እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት 'ብምዕጻው' ተጸጊምና ይብሉ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተዓጸወ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ታሴራ ከነሐድስ ብዘይምኽኣልና ኣብ ጸገም ንርከብ ይብሉ።
እቲ ቤት ጽሕፈት መብዝሕትኦም ኤርትራውያን ንዝኾኑ ንልዕሊ 27 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣገልግሎት ይህብ።
እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብስግኣት ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተዓጸወ ብዙሓት ስደተኛታት ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘለየለው እዮም ዝሕብሩ።
ኤርትራዊ በረኸት ዘሙይ ሓደ ካብኦም እዩ።
በረኸት፡ ብሰንኪ ዕጽዋ ኮቪድ-19 ብዙሕ ሰብ ክሕደስ ዝግበኦ ታሴርኡ መዓልቲ ስለ ዘሕለፈ ኣገልግሎት ኣብ ምርካብ ይጽገም ከም ዘሎ ይዛረብ።
"ውዕል ክራይ ገዛ ክትገብር እንተኾይንካ ታሴራ ኢኻ ትሕተት። ኣግልግሎት ባንኪ ክትረክብ፡ ሲም ካርድ ከተውጽእ እውን ትሕተት። ታሴራኻ መዓልቲ እንተሕሊፉ ከኣ ኣገልግሎት ኣይትረክብን" ኢሉ።
መንእሰይ በረኸት ብመደብ ጥርናፈ ስድራቤታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ክገሹ ኩሉ ነገር ዝተወደኣሎም ሰባት፡ ኤምባሲታት ታሴራ ስለ ዝሓታ ነቲ ክሕደስ ዘይከኣለ ታሴራ መዓልቱ ዘሕለፈ እዩ እናበላ ይመልሰኦም ከም ዘለዋ ይሕብር።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ክሱት ገብረእግዚኣብሄር ብወገኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተዓጸወ ብምሕባር ከም መተካእትኡ ሰባት ብተሌፎን ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣገባብ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።
ኣቶ ክሱት "ሰብ ኣገልግሎት ዝረኽበለን ሰለስተ ዝተፈላለያ ቁጽርታት ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዘርጊሕና ኣለና። ሰብ ከም ዝፈልጥ'ውን ገይርና ኣለና። ስልኪ ደዊልና ኣየልዓሉናን ዝብል መረረ እንተልዩ ክንቅበሎ ንኽእል ኢና። እቲ ትካል ኣገልግሎት ኣይህብን'ዩ ዘሎ ዝብል ጥርዓን ግን ብቑዕ ኣይኮነን" ይብል።
ካልእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ኤርትራዊት፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ተኸፊቶም እንከለዉ ቤት ጽሕፈት ዩኤንኤችሲኣር ጥራይ ተዓጽዩ ከም ዘሎ ብምሕባር ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዘእተወቶ ሕቶ ኣብ ወርሒ ሓምለ መልሲ ከም ዝተወሃባ ትገልጽ።
እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተዋህባ መልሲ'ውን ሕቶኣ ከም ዝተቐበልዎ ዝሕብር እምበር ሕቶኣ መልሲ ከም ዘይረኸበትሉ እያ ትዛረብ።
"ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ሰብ እዩ ተገቲሩ ዝውዕል፤ መልሲ ዝህብ ኣካል ግን የለን። ድሒሮም ሕቶኹም ብኢመይል ኣቕርቡ ዝብል ሓበሬታ ጠቂዖም ነይሮም፤ በቲ ኢመይል ድማ ቪዛ ንዝበጽሖም፡ ትኬት ንዘቑረጹ ጥራይ ኣገልግሎት ከም ዝህቡ እዮም ዝሕብሩ" ትብል።
ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ክሱት ነቶም ብኣካል ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘየለዉ ብምሕባር ሕጂ'ውን ሰብ በተን ተዋሂበን ዘለዋ ቁጽርታት ደዊሉ ጉዳያቱ ክሕብር እዩ ዝመክር።
"ስልኪ ደዊሎም ኣገልግሎት ዝረኽብሉ [ኣማራጺ] ኣዳሊና ኢና። እተን ቁጽርታት 0944104567፡ 0944 104568 ከምኡ እውን 0944104569 እየን። [ስለዚ ዝኾነ ሰብ] ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ናብዘን ቁጽርታተ ብምድዋል ኣገልግሎት ክረክብ ይኽእል እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት'ዩ ተዓጽዩ'ምበር ኣገልግሎት ደው ኣየበልናን" ይብል።
ኣቶ ክሱት በቲ ብቴሌፎን ዝውሃብ ኣገልግሎት ኣብ ወርሒ መጋቢት 10 ሰባት ጥራይ ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ ብምዝኽኻር እቲ ቁጽሪ እናወሰኸ መጺኡ ኣብ ወርሒ ሰነ 341 ሰባት ብተሌፎን ኣገልግሎት ከም ዝረኸቡ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተግባራዊ ዝገበሮ ኣዋጅ ምስ ተላዕለ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተማኺሩ ቤት ጽሕፈቱ ዳግማይ ከም ዝኸፍቶን ስሩዕ ኣገልግሎቱ ከም ዝህብን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።