ቱኒዝያዊ ሚኒስተር ፍትሒ ነበር ብ'ግበረ-ራዕዲ' ተጠርጢሩ ተኣሲሩ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱኒዝያ ከምዝበሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ዝነበረ ዓቢ በዓል ስልጣን ብግበረ-ራዕዲ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣባል እናህዳ ዝተብሃለ ውድብ ዝኾነ ኑረዲን ብሂሪ ዝበሃል እዚ በዓል ስልጣን ነበር ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት እዩ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተኣሲሩ።

ነዚ ስዒቡ ንሱ፡ ናይ ምግብን መድሓኒትን ምሕሳም ኣድማ ክገብር እንከሎ፡ ትማሊ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ።

እንተኾነ ዛጊድ፡ እቲ ጥርጡር ግብረ-ራዕዲ ኣድማ ምሕሳም ምግብን መድሃኒትን ቀጺሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ተውፊቅ ቻርፊፍዲን፡ ትማሊ ሰኑይ ከምዝበሎ፡ እቲ ሚኒስተር ነበር ምስ ግብረ-ራዕዲ ዝዛመድ ስራሕቲ ከምዝነጠፈ ዘመልክት ሓበሬታ ምስ በጽሐ እዩ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ከእተዎ ዝኸኣለ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ካይስ ሰይድ ንቀዳማይ ሚኒሰተር እታ ሃገር ብኢደ ዋኒኑ ምስ ኣለየን ንባይቶ እታ ሃገር ምስ ኣደስከለን፡ ምስ ሰልፊ ኢናህዳ ዝነበሮ ርክብ እናሓርፈፈ ከምዝመጽአ እዩ ዝንገር።

ኣባላት እቲ ውድብን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝርከብ ሚኒስተር ነበር ብሂሪ ሕዱር ሕማም ዘለዎ ኾይኑ፡ ጥዕንኡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ደገፍቱ፡ ናይ ሰብ-ሞያ ጥዕና ክትትል ተኸሊኡ ኢሎም'ውን ይኸሱ ኣለዉ።

ኤኤፍፒ ንበዓልቲ ገዝኡ ኣዛሪቡ ከምዘቃለሖ፡ እቲ በዓል ገዛኣ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎ ከምዘሎን ንሳ ኣትያ ከይትሪኦ ከምዝተኸልከለትን ተዛሪባ።