ፓርላማ ኡጋንዳ ዕድመ ፕረዝደንታዊ መሪሕነት እታ ሃገር ንምዉሳን ድምጺ ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፓርላማ ኡጋንዳ እቶም ሕዚ ዘለዉ ፕረዚደንት ንዝተናዉሐ ግዘ ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ዘኽእሎም ሕገ መንግስታዊ ለዉጢ ገይሩ።
ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ ገደብ ዕድመ መሪሕነት ፕረዚደንታዊ ሕጹያት 75 ክኸዉን ኣለዎ ዝብል ዉሳነ ዝነፀጉዎ፥ ድሕሪ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ክትዕ'ዩ።
እዚ ማለት፡ ኡጋንዳ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝመርሑ ወዲ 73 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፡ ኣብ 2021 ኣብ ዝካየድ መረጻ ክሳተፉ'ዮም።
ቅድም ክብል ኽልተ ግዜ ጥራሕ ኣብ መረጻ ምዉድዳር ዝብል፡ ሙሴቬኒ ዝምረጽሉ ዓመት ንምንዋሕ ኣብ 2005 ተቐይሩ'ዩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ፕረዚደንት ነቐፌታ እናስዓበ ጸኒሑ'ዩ።
ደገፍቲ እቶም ፕረዚደንት "ዜጋታት ኡጋንዳ ካብ ስልጣን እንተወረደ'ዉን ዝመርጽዎ ፕረዚደንት'ዩ" ክብሉ ተኻቲዖም'ዮም።
ኣብ መጀመርታ መዓልታት ዝካየድ ካብ ዝነበረ ክትዕ ሓደ ኣባል ፓርላማ እቲ መድረኽ ረጊጹ እንትወጽእ፡ ኻልኦት ሽዱሽተ ተኣጊዶም'ዮም።
ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ካብ 1986 ኣትሒዙ ኡጋንዳ መሪሖም።
እቶም ፕረዚደንት፡ ተዓዘብቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኣዉሮፓን "እቲ መረጻ ፍትሓዉን ተኣማንን ኣብ ምዃን ጎደሎ ነይሩዎ'ዩ" ኣብ ዝበሉዎ ኣብ 2011ን 2016 ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ተዓዊቶም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







