ፕረዚደንት ታንዛንያ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ 'ንህዝበይ ኣየድልዮን' ኢሉ

ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ፡ እቲ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ከእቱ ስለዝኽእል 'ኣየድልን' ክበል ንሰብ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ኣጠንቂቑ ።

እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ክታበት ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ዝኾነ መረዳእታ ኣየቕረበን።

"ሚኒስተር ጥዕና ክጥንቀቕ ኣለዎ። ግቡእ መጽናዕቲ ከየካየዱ ኣብ ህዝቢ ክፍትንዎ የብሎምን። ኩሎም ክታበታት ንዓና ይጠቕሙና ማለት ኣይኮነን፤ ክንጥንቀቕ እዩ ዝግባእ። ከም መፈተኒ ክንከውን የብልናን" ኢሉ።

"ክታበታት ሓደገኛታት እዮም። ጸዓዱ ነዚ ሕማም፡ ክታበት ክረኽቡ እንተኽኢሎም፡ ዛጊድ ንኤድስ፣ ንካንሰር፣ ኮነ ቲቢ ክታበት ምረኸብሎም ነይሮም"።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብፍላይ ጉዳያት ጥዕና ፡ ፊሊፓ ሮክስቢይ፡ ክታበታት ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሎም፡ ብርክት ዝበሉ ምዕራፋት ከምዝሓልፉን ኣብ ኣሻሓት ሰባት ፈተነታት ከምዝግበረሎምን ኣረጋጊጻ።

እቶም ሰብ ሞያ፡ እቶም ክታበት ክህልዎም ዝኽእል ጽልዋን ውጽኢታዊነትን ሪእዮም ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ከምዝውስኑ ወሲኹ ሓቢራ።

ቀንዲ ዕላማ ክታበተታት ድማ፡ ካብቲ ሕማም ብምክልኻል ህይወት ሰባት ምትራፍ እዩ ኢላ።

ፕረዚደንት ማጉፉሊ እንታይ ኢሉ

ፕረዚደንት ታንዛንያ ማጉፉሊ ግን፡ ታንዛንያውያን እዚ ከምዚ ዓይነት ክታበታት ከይወስዱ ኣጠንቂቑ፡ 'ኳ ደኣስ ጸሎትን ባህላዊ መድሓኒታትን ምጥቃም እዩ ዘበረታትዕ' ዘሎ።

"ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣዋጃት ዕጽዋ ኣተግቢረን እየን። ታንዛንያ ግን ከምኡ ዓይነት ኣዋጅ ናይ ምእዋጅ መደብ የብላን። ምኽንያቱ ድማ ፈጣሪ ኣሎ፤ ንሱ ባዕሉ ክሕልወና እዩ" ኢሉ።

እቲ ሕሉፍ ተኸታሊ ካቶሊክ እምነት ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ዓወት ረኺብና ክብል ኣዊጁ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሓለፍቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ገለ ከተማታት ብዝሒ ሞት ምውሳኹ ኣመልኪታ ኣብ ዘቕረበቶ ስግኣት ርእይቶ ኣይሃበሉን።

እታ ቤት ክርስትያን ግን፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እታ ሃገር ነቲ ቫይረስ ብዕውት ክትቆጻጸሮ እንተኻኣለት'ኳ፡ ኣብዚ እዋን ከም ብሓድሽ ከቢድ ምስፍሕፋሕ ይርአ ኣሎ" ኢላ።

ወሲኻ ድማ " ናትና ሃገር ዝተፈለየት ደሴት ኣይኮነትን፡ ምስ ጸሎት ኣድላይ ጥንቃቐታት ክንገብር ይግባእ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ጳጳሳት እታ ቤተ ክርስትያን "ኮቪድ ኣይጠፍአን ዘሎ። ምሳና ይነብር ኣሎ። ኢድኩም ብማይን ሳሙናን ተሓጸቡ። ማስክ ድማ ናብ ምጥቃም ክንምለስ ኣለና" ክብሉ መኺሮም።

ታንዛንያ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚራ፡ ጸብጻብ ኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ምሃብ ተቖጢባ ትርከብ።