ኮሮናቫይረስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቱኒዝያ ካብ ስርሑ ተሰጒጉ

ፕረዚደንት ቱኒዝያ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብርቱዕ ተቓውሞ ምስ ተላዓለ ንቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስራሕ ብምስጓግ ንባይቶ እታ ሃገር ኣደስኪልዎ።

ብኣተሓሕዛ ኮቪድ-19 መንግስቶም ዝተቆጥዑ ኣሽሓት ቱኒዝያውያን ብሰንበት ናብ ጽርግያታት ዝተፈላላያ ከተማታት ብምውጻእ ተቓውሞኦም ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ከይስ ሰይድ፡ ንባይቶ ዘደስከለሉን ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝሰጎጎሉን ምኽንያት ንህዝቢ ኣብ ዝገልጸሉ ዝነበረ ግዜ፡ ዕላምኡ ነታ ሃገር ንምርግጋእን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዙ ምስኡ ብምዃን እኹል ስጉምቲ ከም ዝወስድን ተመባጺዑ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ግን ተግባሩ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ክብሉ ገሊጾሞ።

ፕረዚደንት ከይስ ሰይድ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኮይኑ ህጹጽ ናይ ጸጥታ ኣኼባ ብምጥላብ፡ ድሕሪ ኣኼባ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ኣብ ቱኒዝያ ማሕበራዊ ጸጥታ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ እዩ” ኢሉ።

ሰንበት ኣማስዩ ሰልፈኛታት ቀዳማይ ሚኒስተር ሀቸም መቺቺ ካብ መዝነቱ ብምስጓጉ ዝተሰመዖም ሓጎስ ንምግላጽ ናብ ጽርግያታት ውሒዞም።

ፕረዚደት ከይስ ሰይድ’ውን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቱኒስ ነቶም ሰልፈኛታት ተጸንቢርዎም።

ብኣንጻሩ ነቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቅዋምን ባይቶ እታ ሃገር ክፈርስ ንምጥላብን ናብ ጎደናታት ዝወጹኡ ሰልፈኛታት’ውን ነይሮም እዮም።

ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ንቀንዲ ናብ ኣዳራሽ ባይቶ እታ ሃገር ዝወስድ ጽርግያ ምሉእ ብምሉእ ዓጊተሞ እዮም ውዒሎም።

እቲ ቦርጉባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጎደና፡ ኣብ 2011 ኣብ ዝነበረ ብርቱዕ ተቓውሞታት ማእከል ናይቶም ሰልፈኛታት ምንባሩ ይዝከር።

ፖሊስ ናብ ሰልፈኛታት መንብዒ ጋዝ ብምትጓስ ብዙሓት ሰባት ምስ ኣሰሩ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ተመሳሳሊ ሰልፊ ተጀሚሩ።

ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ኢናብደሃ ዝተብሃለ ገዛኢ ፖሎቲካዊ ሰልፊ ብምእታው ንበረት ኣዕንዮም።

እቲ ፖሎቲካዊ ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈቱ ዝወረደ ዕንወት ብምኹናን፡ ነቲ ተግባር “ኣብ ቱኒዝያ ዕንወትን ዕግርግርን ንኽስዕብ ዝሓለኑ ገበነኛታት ዝፈጸምዎ’ዩ” ኢሉ።

ወተሃደራዊ መጠንቀ

ፕረዚደት ከይስ ሰይድ እቲ ተቓውሞታት ካብዚ ንላዕሊ እንተቐጺሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝጥቀም ኣጠንቒቁ ኣሎ።

“ኣነ የጠንቅቅ ኣለኹ፤ ብረት ክጥቀም ንዝሓስብ ወይ ዝኾነ ጥይት ንዝተኮሰ ወተሃደራት ኸኣ ብጥይት እዮም ክምልስሉ” ኢሉ።

ፕረዚደት ከይስ ሰይድ፡ ኣብታ ሃገር ‘ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልወሉ’ ቅዋም እታ ሃገር ባይቶ ንኸደስክል ከም ዝፈቕደሉ’ዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ኣካቢ ባይቶ እታ ሃገር ራጭድ ጋኖቺ ፕረዚደት ከይስ ሰይድ “ኣብ ልዕሊ ቅዋምን ሰውራ ቱኒዝያን ዕልዋ እዩ ዘካይድ ዘሎ” ኢሉ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ቱኒዝያ ዝጀመረ ተቓውሞ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብምልሓም ጠንቂ ምብጋስ ቀውዒ ዓረብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቱኒዝያውያን ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ዝገበርዎ ተቓውሞ ዝሰዓበ ለውጥታት ብዙሕ ናይ ሰራሕ ዕድል ክፈጥረሎም’ዮም ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ግን ከም ዝተጸበይዎ ከም ዘይኮነሎም እዮም ዝገልጹ።

እታ ሃገር ብኸቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ዝተሓመሰትሉ ኣብ እዋን ኮቪድ 19 እውን ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ብኸቢድ ተሃስየን ዘለዋ ሃገራት ኮይና ኣላ።