'ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ'፡ ብቓንዛ ውጹዓት ዝዋገዩ ነጋዶ ደቂ ሰባት

ኣብ ዓለምና ስደት ብዘስዓቦ ምምዝባል፡ ብዙሕ ህዝቢ፡ ብፍላይ ከኣ ደቀንስትዮን ህጻናትን፡ ዝተፈላለየ ዓመጽን ወጽዓን ማእሰርትን ከጋጥሞም ጸኒሑን ኣሎን። ብዙሓት ሰባት እውን ግዳይ ነጋዶ ደቂ ሰባት ኮይኖም ተጨውዮም ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ተሓቲቶም፡ ብሳዕቤኑ እውን ብዙሓት ስድራታት ተበዲለን።

ኣዴታት ንደቀን አሕዋተን ከድሕና ስልማት መርዐአን ከይተረፈ ሸይጠን። እተን ስልማተን ሓሪጀን መኽፈሊ ዕዳ ነጋዶ ሰባት ዘይኣኸለለን ከኣ ፈቐዶ ዓዲ ዓዲ እናኸዳ መንዲል ኣንጺፈን ቅለቱና ኢለን።

እቲ ዝኸፍአ ከኣ ገንዘብ ተኸፊሉ ከብቅዕ እውን ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ድርብ ክሳራን ወጽዓን ኣጋጢሙ።

ታሪኽ ኣደራዕ ስደት ኤርትራውያን ብዙሕ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ከኣ ፍትዋቶም ንዓመታት ጠፊኦሞም ክነሶም፡ ገለ ደሃይ እንተረኽብና ብማለት፡ ምሉእ ሓበሬታ ብምስናይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ፈይስቡክ መሰንጀር 'ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ' ብምባል ሓገዝ ዝሓቱ ብዙሓት እዮም።

ከምቲ ገረብ ብሓኽላ ዝበሃል ከኣ፡ እቶም ሕልና ዘይብሎም ገበነኛታት ካብ ስድራ ቤታት ንዝረኸቡዎ ሓበሬታ ሰኒዖም፡ "ወድኹም ጓልኩም ከነራኽበኩም ክንድዚ ገንዘብ ክፈሉ" እናበሉ ኣብ ልዕሊ ስቓዮም ጓሂ ዝውስኹሎም ውሑዳት ኣይኮኑን። ይብል፡ በቶም ገበነኛታት ዝተፈተነ መንእሰይ ተስፎም።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ተርእዮ ኣብ ሰሃራን ሲናይን እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ካብ ካልእ ቦታታት ኣፍሪቃ እውን ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ይውስኽ ምህላው፡ ናይዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ግዳያት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ይዛረቡ።

"ቅድሚ 10 ዓመት፡ ሓወይ ንሊብያ ተበጊሱ፡ ኣብ ጉዕዞ ደሃዩ ጠፊኡ። ግዜ ምስ ነውሐ ስድራ ቀቢጾም ሓዘኖም ዓጽዮም ነይሮም። ኣነ ስለዘይቀበጽኩ ግን፡ ኮን ዶኾን ደሃዩ ይርከብ ብዝብል ሕልና፡ ምሉእ ሓበሬታኡ ኣብ ፈይስቡክ ብምልጣፍ 'ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ' ዝብል መልእኽቲ ሰዲደ" ትብል ሰላማዊት።

"ሓደ ሰብ ካብ ኬንያ ደዊሉ ከኣ፡ ሓወይ ኣብ ዶብ ኬንያን፡ ኢትዮጵያን፡ ሶማልያን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ናይ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣሚሶን ተኣሲሩ ስለዘሎ፡ ናይ ሓደ ሶማልያውን ምስኡ ምትሕሓዝ ኣለዎ ዝበሎን ኣድራሻ ልኢኹ ገንዘብ ሓውልሉ ኢሉኒ። ኣነ ከኣ ደሃይ ሓወይ ረኺበ ኢለ ሰዲደሉ። ብድሕሪኡ ግን ዝተፈላለየ መመኽነይታ እናሃበ፡ ነንሓድሕዱ ብዝገራጮ ዘረባታት ኣዳኺሙኒ" ትብል።

"ደሃይ ሓወይ ረኺበ ስለዝበልኩ ናብ ስድራ ደዊለ ሓወይ ተረኺቡ ኢለ ኣበሲረዮም። ስድራ ዝቐበጹዎ ውላዶም ስለዝረኸቡ ተሓጒሶም፤ ድምጺ ውላዶም ክሰምዑ ተሃንጥዮም። እንተኾነ ግን መወዳእትኡ ሓሶት ኮይኑ። እቶም ሰባት ክሳብ ክንድዚ ብቓንዛ አሕዋቶም ዝዋገዩ ጨካናት እዮም" ክትብል ትገልጾም።

ተመስገን እውን ሓደ ካብቶም ናይ ከምዚ ዓይነት ምድንጋራት ግዳያት እዩ። "ኣብ ሞባይለይ ዘይፈልጦ ቁጽሪ ናይ ኬንያ ተደዊሉለይ፡ ሓውኻ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሎ'ሞ ኣብ ምውጽኡ ክንተሓባበረካ ኢሎሙኒ ኣዝየ ከኣ ተሓጒሰ" ይብል።

"ኣበይ ኣሎ፡ ከተራኽበኒ'ዶ ምኸኣልካ ምስበልኩዎ ነቲ ዝደወለ፡ ቅድም ነቶም ሒዞሞ ዘለዉ ቁሩብ ናይ ሻሂ ክንህቦም ኣለና። ስለዚ በዚ ዝሰደልካ ኣድራሻ ሽድሽተ ሚእቲ ዶላር ስደድ፡ ድሕሪኡ ከራኽቡኻ እዮም ኢሉኒ ሰዲደሎም" ይብል።

እቲ ገንዘብ፡ ሓንቲ ብሱዛን እትፍለጥ ናይ ኬንያ መንነት ወረቐት ዘለዋ ሰብ ከምዝተቐበለቶ ዝገልጽ ተመስገን፡ ዳሕራይ "ኣብ ኬንያ ብዝርከቡ ቤተ ሰብ ገይርና ነቲ ባንኪ ምስ ተወከስናዮ እቲ መንነት ዝተሰነዐ ምዃኑን፡ ንውልቀ ሰብ ደድሕሪኡ ከይዶም ክሓቱ ኣንጻር ፖሊሲታት ናይ'ቲ ባንኪ ከም ዝኾነን ሓቢሮሞም" ይብል።

ብዛዕባ እቲ ዝድውለሎም ዝነበረ ሰብ ኣብ ዝተሓተተሉ ከኣ ተመስገን፡ "እተን ገንዘብ ካብቲ ባንክ ምስ ወጽኣ፡ እቲ ምስ ሓወይ ከራኽበኒ ከምዝኽእል ዝነገረንን ብቐጻሊ ስልኪ ዝድውለለይ ዝነበረን ሰብ ስልኩ ዓጽይዋ፡ ደጋጊመ ፈቲነሉ ከኣ ክሳብ ሕጂ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን" ይብል ብምረት።

ደሃይ ሓወይ ተረኺቡ ምስተባህለ፡ ንስድራይ ሓቢረዮም። ተኣምር ተፈጺሙ ብምባል ኣዝዮም ተሓጒሶም። ዳሕራይ እቲ ኩነታት ግዜ እናወሰደ ምስ ከደን፡ ደሃይ ወዶም ብእዝኖም ክሰምዑ ስለዘይከኣሉን ግን ስድራ ተወሳኺ ስቓይ ኮይንዎም" ይብል።

ንስድራይ "ደሃይ ሓወይ ተረኺቡ ብምባል ተቐዳዲመ ስለዝነገርኩዎም ቁስሎም ብምጉድአይ መሪር ሓዘን ይስመዓኒ" ይብል ዝተሰምዖ ጓሂ ይገልጽ።

ተቐማጢ ኤውሮጳ ተስፎም እውን ተመሳሳሊ ተመኩሮ'ዩ ኣጋጢሙዎ። ፡ "ሓወይ ካብ ሱዳን ንኢትዮጳያ ምስ ከደ፡ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ደሃይ ስለዘጥፈአ፡ ሃለዋቱ ንምርካብ እንተሓገዘኒ ኢለ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፈይስቡክ መሰንጀር ዝርዝር ሓበሬታ ብምልጣፍ 'ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ' ኢለ ፈቲነ" ይብል።

"ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ከኣ፡ ካብ ኬንያ ስልኪ ተደዊሉ፡ ሓወይ ፈለማ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝነበረን ሕጂ ግን ካብ ሕክምና ወጺኡ ኣብ እንዳ ፖሊስ ኣትዩ ከም ዘሎ ተሓቢረ። እቲ ዝደወለለይ ረዘነ ይበሃል ኢሉኒ። ክረኽቦ ዝኽእል እንተኾይነ ምስ ሓተትኩዎ ከኣ፡ ገንዘብ ክሰደሉ ከም ዘለኒ እሞ ድሕሪኡ ከራኽበኒ ከም ዝኽእል ነጊሩኒ" ይብል ተስፎም።

ምስ ቤተ ሰብን የዕሩኽትን ከመይ ገይሮም ገንዘብ ሰዲዶም ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ ድምጺ ሓዎም ክሰምዑ ከም ዝኽእሉ እናዘተዩ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቡ።

እቲ ደሃይ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ሓዎም ኣብ ኬንያ ዘይኮነስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘሎን ካብኡ ከምዘይወጽአን ከኣ ሓቢሩዎም።

"ሓወይ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝነበረን፡ ነቲ ኣብ ፈይስ ቡክ ዝተለጠፈ ሓበሬታ ዝረኣዩ ብጾቱ ይድለ ከምዘሎ ከምዝነገሩዎን ሓቢሩና። እቲ ብኬንያ ዝተደወለ 'ኣብ ሕክምናዶ፡ ኣብ እንዳ ፖሊስ" ዝተባህለ ዘረባ ኩሉ ንምጥፍፋእ ዝተኣልመ ሓሶት ምንባሩ ኣብሪሁልና" ይብል።

እቲ ሓዉ ዝጠፍኦ ተመስገን፡ "ንገለ ሰባት ንክሕግዙና ምስተወከስናዮም፡ መጀመርያ ኣብቲ እትነብሩላ ዓዲ ኣብ እንዳ ፖሊስ ኬድኩም ነቲ ዘጋጠመኩም ሓብሩ። ። ምኽንያቱ እቶም ዘይሕጋውያን ሰባት በተን መንግስታት ኣብ ዝፍለጡሉ እዋን፡ ተገምጢሉ ንግብረ ሽበራ ገንዘብ ሰዲድኩም ዝብል ክሲ ከይመጸኩም ተጠንቀቑ ክብሉ መኺሮሙና። ኣብ ርእሲኡ እውን ኣስማትኩም ኣብ መዝገብ ገበነኛታት ክሰፍር ይኽእል እዩ" ክብሉ ሓቢሮሙና ይብል።

ሰላማዊት እውን፡ እቶም ሓበሬታ ናይ ዝጠፍኡ ቤተ ሰብኩም ኣለና ዝብሉ ሰባት፡ ንነብሶም ዝተፈላለየ ኣስማትን መዓርግን ብምጥማቕ ከም ዝቐርቡ ብምሕባር፡ "እቲ ሃለዋት ሓውኺ ይፈልጥ እየ ዝበለኒ ሰብ መጀመርታ ከም ሰብ ክተሓጋገዘኒ ዝደልን ብሰብኣውነት ተደሪኹ ይገብሮ ከም ዝነበረን ነጊሩኒ።

ኣበይን ብኸመይ ከም ዝረኸቦ ምስ ሓትትኩዎ ከኣ፡ ሓደ ግዜ ምስ ወተሃደራት ኣሚሶን ከምዝሰርሕ፡ ካልእ ሳዕ ከኣ ጠበቓ ከም ዝኾነ፡ ዳሕራይ ከኣ ኣተርጓሚ ኮይኑ ከም ዝሰርሕ እናነገረ የታልለኒ ነይሩ" ትብል። ንሳ ብተቐያያሪ ሓበሬታ እቲ ሰብ ትጠራጠር እኳ እንተነበረት፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ደሃዩ ናይ ዝተረኽበ ሓዋ ሓበሬታ ሸለል ኢላ ክትሓልፎ ከምዝኸበዳ ትዛረብ።

እቲ ሓዉ፡ ሓንሳብ ኣብ ሕክምናን ካልእ ግዜ ኣብ እንዳ ፖሊስ ከምዘሎ ንሓድሕዱ ብዝገራጮ ዘረባታት ዝርበሽ ዝነበረ፡ ዳሕራይ ሓዉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ፡ ተስፎም ብወገኑ፡ "ኩሉ ሰብ ነዚ እከይ ግብሪ ፈሊጡ፡ ደሃይ አሕዋቱ ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ከይተሃወኸ፡ ንነገራት ቀስ ብቀስ ክከታተሎ ኣለዎ።፡ ንኣካላት መንግስትን ናይ ግሊ ትካላትን፡ ሰብ ሞያን ምሁራትን ብምውካስ እውን ሓበሬታን ምኽርን ክርከብ ከም ዝከኣል ምኽሩ ይልግስ።

"እዚ ጉዳይ እዚ ከቢድ'ዩ፡ ንዝሞተስ እኳ ቀቢርካ ትቐብጾ። ንዘይተፋኖኻዮ ኣባል ቤተ ሰብ ግን ፈጺምካ ኣይትርስዖን ኢኻ። ኩሉ ግዜ ብመንፈስን ኣእምሮን እሱር ኢኻ። እቶም ንስድራ ቤታት ዘንብዑን ዘሳቕዩን ገበነኛታት ከኣ ክቃልዑን ናብ ሕጊ ክቐርቡን ክንጽዕር ይግባእ" ይብል።

እቲ ንሓው ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸቦ ተስፎም እውን " እቶም ደሃይ አሕዋትኩምን ደቅኹምን ዝጠፍኣኩም ከምዚ ኸማይ የማስልኩም፤ ካብቶም ብስቓይ አሕዋቶም ዝነግዱ ኣረሜናት ግን ሓደራ ተጠንቀቑ ክብል ምኽሩ ይልግስ።