እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነበር በን ዓሊ ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ስደት ዓሪፉ
ፕረዚደንት ቱኒዝያ ነበር፡ ዚን ኤል-ኣቢዲን በን ዓሊ ኣብ መበል 83 ዓመቱ ኣብ ስደት ከም ዝሞቱ ስድራቤቱ ኣፍሊጦም።
ን23 ዓመታት ንቱኒዝያ ዝመርሐ በን ዓሊ፡ ነታ ሃገር ብዘምጽኦ ምርግጋእን ቁጠባዊ ብልጽግናን ስሙ ብጽቡቕ እዩ ዝለዓል።
እንተኸነ ግና፡ ፖለቲካዊ ነጻነት ብዘይምፍቃዱን ኣብ ግዚኡ ብልሽውና ብምስፍሕፍሑን ብብዝሒ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2011 ብህዝባዊ ምልዕዓል'ዩ፡ ካብ ስልጣኑ ክእለይ ተገዲዱ። እቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ናብ ልዕሊ ዓሰርተ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ምልብዑ ዝዝከር ኮይኑ 'ቀውዒ ዓረብ' ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ እዩ።
በቲ ምልዕዓል ብርክት ዝበላ ሃገራት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቶም ኣልየን እየን።
በን ዓሊ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምህዳም ኣብኡ ክነብር ጸኒሑ።
ቤትፍርዲ ቱኒዝያ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዘይተረኽበሉ፡ ንሕልፈት ፈሪድዎ እዩ።
ስነ ስርዓት ቀብሩ ስዑዲ ዓረብ ዓርቢ ክምጸም ምዃኑ ጠበቕኡ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።