ቱኒዝያ፡ ቁፅሪ ብዝጠሓለት ጀልባ ዝሞቱ ስደተኛታት 112 በፂሑ

ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብዝጠሓለት ስደተኛታት ዝፀዓነት ጀልባ ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት 112 ምብፅሑ ኣፍሊጡ።

እታ ስደተኛታት ዝፀዓነት ጀልባ ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ ነይሩ።

ካልኦት 68 ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያውያን ካልእን ብሓለዋ ባሕሪ ክድሕኒ ምኽኣሎም'ውን ተገሊፁ።

ቱኒዝያ፡ ናብ ኣውሮፓ ክበፅሑ ዝደልዩ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝመርፅዋ ሓዳሽ መስመር ትኸውን ምህልዋ ይሕበር።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ጎረቤታ ኣብ ዝኾነት ሊብያ ኣሰጋገርቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍፅምዎ ባርነት፣ ሰቅያትን ሞትን እናወሰኸ ምምፅኡ'ዩ።

ኣብታ ጀልባ ካብ ዝነበሩ 180 ሰባት እቶም 100 ቱኒዝያውያን እዮም።

ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈ ሓደ ስደተኛ ንሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እታ ጀልባ ክትጥሕል ምስጀመረት እቲ ካፒተን ገዲፍዎም ክሃድም ፈቲኑ ብኣባላት ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ተታሒዙ።

ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ሓድሕዶም ካብ 700 ክሳብ 1,170 ዶላር ኣሜሪካ ከምዝኸፈሉ ወሃቢ ቃል ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ንኤ ኤፍ ፒ ተዛሪቡ።

ስራሕ ኣልቦ ቱኒዝያውያንን ካልኦት ኣፍሪካውያንን ናብ ሲሲሊ ጣልያን ንምስጋር ግዜያዊ ኣናኣሽቱ ጀላቡ ይጥቀሙ።

ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 32,000 ሰባት ናብ ኣውሮፓ ከምዝበፅሑ ይገልፅ።

600 ሰባት ድማ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ሞይቶም።