እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ቱኒዝያ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ
ፖሊስ ቱኒዝያ ኣብ ቀረባ ድጋፍ መንግስቲ ዘትርፍ ሓድሽ ሕጊ ብምቅዋም ሰልፊ ዝወፅኡ መናእሰይ ንምብታን መንብዒ ጋዝ ከምዝተጠቐመ ፀብፃባት ሓቢሮም።
ሓደ ዓይኒ እማን ንሮይተርስ ከምዝተዛረቦ፥ እዞም ዕድመኦም ኣስታት 20 ዝኾኖም መናእሰይ ኣብ ልዕሊ መኪናታት ፖሊስ እምኒ ይድርብዩን ጎማ የቃፅሉን ነይሮም።
እቲ ጎንፂ እድታመን ኣብ ዝተብሃለት ሓንቲ ብበዝሒ ድኻታት ዝነብሩላ ከባቢ ርእሰ ከተማ እታ ዓዲ ውሽጢ'ዩ ተወሊዑ።
ትማሊ ፕሬዝዳንት ቤጂ ሳይድ ንመናእሰይ ዝኸውን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ቃል ኣትዮም።
ኣብ ቱኒዚያ ዳርጋ ናይ ሎሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዝተወለዐ ዓመፅ ዓረባት ሀገራት፥ ፕረዚደንት ነበር ቤን አሊን ድሕሪ 23 ዓመታት ካብ ዝበሓቱዎ ስልጣን ክወርዱ ገይሩዎም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን እቶም ፕረዚደንት ነበር ኣብ ሳውዲ ኣብ ስደት ዝርከቡ እንትኸውን ንብረትን ሃፍትን ህዝቢ ኣባኺኖም ብዝብል ገበን ብዘየለውሉ፥ ናይ 32 ዓመታት እስራት ተፈሪዱዎም።
በአቆፃፅራ ፈረንጂ ናይ መጀመሪያ ወርሒ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ቱኒዚያ ሰልፊ ተቀውሞ ምግባር እናተለመደ መፂኡ።
ተቃወምቲ ውድባት በጀት ዓመት 2018 ደጊሙ ክፅናዕን መንግስቲ ብልሽወና (ሙስና) ክቃለስን ፃውዒት ገይሮም።
ምስቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ተኣሳሲሩ ክሳብ 800 ሰባት ክእሰሩ ዝተገብረ እንትኸውን፥ ናዕቢ ብምልዕዓል ተኺሲሶም።
መንግስቲኡ ከምዘፍለጦ በቲ ዕግርግር ዝተልዓለ ኣብ ልዕሊ 97 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ጉድኣት በፂሑ።