ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ምንታይ ይርከቡ?

ቅድሚ ክልተ ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ቀዲሙ ካብ ዝፈጸሞምን ጽቡቕ ናእዳ ካብ ዝረኸበሎምን ስጉምትታቱ ሓደ፡ ነቶም ኣብ መዝገብ ራዕዲ ሰፊሮም ዝጸንሑ ተቓወምቲ ጉጅለታት ካብ’ዚ መዝገብ ክወጽኡ ምግባሩ እዩ።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሓምለ 2018፡ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረ ሽበራዊ ጉጅለታት ተመዝጊቦም ዝጸንሑ፡ ፖለቲካዊ ዉዳበታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፣ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ከምኡ ድማ ግንቦት ሸዉዓተ፡ ካብ’ዚ ናይ ሽበራ መዝገብ ክወጽኡ ወሲኑ።

ነዚ ውሳነን ጻውዒት መንግስቲ ኢትዮጵያን ስዒቦም ድማ፡ እቶም ካብ መዝገብ ሽበራ ዝተሰረዙ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ካልኦት ብዙሓት ኣብ ደገ ኮይኖም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብረት ኣቕኒዖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ውድባት’ውን ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም እዮም።

እዞም ናብ ዓዲ ዝተመለሱ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሕዚ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ? ንገለ ካብቶም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት ብኸምዚ ዳህሲስናዮም ኣለና።

ኦነግ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኦነግ ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ምስኣውጸኦ፡ ግዜ ከየጥፈአ እዩ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኾይኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ውድብ ምዝርራብ ጀሚሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ወርቅነህ ገበየሁን ንፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳን ናብ ኣስመራ ብምልኣኽ፡ ምስ ኣቦ ወንበር ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ክዘራረቡ ገበረ።

ድሕሪ’ዚ ዝርርብ፡ ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፉ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ተሰማሚዑ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2018 ድማ፡ ኣስታት 1300 ሰራዊት ኦነግ፡ ካብ ኤርትራ ብትግራይ ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተወ ግን፡ ንኣዋርሕ ኣብ ጉዳያት ምፍታሕ ዕጥቅን ካልእን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰሓሓብ ተራእዩ ነይሩ።

ብፍላይ እቲ ኣብ በረኻታት ኦሮሚያ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሰራዊት ኦነግ፡ ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝተፈለየ ቅዋም ዘለዎ ይመስል ምንባሩ ዝዘከር እዩ።

ውዒሉ ሓዲሩ ግን፡ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ ዕጥቂ ፈቲሑ ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝኣተወን፡ ኣብ ጫካ ዝተረፉ ሰራዊት ከምዘይብሉን ኣዊጁ።

እንተኾነ፡ ክሳብ እዚ እዋን እዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ኦሮሞ ኣብ ውግእ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።

ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ ዕጡቕ ሰራዊት የብለይን እንተበለ’ኳ፡ እዞም ኣብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ግን ንርእሶም ‘ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ’ እናበሉ እዮም ዝጽውዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ነዞም ዝዋግእዎ ዘለዉ ዕጡቓት፡ ገለ እዋናት ‘ኦነግ ሸኔ’ እናበለ ክጽወዖም ይስማዕ እዩ። እቶም ዕጡቓት ግን ንርእሶም “ሸኔ” ኢሎም ኣይጽውዑን።

ኣብ ቅትለት ኣርቲስ ሃጫሉ ሁንዴሳ ድማ፡ ብመንግስቲ ተደጋጊሙ ዝኽሰስ ዘሎ ኣካል እዩ።

እቲ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ ግን፡ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሕጋዊ ተቓዋሚ ውድብ እዩ።

እዚ ውድብ፡ ኣብ ኦሮሚያ ተቐባልነት ኣለዎም ምስ ዝበሃሉ ተቓወምቲ ውድባት ሰሚሩ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ፤ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ምስ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ከምኡ ድማ ምስ ብሄራዊ ፓርቲ ኦሮምያ (ኦብፓ) ጥምረት ከምዝፈጸሙ ተገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ፤ ኣብ መንጎኦም ምስምማዓት ስለዘይተፈጥረ፡ እቲ ጥምረት ንግዚኡ ደው ከምዝበለ እዩ ዝዝረብ ።

ካልኦት ካብ ደገ ዝኣተዉ ውድባት ኦሮሞ

ካብቶም ካብ ደገ ዝኣተዉ ውድባት ኦሮሚያ መብዛሕተኦም፡ ካብቲ ነባር ውድብ ኦነግ ዝተፈንጨሉ ኮይኖም፡ ገሊኦም ‘ብክስቶ ዝምራሕ ኦነግ’ ብዝብል ብስም መራሕቶም ዝልለዩ እዮም ነይሮም።

እዚ ድማ፡ “ኦነግ” ብዝብል ስም ኣብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ክምዝገብ ዘለኒ ኣነ እየ ክሳብ ዝብል ምስሕሓባት ፈጢሩ ነይሩ።

ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ መንጎ ብዳውድ ኢብሳ ዝምራሕ ‘ኦነግ’ ከምኡ ድማ፡ ኣብ መንጎ ብኣባ ነጋ ጃራ ዝምራሕ ኦነግ ዝነበረ ምስሕሓብ ዝጥቀስ እዩ።

ካልኦት፡ ቅድም ክብል ኣብ ኦነግ ዝነበሩን ዝተፈንጨሉን ከም በዓል ሌንጮ ለታን ከማል ገልቹን ዝመርሕዎም ውድባት ድማ፤ ካልእ ስም ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም እዮም።

ብኣይተ ሌንጮ ለታ ዝምራሕ ኣብ ስደት ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ (ኦዴግ) ድሕሪ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።

ኣይተ ሌንጮ ለታ፡ ስሙ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገኒኑ እዩ ዝለዓል።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018፡ ምስ’ቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብኣይተ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ዝነበረን ንኦሮሚያ ዘመሓድርን ኦዴፓ ኣባል ልፍንቲ ኢህወዴግ ዝነበረ ውድብ ተዋሂዱ።

ኦዴፓ ድማ ንባዕሉ፡ ጸኒሑ ናብ ሰልፊ ብልጽግና ተሓዊሱ።

ካልእ ካብ ስደት ዝተመለሰ ናይ ኦሮሚያ ውድብ፡ ብብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ብሄራዊ ፓርቲ ኦሮምያን (ኦብፓ) እዩ።

ኦብፓ ካብ ኤርትራን ኡጋንዳን ተበጊሱ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ለውጢ ናብታ ሃገር ዝተመለሰ እዩ።

ጀነራል ከማል፡ ላዕለዋይ መኮንን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ኮይኑ፡ ካብቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመዲቡሉ ዝነበረ ግንባር ሃዲሙ፡ ንኤርትራ ኢዱ ዝሃበ'ዩ።

ከማል ገልቹ ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኦሮሚያ ኮይኑ ሰሪሑ። ጸኒሑ ግን ካብ ስልጣኑ ተላዒሉ።

ንሱ ዝመርሖ ውድብ ኦብፓ፡ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ፍቓድ ረኺቡ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ።

ዴምህት

ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ሓደ ካብቶም ዕጥቆም ፈቲሖም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ፖለቲካዊ ውድባት እዩ።

ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2001 ከምዝተመስረተ ዝንገረሉ ዴምህት፡ 17 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኾይኑ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ፀኒሑ።

ኣብ 2015 ምስ ጉንበት ሸውዓተ ውህደት ፈጢሩ ዝነበረ እቲ ውድብ፡ ብ ሞላ ኣስገዶም ዝምርሑ ኣስታት 800 ወተሃደራቱ ነቲ ውድብ ራሕሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ነይሮም።

ድሕሪ መምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብኣይተ መኮነን ተስፋይ ዝምራሕ ዴምህት፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ናብ ኢትዮጵያ ንክኣቱ ምስ ሰብመዚ ጸጥታ ኢትዮጵያ ናይ ዕርቂ ዘተ ኣካይዱ።

ድሕሪ’ዚ፤ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲ 2018፡ ዴምህት ልዕሊ 2000 ወታሃደራቱ ሒዙ ናብ ትግራይ ኣትዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ድማ፡ እቲ ብኣይተ መኮነን ተስፋይ ዝምራሕ ውድብ ዴምህት ቅሂሙ ምስ ህወሓት ክሰርሕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቶም ዕጡቓት እቲ ውድብ ናብ ስልጠና ኣትዮም እንተተብሃለ’ኳ፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡ ንጹር ኣይኮነን።

ትዴት (ትዴፓ)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ፡ ናብ ዓዲ ኣትዮም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ድልየት ከምዘለዎም ካብ ዝገለጹ ፈላሞት ውድባት ሓደ፡ ብኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ከምኡ ድማ ብግደይ ዘርኣጽዮን ዝምራሕ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ (ትዴት) እዩ።

እቲ ውድብ፡ ብገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ ስደት እዩ ተመስሪቱ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰ፡ ስሙ ናብ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ቀይሩ ሕጋዊ ፍቓድ ረኺቡ ምንቅስቓስ ይገብር ኣሎ።

ትዴፓ፡ ኣብዚ እዋን ንትግራይ ምስ ዘመሓድር ውድብ ህወሓት ክሰሓሓብ እዩ ዝረኣይ። ምስ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ጽቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ትዴፓ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ዓረናን ካልኦት ውድባት ሰሚሩ ክሰርሕ ምዝርራባት ይገብር ከምዘሎ እኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ዛጊድ ግን ምስ ዝኾነ ፓርቲ ጥምረት ኮነ ውህደት ኣይፈጸመን።

ግንቦት ሸውዓተ (ኣርበኞች ግንቦት ሰባት)

ሓርበኛታት-ጉንበት 7፡ ክሳብ 2018 ኣብ ኤርትራ ኾይኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑ።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ 2018 ድማ፡ ብመሰረት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮ ዘተ፡ ዕጥቁ ፈቲሑ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2018 ድማ፡ ሰራዊት ናይቲ ውድብ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም።

እቲ ውድብ፡ ብብርሃኑ ነጋ (ፕሮፌሰር) ከምኡ ድማ ብኣንዳርጋቸው ጽጌ ዝምራሕ እዩ።

ኣብ ወርሒ ጉንበት 2019 ድማ፡ ንኣርበኞች ግንቦት ሰባት ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ውድባት ንርእሶም ኣቕሂሞም (ኣፍሪሶም) ሓድሽ ውድብ ፖለቲካ ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓድሽ ውድብ ድማ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ዝበሃል እዩ።

ኣቦ-ወንበር አርበኞች ግንቦት ሸውዓተ ዝነበረ ብርሃኑ ነጋ (ፕሮፌሰር) ድማ፡ ናይቲ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ (ኢዜማ) መራሒ ኮይኑ ተመሪጹ።

ኢዜማ፡ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ምንቅስቓስ ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ጸለውቲ ሓደሽቲ ውድባት ሓደ እዩ።

ኦብነግ

ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፤ ሓደ ካብቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ሰፊሩ ዝጸንሐን፡ ብውሳነ ባይቶ ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ካብ’ዚ መዝገብ ክወጽእ ዝተገበረን እዩ።

እቲ ውድብ፡ ካብ 1984 ጀሚሩ፤ ንመሰል ዓርሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ንምርግጋጽን፡ ሉዓላዊት ሶማሌ ንምምስራትን'ዩ ክቃለስ ጸኒሑ።

ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ እዩ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኦብነግ፡ ብ18 መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታዩ፡ እቲ ውድብ ዕጥቁ ፈቲሑ ናብ ዓዲ ክኣቱ ተሰማሚዑ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ድማ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ከተማ ኦጋዴን ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ ሓድሽ መራሒ መሪጹ።

ኣብ’ቲ እዋን፡ ሓድሽ ኣቦወንበር ናይቲ ውድብ ኮይኑ ዝተመረጸ፡ ዓብድራሕማን ሞሓመድ ሸኽ መዲ እዩ።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ኦብነግ ኣብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተመዝጊቡ ሕጋዊ ምንቅስቓስ ዝገብር ዘሎ እዩ።

ኦብነግ ኣብ ክልል ሶማል ብዘሎ ፖለቲካ ሕጉስ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ መጻኢ ወርሒ መስከረም ኣብ ስልጣን ንዝጸንሕ መንግስቲ ፌዴራል ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ ኣሎ።