕርሻ፡ ኢንዱስትሪ እንስሳን ሃብቲ ዓሳን ኡጋንዳ ቪንሰት ሰምፒጃ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ ምስክርነት ዘይምህላዉ፡ ካብ ኡጋንዳ ዝተላእከ ፍርያት ብሕብረት ኣውሮጳ ከም ዝዕገትን ከም ዝእገድን ኮይኑ ክብል'ውን ገሊጹ።

"ሓረስቶት ክምዝገቡ'ዮም። እቲ ዘፍርይዎም'ውን ፍሉይ 'ባርኮድ' ክወሃቦም'ዩ፡ ኣብ ሓደ ካሴታ ዝኾነ ጸገም እንተ ተረኺቡ፡ ምንጩ ኣበይ ምዃኑ ፈሊጦም፡ ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ ይኽእሉ" ኢሉ።

"ሓረስቶት ክምዝገቡ እንተ ዘይኪሎም፡ ናብ ኣኽሳቢ ዕዳጋ ክንኣቱ ኣይንኽእል ኢና"።

ሕርሻ ሓደ ካብ ቀንዲ ክፋላት ቁጠባ እታ ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ። ቡን፡ ቆጽሊ ሻሂ፡ ዕፉንን ጥረምረን ንወጻኢ ብምስዳድ ድማ ብቢልዮናት ዝቐጸር ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረክብ።