እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ካብ ርጉም ናብ ሕሱም ጨካን ጎይታ እናተሸጥና መከራና ንርኢ ዘሎና" ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ሰሙን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብ20 ሓምለ ኣብ ኢድ እቲ ትካል ከምዝዓረፈ ሓቢሩ።
እዚ ሞት እዚ ግና ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። እኳ ደኣ እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣጻምእ ሊብያን ሰሃራን ኣብ ማእከላይ ባሕርን ንፈለማ እዋን ሞት ሓደ ስደተኛ እውን እንተኾነ ክንገር እንከሎ ኩሉ ሰብ ይስንብድን ይጭነቕን ነይሩ። እቲ ሞት ካብ ሓደ ናብ ክልተ ካብ ክልተ ናብ ዓስርተ ናብ ሚእትን ኣማኢትን ምስ ዓረገን ምስተደጋገመን ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ሞት እውን ክልመድ ጀሚሩ።
ሃለዋትን ናብራን ስደተኛታት ሊብያ ግን ካብ ሞት ዝኸፍአን ዝመረረን እዩ ይብሉ እቶም ከም ባራዩ ናብ ዝተፈላለዩ ነጋዶ ሰባት እናተሸጡ መከረኦም ዝርእዩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት።
ገርጋሪት ኣብ ዝበሃል ቦታ ምስ መሰልቱ ስደተኛታት ዝነብር ዘሎ ወዲ በረኸት " ሃለዋትና ምስ ሃለዋት ኣይቁጸርን እዩ። ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝሓሰመ ካብ ርጉም ናብ ሕሱም ጨካን ጎይታ እናተሸጥና መከራና ኢና ንርኢ ዘሎና" ክብል ብምረት ይዛረብ።
ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ገላዩን ባሮትን ካብን ናብን ነጋዶ ሰባት እናተሸጡ ሕሱም ህይወት ከምዘሕልፉን ኣብ ቃልዕ ዕዳጋ ብጨረታ ከምዝሽየጡን ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብግልጺ ተራእዩ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ኣብታ ብጎይቶት ኩናት እትሕመስ ዘላ ሊብያ ከቢድ ወጽዓ ከጋጥሞም ጸኒሑን ኣሎን።
እትረፍ ኣብ መዳጎኒ ጎይቶት ኩናት ዝርከቡ ስደተኛታት እቶም ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ዝከታተሎ መዓስከራት ዝርከቡ እውን እንተኾኑ፡ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ከቢድ ጸገምን ጭንቅን እዮም ዘለው።
ብዙሓት ካብኣቶም ሕቶ ዑቕበኦም ተሰሚዑ ጉዳዮም ተጻርዩ ከብቅዕ ናብ ውሕስቲ ሃገር ክትሰጋገሩ ኢኹም ካብ ዝበሃሉ ክሳብ ሕጂ ብተስፋ ክጽበዩ ዓመታት ገይሮም ኣለው።
ሓደ ካብቶም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ሎሚ ጽባሕ ክትከይድ ኢኻ ዝተባህለ ምስ ብጾቱ ስደተኛታት ካብ ከቢድ ሓደጋ ዝወጽአ መንእሰይ፡ እቲ ዝተዋህቦ መብጽዓ ክሳብ ሕጂ ዘይምትግባሩ ልዑል ሓዘን እዩ ዝስመዖ። " ንሕና ዓለም ዝረሰዓትና ኣብ ነበልባል እሳት ኣብ ገሃነብ እንነብር ሰባት ኢና" ክብል ነቲ ዘለዎ ሃለዋት ብምረት ይገልጾ።
ኣብቲ ዘለዎ ቦታ ኣደ ቖልዑን ህጻናትን ከይተረፉ ሎሚ ጽባሕ ናብ ውሑስ ቦታ ክትግዕዙ ኢኹም ተጸበዩ ተባሂሎም ክሳብ ሕጂ ብዘይሰምር ተስፋ፡ ብዘሰቅቕ ሃለዋት ሊብያ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ይነብሩ ከምዘለው ይሕብር። ካልእ ይትረፍ ይብል ተመስገን "ህይወትና ናብ እነውሕሰሉ ዝኾነ ቦታ ዝወስደና ዝግደሰልና ዓለማዊ ትካልን ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ክንስእን! ዋላ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እውን እንተኾነ ጸገም የሎን። ካብዚ ዘለናዮ ሃለዋት ዝኸፍእ የሎን" ክብል ማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦ ክገብረሎም ኣምሪሩ ተማሕጺኑ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ "ንሕና ኣካል ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተኾንና ብሓገዝን ልግስን መንግስታት እንሰርሕ ትካል ብምዃንና ዓቕምና ድሩት እዩ። እቶም ስደተኛታት ከኣ ነዚ ክርድኡልና ንደሊ" ክብል ብዝምልከቶም ወከልቱ ብተደጋጋሚ ምላሽ ሂቡ እዩ።
ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ስደትን ምዕባለን ዝምህርን ኣብ ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ኣፍሪቃ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዓሚቚ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዘካየደን ብዛዕባ ስደትን ስደተኛታትን ዝምልከት ሓያሎ መጻሕፍትን ኣማኢት ዝቑጸር ዝተፈላለየ እዋናዊ ዛዕባታት ዝጸሓፈ መምህርን ተመራማርን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ " ዩኤንኤችሲኣር ምስ መንግስታት ተረዳዲኡ እምበር ንበይኑ ክገብሮን ከተግብሮን ዝኽእል ዕማም ስደተኛታት የሎን" ክብል ደረትን ዓቕምን እቲ ትካል የብርህ።
ዘረብኡ ብምቕጻል ከኣ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ዩኤንኤችሲኣር ናይ ገዛእ ርእሱ ዓቕምን ስልጣንን ሃልዩዎ ጉዳይ ስደተኛትተ ብተኣምር ክፈትሕ ክእለት ከምዘለዎ ገይሮም ዝርድኡዎ ከምዘለውን እቲ መረዳእታ ክተዓራረ ከምዘለዎን ይሕብር። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮና ካልኦት ተራን ሓላፍነትን፡ ዓቕምን ድሩትነትን እቲ ትካል ክፈልጡን ክርድኡን ኣገዳሲ እዩ ይብል።
ስደተኛታት ብጸገሞም ዩኤንኤችሲኣር ብሕጽረታቱ ክዛረቡ ባህሪያዊ እዩ። ኣብ ጭንቅን ጸገምን ዘሎ ስደተኛ ህይወቱ ከውሕስን ካብ ዘጋጠሞ ጸገማት ክናገፍን ናብ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ክሕግዝን ክረድእን ዝኽእል ትካላት ግብረ ሰናይ ኮነ መንግስታት ኣቤት ክብል ንቡር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ እቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ጭንቅን ጸበባን ዘሎ ኤርትራዊ " ዓለም ረሲዓትና!" ክብል ዝጣራዕ ዘሎ።
ስደት ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ መናብርቲ ደቂ ሰባት እዩ። ሰባት፡ እንተስ ዝሓሸ መንብሮን ህይወትን ክደልዩ፡ እንተስ ኣብ ዓዶም ዘይርከብ ዝለዓለ ፍልጠት ክቐስሙ ክመሃሩ፡ እንተስ ንዝሓሸ ሕክምና ክምርመሩ፡ እንተስ ካብ ኩናት ሓድሕድን ምሕደራ ምልክን ክገላገሉ እዮም ዓዶም ዝገድፉ።
እቲ ንስደትን ኩነታት ስደተኛታትን ብደቂቕ ኣጽኒዑ፡ ንምሕደረኦምን መሳላቶምን ዘውሕስ ደረጃን ሕግን ዝሰርዓሉ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ንዝሓሸ ናብራን መጻእን ዶብ ዓዶም ዝሰግሩ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ክብሎም እንከሎ ነቶም ብኩናትን ስግኣትን ዑቕባ ዝሓቱን ነብሶም ከውሕሱ ነፊጾም ዝወጽኡን ከኣ ናይ ፖለቲካ ጽግዕተኛታት ክብል ስምን መመሓደሪ ስርዓትን ፈላልዩሎም።
ጉዳይ ስደተኛታት እምበኣር በዚ ዝተገልጸ ኣፈናዊ ደንቢ እዩ ዝረአን ዝምዘንን ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ዩኤንኤችሲኣር እውን ዝርዝር ዛንታን ምኽንያት ስደተኛታትን ጸገማቶምን ክሰምዕ እንከሎ ከኣ ነዚ ዝተገልጸ ኣፈናዊ መምዘኒ ረቛሒታት ኣብ ሰነዳቱ ምስ ዘሎ ጭብጥታት ኣሳንዩ እዩ ዝመምር ዝርእን።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከም ሻህር መጣር፤ ዚንታን፤ ኣቡሰሊም ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ መዓስከራት ኣዝዩ ሕሱም ህይወት አሕሊፎም እዮም። ሓደ እዋን ቢቢሲ ትግርኛ " ሸፋቱ የጥቅዑና ኣለው ንዝበሉ ስደተኛታት እቲ እዋናዊ ፍጻሜ ብተንቀሳቓሲ ስእልን ድምጽን ሰኒዱ፡ ደሞም እናዘዓገ ዘርኢ ጸብጻብ ኣብ እዋኑ ናብ ሰማዕቲ ኣብጺሑዎ ነይሩ።
ኣብ ዶባት የመንን ስዑድ ዓረብን ኣብ ራጎን ኣብ ኣልግሃርን ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሑቲን ስዑድ ዓረብን፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝጸንሑ መብዛሕትኦም ተጋሩ ምዃኖም ዝንገረሎም ኣሻሓት ስደተኛታት፡ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣብያተ-ማእሰርቲ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ ሕሱም ኩነታት ከምዝርከቡን ዝምልከቶ ኣካል ደሃዮም ክገብር፡ ቢቢሲ ከኣ ወጽዐኦም ከስምዓሎም ምምሕጻኖም "ኣብ ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት "ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ጂዛን፡ ዳየር፡ ሹዌራ፡ ኢምግሬሽንን ኣስታት 40 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሕሱም ህይወት ይርከቡን መንግስቶም ደሃዮም ክገብርን ይጠልቡ ኣለው።
ዝምልከቶም ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከኣ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናን ዕጽዋን ከምቲ ዝድለ ከስልጡ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ መንግስቶም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ [እቲ ዛንታ ኣብ ዝተጻሕፈሉ ቅድሚ ክልተ ሰሙን] ካብ ስዑድ ዓረብ መዓልታዊ ክልተ ሰለስተ በረራ ብምክያድ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘግዓዘ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ቆንስላዊ ጉዳያት ኣቶ ዮውሃንስ ሾዴ ይሕብር።
እቶም ስደተኛታት ዝውሸቡሉ ማእከላት ምስተዳለወ ከኣ በብቑሩብ ናብ ሃገሮም ከግዕዞም ምዃኑ እውን ሓቢሩ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ንግዝይኡ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት ከምዝጅምሮ ሎሚ ሓቢሩ።
እቲ ብኮቪድ ተዓናቒፉ ዝጸንሐ ምግዕዓዝ ስደተኛታት ኣስታት 10ሽሕ ዝኾኑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጠየሱ ስደተኛተት ኣደናጒዩ ከምዝጸንሐ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ናይ ዕጽዋ እዋን እውን እንተኾነ ዩኤንኤችሲኣር፡ ኣይኦኤምን መሻርኽቲ ኣካላትን ህጹጽ ጉዳያት ዳግመ ምጥያስ ስደተኛታት ክከታተላን ከማኽራን ምጽንሐን ሓቢረን።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ብሰንኪ ኮቪድ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ መገሻ እገዳ ይለዓል ብምህላው ከኣ ነቲ ክሳብ ሕጂ ተዓናቒፉ ዝጸንሐ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ክቀላጠፍ ትጽቢት ይግበር። ዩኤንኤችሲኣር፡ ኣይኦኤምን መሻርኽቲ መንግስታትን ጉዳያት ናብ ንቡር ንምምላስ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ምህላዎም እቲ ዝወጽአ መግለጺ የነጽር።
መደብ ዳግመ ጥየሳ ንህይወት ብዙሓት ስደተኛታት ዘመሓይሽ ፍቱን መረጋግኢ ተግባር ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ እውን ምስተን ስደተኛታት ዝቕበላ መሻርኽቲ ሃገራት ነቲ ዕማም ብውሕስ ኣገባብ ንምቕጻሉ ይስራሕ ኣሎ።
እንተኾነ ብዝሒ እቶም ክጣየሱ ኣብ ትጽቢት ዘለው ስደተኛታትን እተን ንስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ዝህበኦ ዘለዋ ኮታን ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ዩኤንኤችሲኣር ኮነ ኣይኦኤምን መሻርኽቲ ኣካላትን መንግስታት ጸገምን ሽግርን ስደተኛታት ተረዲአን ዝያዳ ሰባት ንኽወስዳ ቀጻሊ ጻዕሪ ክግበሩ ምኻኖም የረድእ።