ኮሮናቫይረስ፡ ኡጋንዳ ንዜጋታታ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብናጻ ክትዕድል እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕሬዝደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ እቲ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ቅድሚ ምልዓሉ ዕድሚኦም ካብ 5 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ብሙሉኦም መንግስቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብናጻ ክዕድሎም እዩ ኢሉ።
ኡጋንዳ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚራ ኩሉ ሰብ ማስክ ክጥቀም ኣዚዛ እያ።
እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 14 መዓልታት ማስክ ክዕደል ምዃኑ ሓቢሩ።
ሓድ ሕድ ዜጋ ድማ ሓንቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ መንግስቲ ብናጻ ክትወሃብ እዩ።
ድሕሪኡ ድኳናት ክኽፈቱ'ዯም፣ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያታት ድማ ክሕዝዎ ካብ ዝግባእ ሰብ ብፍርቂ ነክዮም ክሰርሑ ክግበር እዩ፣ መግቢ ኣብ ዝሽየጠሎም ቦታታት ዝሰርሑ ሰባት ድማ ናብ ገዝኦም ክኸዱ ክፍቀደሎም እዩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ዶብ ከባቢ ዘለዋ ከተማታት ዝህሉ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ን21 መዓልታት ክዕጾ እዩ።
ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምራ ክፍቀደለን እንከሎ፡ ሃገራዊ ፈተና ዝወስዱ ተመሃሮ ጥራሕ ክምህራ ኣለወን ተባሂሉ።
ኡጋንዳ ሕጂ'ውን ዶባታ ዕጹዋት ኮይኖም፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ወጋሕታ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ'ውን ንዝቕጽሉ 21 መዓልታት ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር 248 ሰባት ብኮሮቫይረስ ክትሓዙ ከለው፡ መብዛሕትኦም መራሕቲ ዶብ ኣቋሪጸን ዝኣትዋ መካይን እዮም ተባሂሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







