እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ገማግም ቱኒዝያ ጃልባ ብምጥሓላ ብዙሓት ስደተኛታት ሞይቶም
ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ልዕሊ 48 ሰባት ከም ዝሞቱ መንግስቲ ቱኒዝያ ገሊጹ።
ካልኦት ስሳን ሸዉዓተን ድማ ብሓለዉቲ ገማግም ድሒኖም።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፤ ኣብ ሊብያ ኣንጻር ኣሰጋገርቲ ድሕሪ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት፤ ቱኒዝያ፤ ነቶም ናብ ኤዉሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት፤ ሓድሽ መገዲ ኮይና ኣላ።
እታ ጃልባ ከባቢ 100 ቱኒዝያዉያን ዝርከብዎም 180 ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረት፤ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት 'ታ ሃገር ገሊጹ።
ንጥፈታት ህይወት ኣድሕን ሰንበት ምሸት ተቋሪጹ'ኳ እንተነበረ ሎሚ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ'ሎ።
እታ ጃልባ ክትጥሕል ምስ ጀመረት ካፕተን እታ መርከብ ራሕሪሕዎም ክሓድም ከም ዝፈተነን በቶም ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ከም ዝተታሕዘን ካብቶም ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ካልእ ዋኢል ፈርጃኒ ዝተብሃለ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈ ተጓዓዛይ ድማ እታ ጃልባ ካብቲ ክትጽዕኖ ዝግባእ 90 ሰባት፤ ዕጽፊ ጽዒና ከም ዝነበረት ገሊጹ።
"እቶም ክሃድሙ ዝኽእሉ ሃዲሞም፤ ካልኦት ጥሒሎም፤ ንሕና ክሳብ ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ኣብኡ ጸኒሕና። ሽዑ ገፈፍቲ ዓሳ መጽዮም ሓጊዞምና ብድሕሪ'ዚ ሰራዊት መጽዮም።" ኢሉ።
ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩ ቱኒዝያዉያንን ካልኦት ኣፍሪቃዉያንን ዉሕሳት ብዘይኮና ጀላቡ ባሕሪ ሜዲተራንያን ቆሪጾም ናብ ሲሲሊ ጥልያን ክሰግሩ ብተደጋጋሚ ይፍትኑ።
እዚ ሓደጋ፤ ኣበቲ ሓድሽ ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት ጥልያን ማተዎ ሳልቪኒ ናብ ሲሲሊ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ድሕሪ ደጊም እታ ደሴት ናይ ኤሮጳ መዓስከር ስደተኛታት ክትኸዉን ከም ዘይብላ፤ ኣብ ዝገለጸሉ መዓልቲ እዩ ኣጋጢሙ።
ዛጊት ኣብዚ ዓመት 32000 ሰባት ባሕሪ ሰጊሮም ኤሮጳ ከም ዝበጽሑን 660 ድማ ኣብ መገዲ ከም ዝሞቱ ዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።