ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብሕታዊ ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪብዎ

ዶ/ር ቴድሮስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቦርድ ውድብ ጥዕና ኣለም ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ትካል ንመጻኢ ሓሙሽተ ዓመታት ደጊሙ ክመርሖ ብሕታዊ ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪብዎ።

ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ውጽኢት ድማ ኣብ መጻኢ ወርሒ ግንቦት 2014 ዓ.ም ብኣቆጻጽራ ግእዝ ክውሰን እዩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነዚ ዓለማዊ ትካል ንኻልኣይ ግዜ ደጊሙ ክመርሖ፡ ብዘይ ተነሓናሒ ሕጹይ ኮይኑ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ዶክተር ቴድሮስ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ቅድሚ ምሻሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነይሩ፤ ቅድሚኡ ድማ ሚኒስተር ጥዕና ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ሓላፊ እቲ ትካል ኮይኑ ክሽየም ናይ ኢትዮጵያ ድጋፍ ኣይተፈለዮን ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ዶ/ር ቴድሮስ ሓላፍነቱ ተጠቒሙ ንህወሓት ድጋፍ እናገበረ እዩ' ብዝብል ብተደጋጋሚ ይኸሶ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ: ፈጻሚ ስራሕ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ጀነቫ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድረስ ናይ ሻራዊነት ሕቶ ኣልዒሉ ክምርመረሉ ጠሪዑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ቦርድ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ 'ይመርመረለይ' ሕቶ ንጎኒ ወንዚፉ ከይተመልከቶ ተሪፉ።

ፓትሪክ ኣሞዝ ንውሳነ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ፖሎቲካዊ ድፍኢታት ዘለዎ ኣዝዩ ዝተሓላላኸ'ዩ ብዓቢኡ ድማ ካብ ንቡር መስርሕን ስምምዕን እዚ ኮሚተ ወጻኢ'ውን እዩ" ኢሉ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ናብታ መበቆሉ ዝኾነት ትግራይ ሕክመናዊ ንዋት ንኸእቱ ተደጋገሚ ሕቶ'ኳ እንተኣቕረበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከምዘይሃቦም ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምክሳሱ ይዝከር።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብ14 ጥሪ'ዩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ሂቡን ንናጽነትን ተቐባልነትን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትይዎ ብምባል ጉዳዩ ክምርመር ናብ ቦርድ እቲ ውድብ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ዶ/ር ቴድሮስ ግን ብዛዕባ ትግራይ ዝሃቦ መግለጺታት ሓቂ ምዃኑን፡ ዋላ'ኳ ትግራዋይ እንተኾነ ጸግዒ ከምዘይወሰደ'ዩ ዝምጉት።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ፡ ንውሳነ ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ውድብ ኣብቲ ዝተልዓለ ሕቶ ዘለዎ ሻራዊነት ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣንጻር ሓላፊ ናይቲ ትካል ዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ከቕርቦ ዝፈተነ መደረ ብሰብመዚ እቲ ትካል ከምዝተኸልከለ'ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዶ/ር ቴድሮስን ውድብ ጥዕና ዓለምን

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ጄኔቭ ኦሞጂን ፉክስ ከምዝበለቶ፡ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነታት ፈተና ዝበዝሖ ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ የለን።

ለበዳ ኮቪድ-19፣ ቻይና ብዛዕባ ኣበጋግሳ እቲ ቫይረስ ሓቃዊ ሓበሬታ ንክትህብ ጸቕጢ ምፍጣር፣ ምስ ፕረዚደንት አመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተፈጥረ ወጥሪ፤ ድጋፍ ኣመሪካ ደው ምባልን እታ ሃገር ካብቲ ትካል ንባዕላ ምግላላን ቀዲሞም ዝጥቀሱ እዮም።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ትግራይን ብውልቁ ዝፈጠረሉ ጸቕጥን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ዘይምስናይ ካልእ ዝጥቀስ ፈተና እዩ።

ሕዚ'ውን እንተኾነ ለበዳ ኮቪድ ሕብሩ እናቐየረ ምምጽኡ ንዓለም ራዕዲ ኣብ ምፍጣር እዩ ዝርከብ።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሕዚ'ውን ክታበት ኣይረኸቡን።

ሰራሕተኛታት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ፈጺሞምዎ ብዝተብደሃለ ጸታዊ መጥቃዕቲ ስሙ ጸሊሙ እዩ።

ብካልእ ወገን ድማ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ውሳነ ትራምፕ ብምዕጻፍ አመሪካ ናብ'ቲ ዝነበረቶ ኣባልነተር ውድብ ጥዕና ዓለም መሊስዋ ይርከብ።

ኣመሪካ ነቲ ትካል እትገብሮ ልዑል ድጋፍ'ውን ቀጺላትሉ ኣላ።

ብዙሕ ታህትን ላዕልን ዝሓለፈ ዶ/ር ቴድሮስ ነቲ ገዚፍ ዓለምለኻዊ ትካል ጥዕና ንካልኦት ሓሙሽተ ዓመታት ክመርሖ ሓያል ባህጊ ከምዘለዎ ይግለጽ።