እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣማኢት ኤርትራውያን ዝሃለቑላ ላምፔዱሳ ብኸመይ ትዝከር ኣላ?
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎም መዓልቲ 03 ጥቅምቲ፡ ኤርትራውያን፡ ልዕሊ 350 ዜጋታቶም ካብ ንቑጽ መሬት ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ቦታ ኣብ ኣፍደገ ላምፔዱሳ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ብጃምላ ከምዝሞቱ ዝተረድኡላ ጸላም ዕለት እያ።
እቲ ጥፍኣት ናይቶም ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ኣማኢት ሰባት ግን ንስድራ ቤት መወትን ኤርትራውያንን ጥራሕ ኣይኮነን ኣንቢዑ። ነቲ ዜና ዝሰምዐን ነቶም ዳሕራይ ካብ ባሕሪ ተዞቒቖም ዝወጽኡ ሬሳታትን ዝረአ ዘበለ ሰብኣዊ ፍጡር እውን ሕሱም ኣንቢዑ እዩ።
ሽዑ፡ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ሕንቕንቕ እናበሉ "መንፈስ ሕውነት ረሲዕናዮ ከይንኸውን እፈርሕ ኣለኹ። በዞም ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ዘጠሞም አሕዋትና ከነስተንትን፤ ኣብ ሓደሕድና ፍቕርን ሕውነትን ምድንጋጽን ሓልዮትን ከህልወና ይግባእ" ከምዝበሉ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ንዝኽሪ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ: ኣብ ላምፓዱሳ ዝርከቡ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣባ ሙሴ፡ "ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ፡ ንመሰላት ስደተኛታት ዝጣበቑ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ውድባትን ውጻእ መዓት እቲ ሓደጋን መቕርብን ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ናይ እግሪ ጉዕዞ ነካይድን፡ ብመርከብ ናብታ ዝጠሓሉላ ቦታ ኬድና ናብ ባሕሪ ዕምበባ ንድርብን ኢና'ሞ ለብዘበን እውን ኣብዛ ዕለት እዚኣ ከምኡ ንገብር ኣለና" ኢሎም።
እቲ ሓደጋ ዘሰቅቕ ስለዝነበረ፡ እቶም ነቲ ሬሳታት ካብ መዓሙቕ ባሕሪ እናዘቖቑ ዝእክቡዎም ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ እውን ነቢዖም እዮም። ብፍላይ እቲ ነታ ኣብ ባሕሪ ሕጻን ዝተገላገለት ነብሰ ጾር መንእሰይ፡ ምስ ናጽላ ውላዳ ሞይታ ዝረኸባ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ነቲ ዝረኣዮ ክገልጽ እንከሎ፡ ንብዓት እውን ጠጠው ኣየበለን።
"እቲ ኣብ ባሕሪ ተወሊዱ፡ ካብ ዕትብቲ ወላዲቱ ከይተፈልየ፡ ገጽ ምድሪ ከይረኣየ ኣብ ባሕሪ ተወሊዱ ዝሞተ ኤርትራዊ ናጽላ፡ ዕድል ገይሩ ካብቲ ሓደጋ እንተዝድሕን ሎሚ ሸውዓተ ዓመቱ መሊኡ፡ መዋእለ ሕጻናት ወዲኡ፡ ተማሃራይ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ክፍሊ ምሃለወ'ሞ፡ ነታ ነዛ ንዓይና ከይረኣየቶ፡ ሓቚፋ ከይሰዓመቶ ሓቢራቶ ንዝሞተት ወላዲቱ፡ ብተስፋን ፍሽኽታን ምኾልዓ" ይብል ድሕሪ እቲ ህልቂት ንላምፔዱሳ በጺሑ ነቲ ሬሳታት ብዓይኑ ዝረኣየ ነባሪ ሚላኖ-ኢጣልያ ደስበለ መሓሪ።
እታ "ዋይ ኣነ ደቀይ ለከምክኹም እባ!" እናበለት ኣብ በበይኑ ዕለት ዒሕ-ፍንጭሕ ኢላ ንዝወለደቶም ዕምበባ ደቃ ሓቚፋ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ ዝጠሓለት ኣደ፡ ሎሚ ባሕሪ ሰጊራ ንቑጽ ምድሪ ክትረግጽ ዕድል እንተትገብር፡ ኣብ ዝዓለበቶ ሃገር ምስ ሰለስተ ደቃ ብሰሓቕን ዋዕዋዕን ደሚቓን ሞይቃን ምሃለወት" ክብል ስምዒቱ ይቕጽል በዓል ዝኽሪ።
እቶም ብንውሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ኩሉ ዝሓሰቡዎ መደባት ትምህርትን ናብራን፡ መርዓን ደርዓን ተኾሊፎም፡ መጻኢኦም ከሰክፎም ምስ ጀመረ፡ ዝሓሸ ህይወትን ዕድልን ተመንዮም፡ ኣብ ዝኣትውዎ ሃገር፡ ተማሂሮም ክዓብዩ፡ ሰሪሖም ከጥርዩ፡ ተመርዕዮም ክፈርዩ፡ ዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ክኣልዩ ተመንዮም መከራ ሰሃራ ሰጊሮም፡ ኣፍ ደገ ኢጣልያ፡ ተስፋ እናማዕደው ዝተቖጽዩ፡ ልዕሊ 350 ሰባት ነናይ ገዛእ፡ ርእሶም ባህግን ሃንቀውታን ከምዝነበሮም ይገልጽ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ።
"ንሳቶም ጥራሕ እውን ኣይኮኑን። ኩሉ ቀረባ ቤተሰብ፡ ኣቦ ኣደ፡ ሓፍቲ ሓው፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ ውሉድ ወላዲ፡ ድሕሪ እቲ ብህይወት ዝፈታትን መሪር ጉዕዞ ስደት፡ ደጊም ኣብቲ እንሓስቦ ብደሓነ ሰላም በጺሕና ኢና፤ ዝብል ደሃይ ብስራት ክሰምዕ እናተጸበየ እዩ ሃንደበት መሪር መርድእ ተረዲኡ" ይብል ሸውዓተ ዓመት ንድሕሪ ተመሊሱ ነቲ ፍጻሜ ብምዝካር።
እቲ ኩነታት ከመይ እዩ ነይሩ?
ምድረ ሰሃራ ኣቋሪጾም፡ ዝተፈለላየ ጸገማት ገጢሞም ትሩቡሊ ዝኣተው ገያሾ ስደት፡ ቅድሚ ንቕሎ ባሕሪ ዝተኣኻኸብሉ፡ ብልምዲ "መዝርዓ" ኢሎም ኣብ ዝጽውዑዎ መበገሲ ነቑጣ ተኣኻኺቦም ሎሚ'ዶ ጽባሕ ንነቅል ክብሉ ናይ ዜሮ ሰዓት ክጽበዩ ቀንዮም።
ተበገስ ምስ ኮነ ከኣ "እፎይ" ናብ ዝብሉሉ ርሁው ዓዲ ኣትዮም ክቐስኑ ተተስፍዮም፡ ኣብታ መርከብ በቦትኦም ሓዙ። ብዙሕ ግዜ እተን ናይ ዕንጸይትን ናይ ጎማ (ካላማዳርያ) ናእሽቱ ጀላቡ እንተዘይኮይነን ክንድታ ክትወስዶም ተቐሪባ ዝነበረት መርከብ እንተኾይናስ እቲ ናይ ምድሓን ዕድል ዝዓበየ እዩ ዝብል እምነት ሒዞም ከምዝደየቡ ውጻእ መዓት መንእሰይ ሙሴ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ይዛረብ።
እንተኾነ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፓዱሳ ምስበጽሑ፡ ሞተረ እታ መርከብ ስለዝተበላሸወ፡ ኣቓልቦ ከባቢ ስሒቦም ረድኤት ንክረኽቡ ክብሉ ዘንደዱዎ ኮቦርታ ካብ ቁጽጽሮም ወጺኡ፡ ነታ ጃልባ ከቃጽላ ምስ ፈተነ፡ ገያሾ ብስምባደን ፍርሕን በቦተኦም ስለዝሓደጉ፡ እታ መርከብ ዛዝያ ክትጥሕል ጀሚራ።
ብድሕሪኡ ሓምቢሱ ዝኽእልን ዘይክእልን ኩሉ ናብ ባሕሪ ተፈርሺሑ፤ ኣደ ቖልዑን ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ዝነበሩ ሰባትን ግን ተጸቓቒጦም ምስታ መርከብ ከምዝጠሓሉ እቶም ውጻእ መዓት የዘንትው።
ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብዘይካ ዓሚ ንሳ ከኣ ብሰንኪ ምስንኻል በረራ ነፋሪት፡ ነብሲ ወከፍ ዓመት ምስቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝመጽኡ ውጻእ መዓትን ቤተሰብን መቕርብን ነቲ ፍጻሜ ንምዝካር ንላምፓዱሳ ይወርዱ።
ሕጂ ኣብዚ ናይ ኮቪድ እዋን እውን ከይተረፈ ምስ ብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ወከልቲ ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ብምኽንያት እቲ ፍጻሜ ንድሕነት ስደተኛታት ንምጥባቕ ዝቖመ ብትረ-ኦቶብረ ዝፍለጥ ማሕበር ከምኡ እውን ሓያሎ ውጻእ መዓትን ቤተሰብን መቕርብን ንላምፓዱሳ ወሪዶም ኣለው።
ሽዑ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ነቲ ጥፍኣት ተተቐባቢለን መሰቃለሐኦ፡ እቶም ኤርትራ እትበሃል ሃገር ኣበየናይ ክፍለ ዓለም ከምእትርከብ ዘይፈልጡ ዝነበሩ ከይተረፈ፡ በቲ ፍጻሜ ሰምቢዶም፡ ብዛዕባ ኤርትራን ድሕረ-ባይታኣን ክፈልጡ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ጉጉል ዝገበሩ ውሑዳት ኣይነበሩን ክብል ይዝክር ቢንያም ኣብርሃ።
ብድሕሪኡ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኣፍ ገዝአን ዘጋጠመ ዘሰምብድ ሓደጋ ንምምላሽ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይደን። ሓያሎ ማሕበራት ህይወት ኣድሕን ከኣ መራኽበን ሒዘን፡ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ተዋፊረን።
እንተኾነ እቲ ተበግሶ ዋሕዚ ስደት ስለዘተባበዐ፡ እተን ወሃብቲ ሓገዝ ድሕሪ ገለ ዓመታት ገዲፈንኦ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝኾነት መርከብ ኣብቲ ዕማም ከይትሳተፍ ተኸልኪላ። ንእግረ መገደን ኣብ ሽግር ዝጸንሑወን ስደተኛታት ዘድሓና መራክብ፡ ኣብ ጥልያን ማልታ ፍቓድ ምዕሻግ ተኸልኪለን ፍቓድ ኣብ ዝሃበተን ሃገረ እስፐይን ዝኸዳን ንነዊሕ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ከንሳፍፋ ዝጸንሓን መራክብ ውሑዳት ኣይኮናን።
ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ርጉእ ስርዓትን መንግስትን ኣብ ዘይብሉ ሃገረ ሊብያ ግዳይ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኮይኖም ሕማቕ ሃለዋት የሕልፉ ኣለው።
ድሕሪ ህልቂት ላምፓዱሳ፡ እቲ ኣሻሓት ህይወት ዝቐዝፍ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ሰሃራን ባሕርን ከኸትም ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምኽንያትን ጠንቅን ስደት ኣብ ቤትን ዓድን ከይፈትሐ ነገራት ስለዘይዕረ ስደት ዜጋታት ኣፍሪቃን ኤርትራውያንን ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ - ምስኡ ከኣ ሞትን ጥፍኣትን ይቕጽል ኣሎ።