እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን ካብ ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ 43 ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱንዚያ ጥሒሎም
ኣብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተሳፈሩላ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 43 ተጓዓዝቲ ከምዝጠለቑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቶም ስደተኛታት ዙዋራ ተባሂላ ካብ እትፍለጥ ወደብ ተበጊሶም ንባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ይፍትኑ ከምዝነበሩ ተገሊጹ’ሎ።
ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ፡ ሞንጊ ስሊም ነቲ ተጓንፉ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉጅለ ባሕረኛታት ቱኒዝያ ን84 ተሳፈርቲ ስደተኛታት ካብ እቲ ሓደጋ ከምዘድሓኑ ሓቢሩ።
እዋናዊ ወቕቲ ስለዝተመሓየሸ ቁጽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ይውስኽ ከምዘሎ ይግለጽ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ ከምዝብሎ፡ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ለይቲ ከም ዝተበገሰት ዝንገረላ ጀልባ፡ ካብ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ባንግላድሽን ዝመጽኡ ስደተኛታት እያ ጽዒና ነይራ።
ሞቶር ናይታ ጀልባ ስለዝተበላሸወ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ድማ ተፈሊጡ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቱኒዝያ ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ወደብ ዛርዚስ፡ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ዕድሚኦም ካብ 3 ክሳብ 40 ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ሓደ ናይቲ ከበቢ ራድዮ ከምዘቃለሖ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ ኣድላይ ዝበሃል ዝስተን ዝብላዕን ዘቕረበሎም ኮይኑ፡ ንግዚኡ ናብ መጽንሒ ማእከል ኮቪድ ከምዝኣትዉ ተሓቢሩ።
ሊብያ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ኮይና ምጽናሓ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ቱኒዝያ’ውን ሎሚ ሎሚ ካልእ መስመር መተሓላለፊት ስደተኛታት ትኸውን ከምዘላ ተገሊጹ።
ነዚ’ውን ፡ መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ንሕብረት ኣውሮጳ እቲ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ኣፍሪቃ ድኽነት ኣብ ምንካይ ቆላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ሓቲቱ ዘሎ።