ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ብምዕጻው ልዑል ገንዘብ ካብ ዝሰኣና ሃገራት ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ኾይና

ምንጪ ስእሊ, ULLSTEIN BILD
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ልዑል መጠን ገንዘብ ካብ ሞንጎ ዝሰኣና ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ኢትዮጵያ ንናይጄርያ ብምስዓብ ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዓመት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብፍላጥ ኣብ ዘቋረጻ ሃገራት ዓለም ዝበጽሐ ኪሳራ ብዝምልክት ሓበሬታ ዝዘርግሐ ‘ቶፕ ቴን ቪፒኤን’፡ ንናይጄርያ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ሰሪዕወን ኣሎ።
ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተፈላለዩ መንግስታት ሃገራት ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምቁራጾም ብሓፈሻ ናይ 5.5 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከምዝሰዓበ እቲ ጸብጻብ የመልክት።
በዚ መሰረት ኣብቲ ዝተዛዘመ ዓመተ ፈረንጂ - 2021 - ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ክቋረጹን ማሕበራዊ መራኸብታት ክዕጸዉን ስለዝተገበረ፡ እታ ሃገር 164.5 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰኣነት’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከምዝተቛረጸ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ሃገራዊ ፈተና ብማሕበራዊ ሚድያ ልሒዅ ወጺኡ ብዝብል ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስታግራምን ኣገልግሎቶም ክቋረጽ ተገይሩ ምንባሩ ጠቒሱ።
እቲ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ን 8,760 ሰዓታት ክቋረጽ ከሎ፤ ማሕበራዊ ሚድያታት ድማ ን104 ሰዓታት ተዓጽዮም ነይሮም።
ብሰንኪ’ዚ ምትእጉጓል ኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸብታትን ከኣ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 21 ሚልዮን ሰባት ከምዝተጸገሙ ኣረዲኡ።
ብደረጃ ዓለም ክረኣይ ከሎ ብሰንኪ ምቁራጽ ኢንተርኔት ዝለዓለ ክሳራ ዘጋጠማ ሃገር ምብራቕ እስያዊት ሚያንማር ክትኸውን ከላ፡ እዚ ከኣ ነቲ ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ እታ ሃገር ዝተፈጸመ ዕለዋ ስዒቡ ዘጋጠመ’ዩ።
ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርኔት ን 12,238 ሰዓታት ዝተቛረጸ ኮይኑ፤ ብገንዘባዊ ኪሳራ ክግለጽ ከሎ 2.8 ቢልዮን ዶላር ይግመት።
ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሰርዐት ድማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይጀርያ ክትኸውን ከላ፤ ብሰንኪ እቲ ብፍላጥ ዝተገበረ ምቁራጽ ኢንተርኔት 104.4 ሰባት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም። ብገንዘብ ክግመት ከሎ 1.5 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ኩሎም ኣማራጽታት ማሕበራዊ መራኸቢ ማዕቐብ ዝተገበረሉ ትዊትር ኮይኑ፤ ፌስቡክን ዋትሳፕን እውን ኣብ ገለ ሃገራት ብተኸታታሊ ክቋረጹ ተገይሮም።
ብሓፈሻ ብደረጃ ዓለም ኣብ 21 ሃገራት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘጋጠሙ ኣስታት 50 ዓበይቲ ናይ ኢንተርኔት ምቁርራጽ ተመዝጊቦም።
እዚ ድማ ኣብ ቁጠባ ዓለም 5.45 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ዘኸተለ ኮይኑ፤ እዚ መጠን ኪሳራ ካብቲ ብ2020 ዝነበረ ብ36 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ጸብጻብ ቶፕ ቴን ቪፒኤን የመልክት።
ኣብተን ኢንተርኔት ዝተቛረጸለን ሃገራት ኣስታት 486.2 ሚልዮን ሰባት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም። እቲ ምቁራጽ ኢንተርኔት ምስ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሓሓዝ እቲ ጸብጻን ወሲኹ ይሕብር። በዚ ምኽንያት ኣብ ምርጫ፣ መሰላት ምዝራብን ካልእን ጥሕሰታት ይፍጸሙ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







